ዘፍጥረት 1 - መፅሓፍ ቅዱስመጀመርታ ፍጥረት 1 እግዚኣብሄር ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። 2 ምድሪ እውን ጥራሓ ነበረት፤ ዝኾነ ነገርውን ኣይነበራን። ፀልማት ከዓ ኣብ ልዕሊ መዓሙቝ ነበረ። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ። 3 ሽዑ እግዚኣብሄር “ብርሃን ይኹን” በለ፤ ብርሃን ድማ ኾነ። 4 እግዚኣብሄር ድማ እቲ ብርሃን ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። እግዚኣብሄር ከዓ ንብርሃንን ንፀልማትን ፈለዮም። 5 እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ብርሃን “መዓልቲ” ኢሉ ሰመዮ፤ ነቲ ፀልማት ከዓ “ለይቲ” ኢሉ ሰመዮ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ቀዳመይቲ መዓልቲ። 6 እግዚኣብሄር “ንማያት ካብ ማያት ዝፈሊ ጠፈር፥ ኣብ መንጎ ማያት ይኹን” በለ፤ ከምኡውን ኮነ። 7 እግዚኣብሄር ከዓ ጠፈር ገበረ። ነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዘሎ ማያት ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮ፤ ከምኡውን ኮነ። 8 እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ጠፈር “ሰማይ” ኢሉ ሰመዮ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ካልአይቲ መዓልቲ። 9 እግዚኣብሄር ድማ “እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓደ ቦታ ይተኣከብ፤ እቲ ንቑፅ መሬት ከዓ ይረአ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ። 10 እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ንቑፅ መሬት “ምድሪ” ኢሉ ሰመዮ፤ ነቲ እኩብ ማያት ድማ “ባሕሪ” ኢሉ ሰመዮ። እግዚኣብሄር ከዓ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። 11 እግዚኣብሄር ድማ “እታ ምድሪ በቝሊ፥ ከከም ዓይነቱ ዝፈሪ ዘርኢ ዘለዎ ሳዕርን ኣብ ውሽጡ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ዝፈሪ ኣእዋምን ተውፅእ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ። 12 እታ ምድሪ ኸዓ በቝሊ፥ ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዝህብ ሳዕርን፥ ኣብ ውሽጡ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ዝህብ ከከም ዓይነቱ ዝፈሪ ኣእዋምን ኣውፅአት። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። 13 ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ሳልሰይቲ መዓልቲ። 14 እግዚኣብሄር ድማ “ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዝፈልዩ ብርሃናት፥ ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹኑ፤ ንምልክት ንዘመናትን ንመዓልቲታትን ንዓመታትን ከዓ መፍለዪ ይኹኑ። 15 ኣብ ምድሪ ንምብራህ፥ ኣብ ጠፈር ሰማይ ብርሃናት ይኹኑ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ። 16 እግዚኣብሄር ከዓ ኽልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ፤ እቲ ዓብዪ ብርሃን ብመዓልቲ፥ እቲ ንእሽተይ ብርሃን ድማ ብለይቲ ኽስልጥኑ፥ ከምኡውን ከዋኽብቲ ገበረ። 17-18 ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኸብርሁ፥ ኣብ መዓልትን ኣብ ለይትን ድማ ኽስልጥኑ፥ ንብርሃንውን ካብ ፀልማት ክፈልዩ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ጠፈር ሰማይ ገበሮም። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። 19 ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ራብዐይቲ መዓልቲ። 20 እግዚኣብሄር ድማ “ማያት፥ ህይወት ዘለዎም እንስሳ ተውፅእ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ፥ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ከዓ ኣዕዋፍ ይብረሩ” በለ። 21 እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ዓበይቲ እንስሳታት ባሕርን፥ ነቶም ማያት ዘውፅኦም በብዓይነቱ ህይወት ዘለዎም ዝንቀሳቐሱ ዅሎምን፥ ክንፊ ዘለዎም በብዓይነቶም ኵሎም ኣዕዋፍን ፈጠረ። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። 22 እግዚኣብሄር ድማ “ብዝሑን ተባዝሑን፤ ንማያት ባሕሪ እውን ምልእዎ፤ ንኣዕዋፍ ከዓ ኣብ ምድሪ ብዝሑ” ኢሉ ባረኾም። 23 ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ሓምሸይቲ መዓልቲ። 24 እግዚኣብሄር ድማ “ምድሪ፥ ህይወት ዘለዎ በብዓይነቱ ፍጥረት፥ እንስሳን፥ በብወገኑ ዝንቀሳቐስን፥ ኣራዊትን ተውፅእ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ። 25 እግዚኣብሄር ከዓ ኣራዊት ምድሪ በብወገኑ፥ እንስሳ በብወገኑ፥ ኵሉ ዝንቀሳቐስውን በብወገኑ ገበረ። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። 26 እግዚኣብሄር ከዓ “ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንፍጠር። ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን፥ ንዅላ ምድርን ንዅሉ ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስን ይግዝኡ” በለ። 27 እግዚኣብሄር ድማ ብመልክዑ ንሰብ ፈጠረ፤ ብመልክዕ እግዚኣብሄር ፈጠሮ፤ ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ድማ ፈጠሮም። 28 እግዚኣብሄር ከዓ “ብዝሑን ተባዝሑን፥ ንምድሪ ምልእዋን ምለኽዋን፥ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ንዝንቀሳቐስ ኵሉ እንስሳን ግዝኡ” ኢሉ ባረኾም። 29 እግዚኣብሄር ድማ “እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘሎ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ሓመልማልን፥ ኣብ ውሽጡ ዝዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ናይ ዅሉ ኣእዋም ፍረን ሂበኩም ኣለኹ እሞ፥ ምግቢ ይኹንኩም። 30 ንዅሉ ህይወት ዘለዎ፥ ንዅሉ ኣራዊት ምድርን፥ ንዅሎም ኣዕዋፍ ሰማይን፥ ንዅሉ ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስን ኵሉ ኣብ ምድሪ ዝበቍል ሓመልማል፥ ምግቢ ይኹነሎም” በለ፤ ከምኡውን ኮነ። 31 እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ዅሉ ዝፈጠሮ ረአየ፤ እንሆ ድማ የመና ፅቡቕ ነበረ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ሻድሸይቲ መዓልቲ። |