ሕዝቅኤል 1 - መፅሓፍ ቅዱስሕዝቅኤል ንመጀመርታ ጊዜ ራእይ እግዚኣብሄር ከም ዝተርአዮ ( 1፡1—7፡27 ) ዙፋን እግዚኣብሄር 1 ኮነ ድማ፥ ኣብ መበል ሰላሳ ዓመት፥ ኣብታ ራብዐይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ፥ ኣብ ሩባ ኮቦር ኣብ ማእኸል እቶም ምሩኻት እንተለኹ፥ ሰማያት ተኸፈቱ፤ ራእይ እግዚኣብሄርውን ረአኹ። 2 ኣብ ሓምሻይ መዓልቲ ናይቲ ወርሒ፥ ካብቲ ንጉስ ኢኮንያን ዝተማረኸሉ ኣብ ሓምሻይ ዓመቱ፥ 3 ቃል እግዚኣብሄር ናብቲ ኻህን ሕዝቅኤል ወዲ ቡዝ፥ ኣብ ሃገር ከለዳውያን፥ ኣብ ሩባ ኮቦር መፀ፤ ኣብኡ ኸዓ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ነበረት። 4 እንሆ ኸዓ፥ ካብ ሰሜን ህቦብላ ንፋስ፥ ብርቱዕ ደመና ምስ ናይ ሃልሃልታ ሓዊ፥ ኣብ ዙርያኡ ኸዓ ፀዳል ብርሃን ክመፅእ እንተሎ ረአኹ፤ ከም ብልጭልጭ ዝብል ወርቂ ድማ ኻብ ማእኸሉ፥ ካብ ማእኸል እቲ ሓዊ ወፀ። 5 ካብቲ ማእኸሉ ኸዓ ምስሊ ኣርባዕተ እንስሳ ወፀ፤ ትርኢቶም ድማ እዙይ እዩ፤ ሰብ ይመስሉ ነበሩ። 6 ንነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ኽንፊ ነበሮም፤ ንነፍሲ ወከፎምውን፥ ኣርባዕተ ገፅ ነበሮም። 7 ኣእጋሮም ቀጥ ዝበለ ኣእጋር ነበረ፤ ከብዲ እግሮም ከዓ፥ ከም እግሪ ሸዀና ምራኽ ነበረ፤ ከም ርሱን ነሃስ ድማ ብልጭልጭ ይብል ነበረ። 8 በርባዕተ ወገኖም ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ኢድ ሰብ ነበሮም፤ ነርባዕቲኦም ከምዙይ ዝበለ ገፅን ክንፍን ነበሮም። 9 ኣኽናፎም ንስንሳተን ዝተተሓሓዛ ነበራ፤ ክኸዱ እንተለዉ የማነ ፀጋም ግልፅ ኣይብሉን፤ ነፍሲ ወከፍ ኣቕኒዑ ንቕድሚኡ ይኸይድ ነበረ። 10 ምስሊ ገፆም ገፅ ሰብ ይመስል፤ ኣርባዕቲኦም ከዓ በቲ የማናይ ወገኖም ገፅ ኣንበሳ፥ ኣርባዕቲኦም ድማ በቲ ፀጋማይ ወገኖም ገፅ ብዕራይ፥ ኣርባዕቲኦምውን ገፅ ንስሪ ነበሮም። 11 ኣኽናፎምውን ብላዕሊ ተዘርጊሑ ነበረ፤ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ኽንፊ፥ እታ ሓንቲ ምስቲ ናይቲ ሓደ እትላገብ፥ እተን ክልተ ድማ ኣካሎም ዝኸድና እየን። 12 ነፍሲ ወከፎም ኣቕኒዑ ንቕድሚኡ ይኸይድ፤ እቲ መንፈስ ናብ ዝኸዶ ይኸዱ፤ ክኸዱ እንተለዉ ድማ የማነ ፀጋም ግልፅ ኣይብሉን ነበሩ። 13 ትርኢት እቶም እንስሳ ኸም ጕሁር ሓዊን ከም ዝነድድ ሽግን ነበረ፤ እቲ ሓዊ ኸዓ ኣብ ማእኸል እቶም እንስሳ ይዘውርን የንፀባርቕን ነበረ፤ ካብቲ ሓዊውን በርቂ ይወፅእ ነበረ። 14 እቶም እንስሳ ኸዓ ኸም በርቂ ይጐዩን ይምለሱን ነበሩ። 15 ነቶም እንስሳ ኽጥምት እንተለኹ፥ እንሆ፥ ሓደ መንኰራዅር ኣብ ምድሪ፥ ኣብ ጥቓ እቶም እንስሳ ንነፍሲ ወከፍ በርባዕተ ገፆም ረአኹዎም። 16 ትርኢት እቲ መንኰራዅርን ኣሰራርሓኡን ከም ሕብሪ ብርለ ነበረ፤ ኣርባዕቲኡውን ይመሳሰል ነበረ። ትርኢቱን ኣሰራርሓኡን ድማ እቲ ሓደ መንኰራዅር ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰራዅር ከም ዘሎ ይመስል ነበረ። 