Baibulo la pa intaneti

- Zotsatsa -

ትንቢት ሆሴዕ 1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 ብነገስታት ይሁዳ ብዖዝያንን፥ ብዘመን ኢዮኣታምን ብኣካዝን ብሕዝቅያስን፥ ከምኡውን ብዘመን ንጉስ እስራኤል ብወዲ ኢዮኣስ ኢዮርብዓምን፥ ናብ ወዲ ብኤሪ ሆሴዕ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ።


ሰበይቲ ሆሴዕን ደቁን

2 እግዚኣብሄር ብመጀመሪያ ብሆሴዕ ገይሩ ኽዛረብ ምስ ጀመረ፥ እግዚኣብሄር ንሆሴዕ “እታ ምድሪ ኻብ እግዚኣብሄር ርሒቓ ዓብዪ ምንዝርና ተመንዝር ኣላ እሞ፥ ንስኻ ኸዓ ኺድ፥ ኣመንዝራ ሰበይትን ደቂ ኣመንዝራን ንኣኻ ውሰድ” በሎ።

3 ሆሴዕ ከዓ ኸይዱ ንጎሜር ጓል ዴቤላይም ኣእተወ። ንሳ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደትሉ።

4 እግዚኣብሄር ድማ “ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ንደም ኢይዝራኤል፥ ኣብ ልዕሊ ቤት ኢዩ ኽብቀል እየ፤ ንመንግስቲ ቤት እስራኤል ድማ ኸጥፍኣ እየ እሞ፥ ስሙ ኢይዝራኤል ኢልካ ስመዮ።

5 በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንቐስቲ እስራኤል ኣብ ለሰ ኢይዝራኤል ክሰባብሮ እየ” በሎ።

6 ጎሜር ከዓ መሊሳ ጠነሰት፤ ጓልውን ወለደት። እግዚኣብሄር ከዓ “ደጊም ንቤት እስራኤል ኣይምሕሮምን እየ እሞ ‘ሎሩሃማ’ ኢልካ ስም ኣውፅአላ” በሎ።

7 ንቤት ይሁዳ ግና ኽምሕሮም እየ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ ዘድሕኖም እምበር፥ ብቐስትን ብሰይፍን ብውግእን በፍራስን ብፈረሰኛታትን ኣይኮነን በሎ።

8 ጎሜር ንሎሩሃማ ጡብ ምስ ኣሕደገታ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት።

9 እግዚኣብሄር ድማ ንሆሴዕ “ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኮንኩምን፤ ኣነውን ኣምላኽኩም ኣይኮነኩምን እሞ፥ ‘ሎዓሚ’ ኢልካ ስመዮ” በሎ።

10 ግና ቝፅሪ ደቂ እስራኤል፥ ከምቲ ኽስፈርን ክቝፀርን ዘይከኣል ሑፃ ባሕሪ ክኸውን እዩ፤ ከምዙይውን ክኸውን እዩ፦ “ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኮንኩምን” ኣብ ዝተብሃሉሉ ቦታ “ውሉድ ህያው እግዚኣብሄር” ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም።

11 ደቂ ይሁዳን ደቂ እስራኤልን፥ ብሓድነት ክእከቡ እዮም፤ ንኣኣቶም ከዓ ሓደ ሓለቓ ኽመርፁ እዮም፤ ካብታ ምድሪ እውን ክወፁ እዮም። መዓልቲ ኢይዝራኤልውን ዓባይ መዓልቲ ኽትከውን እያ።

Titsatireni:



Zotsatsa