Baibulo la pa intaneti

- Zotsatsa -

መሃልየ 1 - መፅሓፍ ቅዱስ


ቀዳማይ መዝሙር

1 ናይ ሰሎሞን መሃልየ መሃልይ።

2 ፍቕርኻ ኻብ ወይኒ ይጥዕም እዩ እሞ፥ ብምስዓም ኣፉ ይስዓመኒ።

3 ቅብእኻ ምዑዝ ሽቱ ኣለዎ፤ ስምካ ኸም ዝፈስስ ምዑዝ ሽቱ እዩ፤ ስለዙይ ኣዋልድ ይፈትዋኻ።

4 ሰሓበኒ እሞ ደድሕሬኻ ኽንጐዪ ኢና፤ እቲ ንጉስ ናብ ሕልፍኚኡ ኣእተወኒ፤ ብኣኻ ኽንሕጐስን ደስ ክብለናን እዩ፤ ሕልፊ ወይኒ፥ ንፍቕርኻ ንሓስብ ኢና፤ ብቕንዕና እየን ዝፈትዋኻ።

5 ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ኣነ ፀላም እየ፤ ግና ፅብቕቲ እየ፤ ከም ድንኳናት ቄዳር፥ ከም መጋረጃታት ሰሎሞን እየ።

6 ፀሓይ መልክዐይ ኣፀሊማትኒ እያሞ፥ ፀላም ብምዃነይ ኣይትጠምታኒ፤ ደቂ እኖይ ፀልኡኒ፤ ሓላዊት ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ገበሩኒ፤ ናይ ባዕለይ ኣትክልቲ ወይኒ ግና ኣይሓለኹን።

7 ኣታ ነፍሰይ እትፈትወካ፥ እስኪ ንገረኒ፤ ንመጓሰኻ ኣበይ ተውፍረን? ቀትርኸ ኣበይ ኢኻ እተዕርፈን? ስለ ምንታይከ ደድሕሪ መጓሰ ኣዕርክትኻ ዀለል ዝብል?

8 ኣቲ ኻብ ኣንስቲ እትፅብቒ፥ ዘይትፈልጢ እንተ ዄንኪ፥ ኣስኣሰር መጓሰ ተኸቲልኪ ውፂ፤ መሓስእ ኣጣልኪ ኣብ ጥቓ ድንኳናት ጓሶት ኣውፍሪ።

9 ኣቲ ፍቕርተይ፥ ኣብ ሰረገላታት ፈርዖን፥ ከም ዘሎ ፈረስ መሰልኩኺ።

10 ምዕጕርትኺ ብቐለበት ወርቂ፥ ክሳድኪ ብድሪ ሉል ዘጌፀ እዩ።

11 ንሕናውን ጐባጉብ ብሩር ዘለዎ፥ ሽልማት ወርቂ ኽንገብረልኪ ኢና።

12 ንጉስ ኣብ ማእዱ እንተሎ፥ ናርዶሰይ መዓዛኡ ሃበ፤

13 ፍቱወይ ንኣይ ኣብ መንጎ ኣጥባተይ ከም ዝዓርፍ፥ ከም እተቛፀረ ኸርበ እዩ።

14 ፍቱወይ ንኣይ፥ ከምቲ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ዓይን ጋዲ ዘሎ፥ ከም ሕቝፊ ዕምበባ እዩ።

15 ኣቲ ፍቕርተይ፥ ፅብቕቲ ኢኺ! እንሆ ንስኺ ቘንጆ ኢኺ! ኣዒንትኺ ኸም ርግቢታት እየን።

16 ኣታ ፍቱወይ! ክንደይ ትፅብቕ! ክንደይከ ትምልክዕ! ዓራትና ድማ ልምሉም እዩ።

17 ሰረገላ ቤትና ኦም ዝግባ እዩ፤ መዋቕር ገዛና ድማ ኦም ፅሕዲ እዩ።

Titsatireni:



Zotsatsa