17 ክኸዱ እንተለዉ፥ በርባዕተ ወገኖም ይኸዱ፤ እንትኸዱ ድማ ኣይምለሱን ነበሩ። 18 ቁመቶምውን ነዊሕን መፍርሕን ነበረ፤ ኣርባዕቲኦም ድማ ኣብቲ ዙርያ ኹለንተናኦም ኣዒንቲ መሊእዎም ነበረ። 19 እቶም እንስሳ ክኸዱ እንተለዉ፥ እቲ መንኰራዅር ብጥቓኣቶም ይኸይድ ነበረ። እቶም እንስሳ ኻብ ምድሪ ልዕል ልዕል ክብሉ እንተለዉ፥ እቲ መንኰራዅር ከዓ ብጥቃኣቶም ልዕል ልዕል ይብል ነበረ። 20 ናብቲ እቲ መንፈስ ዝኸዶ ንሳቶምውን ይኸዱ ነበሩ፤ መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብቲ መንኰራዅር ነበረ እሞ፥ እቲ መንኰራዅር ብጥቓኣቶም ልዕል ልዕል ይብል ነበረ። 21 መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብቲ መንኰራዅር ስለ ዝነበረ፥ ንሳቶም ክኸዱ እንተለዉ፥ ይኸይድ፤ ንሳቶም ደው ክብሉ እንተለዉ፥ እቲ መንኰራዅር ከዓ ብጥቓኣቶም ልዕል ልዕል ይብል ነበረ። 22 ኣብ ልዕሊ ኣራእስ እቶም እንስሳ ኸዓ ኸም ግሩም ዝኾነ ክሪስታል፥ ጠፈር ሰማይ ዝመስል፥ ኣብ ላዕሊ፥ ኣብ ልዕሊ ኣራእሶም ተዘርጊሑ ነበረ። 23 ኣብ ትሕቲ እቲ ጠፈር ድማ ነፍሲ ወከፍ እንስሳ ኽልተ ኣኽናፉ፥ ናብቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ እንስሳ ኣቢሉ ዘርጊሑ ደው ኢሉ ነበረ። ነፍሲ ወከፎም ድማ፥ ኣካሎም ዝኸድኑሉ ኸክልተ ኽንፊ ነበሮም። 24 ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ ድምፂ ኣኽናፎም ከም ህማም ብዙሕ ማያት፥ ከም ድምፂ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ፥ ከም ድምፂ ሰራዊት ሰማዕኹ፤ ደው ክብሉ እንተለዉ፥ ኣኽናፎም ይዕዅልሉ ነበሩ። 25 ካብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ድማ ድምፂ ተሰምዐ፤ ደው ክብሉ እንተለዉውን ኣኽናፎም ትሕት የብሉ። 26 ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ከዓ እምኒ ሰንፔር ዝመስል ምስሊ ዙፋን ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ዙፋን ዝመስል ድማ ምስሊ ሰብ ዝመስል ነበረ። 27 ካብቲ ሕቘኡ ዝመስል ንላዕሊ፥ ርሱን ወርቂ ዝሕብሩ፥ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ኣብ ውሽጥን ኣብ ዙርያኡን ረአኹ፤ ካብቲ ሕቘኡ ዝመስል ንታሕቲ ኸዓ ኸም ሓዊ ዝትርኢቱ ረአኹ፤ ኣብ ዙርያኡውን ፃዕዳ ነበረ። 28 ከምቲ ብመዓልቲ ዝናም፥ ኣብ ደመና ዝኸውን ትርኢት ቀስተ ደመና፥ ከምኡ ትርኢት ፀዳል እቲ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ነበረ፤ ትርኢት ክብሪ እቲ ምስሊ እግዚኣብሄር ከምኡ ነበረ፤ ምስ ረአኽዎ ኸዓ ብገፀይ ወደቕኩ፤ ሓደ ዝዛረብውን ሰማዕኹ። |