መዝሙረ ዳዊት 1 - መፅሓፍ ቅዱስቀዳማይ መፅሓፍ (መዝሙር 1-41) ሓቀኛ ብፅእና 1 ብምኽሪ ኽፉኣት ዘይኸደ፥ ኣብ መንገዲ ሓጥኣን ከዓ ዘይቆመ፥ ኣብ መንበር መላገፅቲ ድማ ዘይተቐመጠ ብፁእ እዩ። 2 እኳ ደኣ ብሕጊ እግዚኣብሄር ይሕጐስ፤ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን የስተንትኖ። 3 ንሱ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ ከም ዝተተኽለት፥ በብእዋኑ ፍረኣ ከም እትህብ፥ ቈፅላውን ከም ዘይረግፍ ኦም ይኸውን፤ ኵሉ ዝገብሮውን ይሰልጠሉ። 4 እቶም ክፉኣት ግና ኸምዙይ ኣይኮኑን፤ ንሳቶም፥ ከምቲ ንፋስ ፀሪጉ ዝወስዶ በነንታ እዮም። 5 ስለዙይ ክፉኣት ብፍርዲ፥ ሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ፃድቃን ኣይቖሙን እዮም። 6 እግዚኣብሄር ንመንገዲ ፃድቃን ይፈልጦ እዩሞ፤ መንገዲ ክፉኣት ግና ኽትጠፍእ እያ። |