ምስላታት 1 - መፅሓፍ ቅዱስጥቕሚ ምስላታት 1 ምስላታት ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ንጉስ እስራኤል፦ 2 ጥበብን ምኽርን ንምፍላጥ፥ ናይ ፍልጠት ቃላት ንምስትውዓል፥ 3 ዘለብም ምዕዳንን ሓቅን፥ ፍትሕን ቅንዕናን ንምቕባል፥ 4 ንገርህታት ጥበብ ዝህብ፥ ንመንእሰያት ድማ ፍልጠትን ጥንቃቐን ዝህብ እዩ። 5 ጠቢብ ነዚኣተን ብምስማዕ፥ ፍልጠት ይውስኽ፤ ለባም ከዓ ፅቡቕ ምኽሪ የጥሪ። 6 በዙይ ከዓ ንሳቶም ንምስላን፥ ትርጉምን፥ ንዘረባ ጠቢባንን ዓሚቝ ሓሳባቶምን፥ ከስተውዕልዎ ይኽእሉ። ምኽሪ ንመንእሰይ 7 ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ፥ ናይ ጥበብ መጀመርታ እዩ፤ ሰነፋት ግና ንጥበብን ንተግሳፅን ይንዕቕዎ። 8 ወደይ፥ ንምዕዳን ኣቦኻ ስምዓዮ፤ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ። 9 እዙይ ንርእስኻ ኣኽሊል፥ ንኽሳድካ ኸዓ ድሪ እዩ። 10 ወደይ፥ ሓጥኣን እንተ ሓባበሉኻ፥ ሕራይ ኣይትበሎም። 11 ንሳቶም፦ “ምሳና ነዓ፤ ኣድቢና ደም ነፍስስ፤ ንንፁህውን ብዘይ ምኽንያት፥ መፃወድያ ነፃውደሉ እንተ በሉ፥ 12 “ናብ ጕድጓድ ከም ዝወርዱውን፥ ብህይወቶም እንተለዉ፥ ከም ሲኦል ኴንና ንውሓጦም፤ 13 “ክቡር ዝኾነ ዅሉ ኽንረክብ፥ ነአባይትና ኸዓ በቲ ዝዘመትናዮ ኽንመልኦ ኢና፥ 14 “ነዓ፥ ዕፃኻ ምሳና ኣውድቕ፤ ናይ ኵልና ኸረጢት፥ ሓደ ይኹን እንተ በሉኻ” 15 ወደይ፥ ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ፥ መንገዲ ኣይትኺድ፤ ካብኣቶም ረሓቕ፤ 16 ንሳቶም ክፉእ ንምግባር ይጐዩ፤ ኣእጋሮም ከዓ ደም ንምፍሳስ፥ ቅልጡፋት እየን። 17 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅለን እተን ኣኽናፍ ዘለወን ኣዕዋፍ፥ መፈንጠር ብኸንቱ ኣይፃወድን እዩሞ። 18 ንሳቶም ኣብ ልዕሊ ደሞም የድብዩ፤ ኣብ ልዕሊ ነፍሶምውን የሻርዉ። 19 ኵሉ መንገዲ ህሩፍ ከምዙይ እዩ፤ ንነፍሲ ዋናኡ የጥፍኣ። ጥበብ ትዛረብ 20 ጥበብ ኣብ ጐደናታት ትፅውዕ፤ ኣብ ኣደባባያት ድምፃ ዓው ኣቢላ ተስምዕ። 21 ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ጐደና ትፃዋዕ፤ ኣብ ኣፍ ደገታት እታ ኸተማ ኸዓ ቓላ ተስምዕ፤ 22 “ኣቱም ዓያሹ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ዕሽነት እትፈትዉ? መላገፅቲኸ ክሳዕ መኣዝ እዩ ላግፂ? ሰነፋትከ ኽሳዕ መኣዝ እዮም ፍልጠት ዝፀልኡ?” 23 ናብ ተግሳፀይ ተመለሱ፤ እንሆ መንፈሰይ ከፍስሰልኩም፥ ቃላተይ ከፍልጠኩም እየ። 24 ክፅውዐኩም እንተለኹ እምቢ ስለ ዝበልኩም፥ ኢደይ ዘርጊሐውን ዘስተብሃለ ስለ ዘየለ፥ 25 ንዅሉ ምኽረይ ሸለል ስለ ዝበልኩም፥ ንተግሳፀይ ኣይተቐበልኩምዎን። 26-27 ኣነውን፥ እቲ እትፈርሕዎ ኽመፅእ እንተሎ፥ እቲ እትፈርሕዎ ኸም ኣውሎ ንፋስ ክመፅእ፥ መከራ ኸም መሸምቦባ ኾይኑ ኽበፅሐኩም፥ ፀበባን ጭንቀትን ክወርደኩም እንተሎ፥ ብመከራኹም ክስሕቕን ከባጭወልኩምን እየ። 28 ሽዑ ናባይ ክትምህለሉ ኢኹም፤ ኣነ ግና ኣይምልሰልኩምን እየ፤ ኣንጊህኹም ክትደልዩኒ ኢኹም፤ ግና ኣይትረኽቡንን፥ 29 ፍልጠት ስለ ዝፀላእኹም፥ ፍርሓት እግዚኣብሄር ስለ ዘይመረፅኩም፥ 30 ንምኽረይ ስለ ዘይፈተኹምዎን፥ ንተግሳፀይውን ስለ ዝነዓቕኩምዎ፥ 31 ፍረ መንገድኹም ክትበልዑ፥ ካብ ምኽርኹምውን ክትፀግቡ ኢኹም። 32 ነቶም ዓያሹ፥ ካብ ጥበብ ምርሓቕ ክቐትሎም እዩ፤ ነቶም ደናቝር ከዓ፥ እቲ ሸለልትነቶም ከጥፍኦም እዩ። 33 እቲ ዝሰምዐኒ ግና ብደሓን ይነብር፤ ንኽፉእ እንተይፈርሐ ድማ፥ ብዘይ ስግኣት ክነብር እዩ። |