Baibulo la pa intaneti

- Zotsatsa -

ማርቆስ 1 - መፅሓፍ ቅዱስ


ስብከት መጥምቕ ዮሃንስ
( ማቴ. 3፡1-12 ፥ ሉቃ. 3፡1-18 ፥ ዮሓ. 1፡19-28 )

1 ናይ ወዲ እግዚኣብሄር ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል መጀመርታ እዙይ እዩ።

2-3 ከምቲ ኣብ መፃሕፍቲ ነቢያት፦ “እንሆ ‘ጐደና እግዚኣብሄር ፅረጉ፤ መንገድታቱውን ኣቕንዑ’ እናበለ ናይ ሓደ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ፥ ቀቅድሜኻ መንገድኻ ዝፀርግ ልኡኸይ እሰደልካ ኣለኹ” ዝብል ከም ዝተፅሓፈ፥

4 ዮሃንስ ኣብ ምድረ በዳ እናጥመቐን፥ ንስርየት ሓጢኣት ዝኸውን፥ ናይ ንስሃ ጥምቀት እናሰበኸን መፀ።

5 ኵሎም ሰብ ይሁዳን ሰብ ኢየሩሳሌምን፥ ናብኡ እናኸዱ ሓጢኣቶምውን እናተናዘዙ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ።

6 ዮሃንስ፥ ክዳኑ ኻብ ፀጕሪ ግመል ዝተሰርሐ፥ ዕጣቕ ሕቘኡ ድማ ኣዲም፥ ቀለቡውን ኣንበጣን መዓር ፅዴናን ነበረ።

7 ንሱ ኸዓ “ካባይ ዝብርትዕ፥ ኣነ ደኒነ ስራኽ ኣሳእኑ ኽፈትሐሉ ዘይበቅዕ፥ ብድሕረይ ይመፅእ ኣሎ።

8 ኣነ ብማይ ኣጥምቐኩም ኣለኹ፤ ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ ከጥምቐኩም እዩ” እናበለ ይሰብኽ ነበረ።


ጥምቀት ኢየሱስን ፈተናኡን
( ማቴ. 3፡13-17 ፥ 4፡1-11 ፥ ሉቃ. 3፡21-22 ፥ 4፡1-13 ፥ ዮሓ. 1፡32-34 )

9 በቲ ጊዜ እቱይ ከዓ፥ ኢየሱስ ካብ ናዝሬት ናይ ገሊላ መፀ፤ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ድማ፥ ብዮሃንስ ተጠመቐ።

10 ኢየሱስ ካብ ማይ ምስ ወፀ፥ ሽዑ ንሽዑ ሰማያት እንትኽፈታ፥ መንፈስ ቅዱስ ድማ ኸም ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ እንትወርድ ረአየ፤

11 “ብኣኻ ዝተሓጐስኩ ዝፈትወካ ወደይ ንስኻ ኢኻ” ዝብል ድምፂ ኻብ ሰማያት መፀ።

12 ሽዑ ንሽዑ ኸዓ መንፈስ [ቅዱስ] ናብ በረኻ ኣውፅኦ።

13 ኣብቲ በረኻ ድማ፥ ብሰይጣን እናተፈተነ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ፀንሐ፤ ምስ ኣራዊት ከዓ ነበረ፤ መላእኽቲ እውን ኣገልገልዎ።


ኢየሱስ ኣርባዕተ ኣስገርቲ ዓሳ ኸም ዝፀውዐ
( ማቴ. 4፡12-22 ፥ ሉቃ. 4፡14-15 ፥ 5፡1-11 )

14 ድሕሪ ምእሳር ዮሃንስ፥ ኢየሱስ ናብ ገሊላ መፂኡ፥ ወንጌል መንግስቲ እግዚኣብሄር ሰበኸ።

15 “እዋኑ በፂሑ እዩ፤ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ፥ ንስሃ እተዉ! ብወንጌልውን እመኑ!” ይብል ነበረ።

16 ብጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ስምኦንን ሓዉ እንድርያስን ኣስገርቲ ዓሳ ስለ ዝነበሩ፥ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኸውርዱ እንተለዉ ረአየ።

17 ኢየሱስ ድማ “ኣስገርቲ ሰብ ክገብረኩምስ ንዑ ተኸተሉኒ!” በሎም።

18 ንሳቶም ድማ መርበቦም ሓዲጎም ሽዑ ንሽዑ ተኸተልዎ።

19 ካብኡ ቑሩብ ሕልፍ ምስ በለ ድማ፥ ንያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ንሓዉ ዮሃንስን፥ ኣብ ጃልባኦም ኮይኖም መርበቦም ከተዓራርዩ እንተለዉ ረአዮም እሞ

20 ፀውዖም። ንሳቶም ከዓ ነቦኦም ዘብዴዎስ ምስ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ጃልባ ሓዲጎም ተኸተልዎ።


ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብ ከም ዘሕወየ
( ሉቃ. 4፡31-37 )

21 ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ከዱ፤ ኢየሱስ ድማ ብሰንበት ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዩ ኽምህር ጀመረ።

22 ከምቶም መምህራን ሕጊ ዘይኮነስ፥ ከም በዓል ስልጣን ይምህሮም ስለ ዝነበረ፥ ብትምህርቱ ተገረሙ።

23 እንሆ ኸዓ ኣብቲ ቤተ ፀሎቶም፥ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሓደ ሰብ ነበረ።

