Baibulo la pa intaneti

- Zotsatsa -

ዘሑልቍ 1 - መፅሓፍ ቅዱስ


ደቂ እስራኤል ንመጀመርታ ኸም ዝተቘፀሩ

1 ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኻብ ዝወፁ ኣብ ካልአይቲ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ሲና፥ ኣብ ውሽጢ እቲ መራኸቢ ድንኳን ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦

2 “ናይ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ቍፅሪ ውሰድ፤ በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን በብቝፅሪ ስሞምን፥ ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ቝፅሩ ውሰድ።

3 ንስኻን ኣሮንን፥ ኣብ እስራኤል ንዘለዉ ዅሎም ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ክወፁ ዝኽእሉ በብኽፍሊ ሰራዊቶም ቍፀርዎም።

4 ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሓደ ሓለቓ ማይ ቤት ምሳኻትኩም ይኹን።

5 ስም ናይቶም ምሳኻትኩም ዝቖሙ ሰባት እዙይ እዩ፦ ካብ ሮቤል፥ ኤሊሱር ወዲ ሱሪሳዳይ፥

6 ካብ ስምኦን፥ ሰለሚኤል ወዲ ሰዲዮር፥

7 ካብ ይሁዳ፥ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ፥

8 ካብ ይሳኮር፥ ናትናኤል ወዲ ሶገር፥

9 ካብ ዛብሎን፥ ኤልያብ ወዲ ኬሎን፥

10 ካብ ኤፍሬም ወዲ ዮሴፍ፥ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ፥ ካብ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ፥ ገማልኤል ወዲ ፈዳሱር፥

11 ካብ ብንያም፥ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን፥

12 ካብ ዳን ኣኪዔዘር ወዲ ዓሚሳዳይ፥

13 ካብ ኣሴር፥ ፋግኤል ወዲ ኤክራን፥

14 ካብ ጋድ፥ ኤልያሳፍ ወዲ ራጉኤል፥

15 ካብ ንፍታሌም፥ ኣኪሬ ወዲ ዔናን።”

16 እቶም ካብቲ ህዝቢ ዝተሸሙ፥ ሹመኛታት ነገዳት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም። ንሳቶም ነናይ ማይ ቤቶም ኣሕሉቕ ነበሩ።

17 ሙሴን ኣሮንን ድማ ነዞም በብስሞም ዝተፀውዑ ሰባት ወሲዶም፥

18 በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ንዅሉ ህዝቢ ኣከብዎ። ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘሎ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤቶም፥ በብሓደ በብስሞም ተቘፂሮም ተፅሓፉ።

19 ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ሙሴ ኣብ በረኻ ሲና ቘፀሮም፦

20 ካብ ሮቤል በዅሪ ያእቆብ ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም ተባዕትዮ፥

21 ኣርብዓን ሽዱሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ።

22 ካብ ስምኦን ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም ተባዕትዮ፥

23 ሓምሳን ትሽዓተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ኮኑ።

24 ካብ ጋድ ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥

25 ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ኮኑ።

26 ካብ ይሁዳ ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥

27 ሰብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ኮኑ።

28 ካብ ይሳኮር ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥

29 ሓምሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።

30 ካብ ዛብሎን ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥

31 ሓምሳን ሸውዓተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።

32 ካብ ኤፍሬም ወዲ ዮሴፍ ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥

33 ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ።

34 ካብ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥

35 ሰላሳን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ኮኑ።

36 ካብ ብንያም ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥

37 ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።

38 ካብ ዳን ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥

39 ስሳን ክልተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ኮኑ፥

40 ካብ ኣሴር ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥

41 ኣርብዓን ሓደን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ።

42 ካብ ንፍታሌም ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥

43 ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ።

44 እዚኣቶም እቶም ሙሴን ኣሮንን ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ መራሕቲ ደቂ እስራኤል ኮይኖም ዝቘፀርዎም እዮም። ነፍሲ ወከፎም ነናይ ሓደ ማይ ቤት ኣቦታት እዮም።

45 ካብ ደቂ እስራኤል በብማይ ቤቶም ዝተቘፀሩ ዅሎም፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥

46 ሽዱሽተ ሚእትን ሰለስተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ።

47 ሌዋውያን ግና በብማይ ቤት ኣቦታቶም ምስኣቶም ኣይተቘፀሩን።

48 እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉዎ ነበረ፦

49 “ንነገድ ሌዊ ኣይትቝፀሮም፤ ቍፅሮም ድማ ምስቶም ደቂ እስራኤል ኣይትሕወሶ።

50 ክንድኡ ኣብ ልዕሊ እቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዅሉ ኣቑሑኡን፥ ኣብ ልዕሊ ናቱ ዝኾነ ሓለፍቲ ጌርካ መድቦም። ንሳቶም ነቲ ድንኳንን ንዅሉ ኣቑሑኡን ይፁሩ። ንእኡ ኸዓ የገልግሉ፤ ኣብ ዙርያ እቲ ድንኳን ድማ ይስፈሩ።

51 እቲ ናይ ምስክር ድንኳን ካብ ሰፈር እንትለዓል፥ ሌዋውያን ይንቀልዎ፤ ክሰፍሩ እንተለዉ ኸዓ ንሳቶም ይትከልዎ። ካልእ ሰብ ናብኡ እንተ ቐረበ ግና ይቀተል።

52 ደቂ እስራኤል ከዓ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰሰፈሩ፥ ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኡ ምስ ዓሌቶም በብኽፍሎም ይስፈሩ።

53 ግና ኣብ ህዝቢ እስራኤል ቍጥዓ ምእንቲ ኸይወርድ፥ ሌዋውያን ኣብ ዙርያ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይስፈሩ፤ ነቲ ድንኳን ከዓ ይሓልውዎ።”

54 እስራኤላውያን ድማ ኸምኡ ገበሩ፤ ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።

Titsatireni:



Zotsatsa