Baibulo la pa intaneti

- Zotsatsa -

ዘሌዋውያን 1 - መፅሓፍ ቅዱስ


ዝቃፀል መስዋእቲ

1 እግዚኣብሄር ንሙሴ ፀውዖ፤ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኮይኑ ድማ ኸምዙይ በሎ፦

2 ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ሓደ ኻባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ካብ እንስሳኡ መስዋእቲ ኸቕርብ እንተሎ፥ ካብ ከፍቱ ወይ ካብ በጊዕ ወይ ካብ ጤል የቕርብ።

3 እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኻብ ከፍቲ እንተ ኾይኑ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ይኹን፤ ኣነ ምእንቲ ኽቕበሎ ኸዓ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን የቕርቦ።

4 ኣብ ርእሲ እቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ክኸውን ኢሉ ዘምፅኦ እንስሳ ኢዱ የንብር፤ ንሱ ሓጢኣቱ ኸስተስርየሉ ቕቡል መስዋእቲ ክኸውን እዩ።

5 ነቲ ዝራብዕ ድማ ኣብኡ ኣብ ቅድመይ ይሕረዶ፤ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ ደሙ ናባይ የቕርብዎ። ኣብቲ መሰውኢ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘሎ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ።

6 ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ቘርበቱ ገፊፉ በብብልዕቱ ይቝረፆ።

7 ደቂ እቲ ኻህን ኣሮን ከዓ ኣብ መሰውኢ፥ ሓዊ የንድዱ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ ድማ ዕንፀይቲ ይረብርቡ።

8 እቶም ካህናት፥ ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ በብብልዕቱ ዝተቘራረፀ ስጋ፥ ምስ ናይ ርእስን ስብሕን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ተረብሪቡ ኣብ ዘሎ ዕንፀይቲ ይስርዕዎ።

9 እቲ ሰብኣይ ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ብማይ ይሕፀቦ፤ እቲ ኻህን ድማ ነቲ ዅሉ ዝቃፀል መስዋእቲ ናይ ሓዊ ቝርባን ገይሩ ብእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ንክኸውን ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ የቃፅሎ።

10 እቲ መስዋእቲ ኻብ ጤለ በጊዕ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ካብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ንዝቃፀል መስዋእቲ የቕርብ።

11 ብወገን ሰሜን እቲ መሰውኢ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ድማ ነቲ ደሙ ኣብ ልዕሊ ዙርያ እቲ መሰውኢ ይንፀግዎ።

12 በብብልዕቱ ምስ ርእሱን ስብሑን ይቝረፆ፤ እቲ ኻህን ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ተረብሪቡ ኣብ ዘሎ ዕንፀይቲ ይስርዓዮ።

13 ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ግና ብማይ ይሕፀቦ፤ እቲ ኻህን ድማ ብምሉኡ የቕርቦ፤ ኣብ መሰውኢ ኸዓ የቃፅሎ። እዝ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና እዩ።

14 እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኻብ ኣዕዋፍ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ባሪቶ ወይ ርግቢ የቕርብ።

15 እቲ ኻህን ድማ ናብ መሰውኢ ኣቕሪቡ፥ ነቲ ርእሱ ጠውዩ ይቘልዕሞ፤ ኣብ መሰውኢ ኸዓ የቃፅሎ፤ እቲ ደሙ ኸዓ ኣብ ጎቦ መሰውኢ ይፅፈፍ።

16 ጭንጭራኡ ምስ ናይ ክንቲቱ ናብ ጐድኒ መሰውኢ ብወገን ምብራቕ ናብቲ ስፍራ ሓሙዅሽቲ ይደርብዮ።

17 በኽናፉ ይጭደዶ፤ ግና ኣይፈላልዮ፤ እቲ ኻህን ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ ዕንፀይቲ የቃፅሎ። እዝ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና እዩ።

Titsatireni:



Zotsatsa