24 እናእወየ “ናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ንስኻ ምሳና እንታይ ኣለካ? ክተጥፍአናዶ መፂእኻ? ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስ ምዃንካ ፈሊጠካ ኣለኹ” በለ።

25 ኢየሱስ ድማ “ስቕ በል! ካብኡውን ውፃእ!” ኢሉ ገሰፆ።

26 እቲ ርኹስ መንፈስ ከዓ፥ ነቲ ሰብኣይ ፈርፈር ኣበሎ፤ ብዓብዪ ድምፂ እናእወየ ድማ ኻብኡ ወፀ።

27 ኵላቶም ከዓ “እንታይ ደኣ እዩ እዝ ሓድሽ ትምህርቲ እዙይ? ንርኹሳት መናፍስቲ ብስልጣን ይእዝዞም፤ ንሳቶምውን ይእዘዝዎ” እናበሉ ንስንሳቶም እናተጠያየቑ ተገረሙ።

28 ሽዑ ዝናኡ ናብ ኵሉ ኸባቢ ገሊላ ወፀ።


ኢየሱስ ንሓማት ጴጥሮስን ንኻልኦት ሕሙማትን ከም ዘሕወየ
( ማቴ. 8፡14-17 ፥ ሉቃ. 4፡38-41 )

29 ሽዑ ኢየሱስ ካብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ወፂኡ፥ ምስ ያእቆብን ዮሃንስን፥ ናብ እንዳ ስምኦንን እንድርያስን ኣተወ።

30 ሓማት ስምኦን ከዓ ረስኒ ሓሚማ ደቂሳ ነበረት እሞ፥ ሽዑ ብዛዕባኣ ነገርዎ።

31 ኢየሱስ ድማ ናብኣ ቐሪቡ፥ ብኢዳ ሒዙ ኣተስኣ እሞ፥ እቲ ረስና ሽዑ ንሽዑ ሓደጋ፤ ንሳ ድማ ተሲኣ ኣገልገለቶም።

32 ፀሓይ ዓሪቡ ምስ መሰየ፥ ንዅሎም ሕሙማትን ኣጋንንቲ ዝሓደርዎምን ናብኡ ኣምፅእዎም።

33 ኵላቶም ሰባት እታ ኸተማ ድማ፥ ኣብቲ በሪ ተኣከቡ።

34 ንሱ ድማ ብዝተፈላለየ ሕማም ንዝሳቐዩ ብዙሓት ሰባት ኣሕወየ፤ ብዙሓት ኣጋንንቲ እውን ኣውፅአ፤ እቶም ኣጋንንቲ ኸዓ፥ ንሱ መን ምዃኑ ይፈልጥዎ ስለ ዝነበሩ፥ ክዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።


ኢየሱስ ኣብ ገሊላ ኸም ዝመሃረ
( ሉቃ. 4፡42-44 )

35 ኢየሱስ ጎሕ እንተይቀደደ ገና ፀልማት እንተሎ ተሲኡ ወፀ፤ ናብ ፅምዊ ቦታ ኸይዱ ድማ ኣብኡ ፀለየ።

36 ስምኦንን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ድማ ኽደልይዎ ኸዱ።

37 ምስ ረኸብዎ ኸዓ፥ “ኵሉ ሰብ እኮ ይደልየካ እዩ ዘሎ” በልዎ።

38 ንሱ ድማ “ኣብኡ ምእንቲ ኽሰብኽ፥ ናብተን ኣብ ከባቢ ዘለዋ ኻልኦት ዓድታት ንኺድ፤ ብዛዕባ እዙይ እየ መፂአ ዘለኹሞ” በሎም።

39 ኣብ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድ እናሰበኸን ኣጋንንቲ እውን እናውፅአ፥ ኣብ ኵሉ ገሊላ ይዘዋወር ነበረ።


ኢየሱስ ለምፃም ሰብ ከም ዘንፅሀ
( ማቴ. 8፡1-4 ፥ ሉቃ. 5፡12-16 )

40 ሓደ ለምፃም ናብኡ መፂኡ፥ ተንበርኪኹ “ፍቓድካ እንተ ደኣ ኾይኑስ ክተንፅሀኒ ትኽእል ኢኻ” እናበለ ለመኖ።

41 ኢየሱስ ከዓ ራህርሀሉ፤ ኢዱ ዘርጊሑ ድማ ዳህሰሶ፤ “ፍቓደይ እዩ ንፃህ!” በሎ።

42 እዙይ ምስ በሎ ሽዑ ንሽዑ ኻብ ለምፁ ነፅሀ።

43-44 ኢየሱስ ድማ “ንሓደኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ! ግና ኼድካ ንባዕልኻ ንካህን ኣርኢ፤ ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኾኖም ድማ፥ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ” ኢሉ ብብርቱዕ ኣጠንቀቖ።

45 ንሱ ግና ወፂኡ ብዙሕ ኽነግር ጀመረ፤ ስለዙይ ኢየሱስ ብገሃድ፥ ናብ ከተማ ምእታው ኣይከኣለን፤ ኣብ ፅምዊ ቦታ ደኣ ነበረ እምበር፤ እቶም ህዝቢ ድማ ኻብ ኵሉ ቦታ ናብኡ ይመፁ ነበሩ።

Titsatireni:



Zotsatsa