ዘፀኣት 1 - መፅሓፍ ቅዱስደቂ እስራኤል ኣብ ግብፂ ኸም ዝተገፍዑ 1 ስም ነፍሲ ወከፍ እቶም መምስ ቤተ ሰቦም፥ ምስ ኣቦኣቶም ያእቆብ ናብ ግብፂ ዝኣተዉ ደቂ እስራኤል እዙይ እዩ፦ 2 ሮቤል፥ ስምኦን፥ ሌዊ፥ ይሁዳ፥ 3 ይሳኮር፥ ዛብሎን፥ ብንያም፥ 4 ዳን፥ ንፍታሌም፥ ጋድ፥ ኣሴር። 5 ካብ ኣብራኽ ያእቆብ ዝተወለዱ ዅላቶም ሰብዓ ነፍሲ ነበሩ። ዮሴፍ ግና ኣቐዲሙ ኣብ ግብፂ ነበረ። 6 ዮሴፍን ኵሎም ኣሕዋቱን እቶም በቲ ዘመን እቱይ ዝተወለዱ ዅሎምን ከዓ ሞቱ። 7 እቶም ካብኣቶም ዝተወለዱ እስራኤላውያን ግና ተፋረዩ፤ ሰሰኑ፤ በዝሑ፤ የመናውን በርትዑ፤ እታ ምድሪ ግብፂውን ብኣኣቶም መልአት። 8 ኣብ ግብፂ ኸዓ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ሓድሽ ንጉስ ተልዓለ። 9 ንሱ ድማ ንህዝቡ፥ “እንሆ ህዝቢ ደቂ እስራኤል ካባና በዝሑን በርትዑን። 10 እምበኣርከስ ውግእ ምስ ዘልዕለልና ፀላኢ፥ ንሳቶም ድማ ሓቢሮም ከይወግኡና ኻብ እዛ ምድሪ እውን ከይወፁ፥ ንዑ የመና እንተይበዝሑ ንጣበበሎም” በሎም። 11 ብብርቱዕ ስራሕ ምእንቲ ኸጭንቑሎም ኣዘዝቲ ሸመሎም። ንፈርዖን ከዓ ፊቶምን ራምሴን ዝተብሃላ ፅኑዓት ኸተማታት ሰርሑ። 12 ግና ብመጠን እቲ ዘጨነቑሎም ክንድኡ በዝሑ፤ የመናውን በርትዑ፤ ግብፃውያን ድማ ንእስራኤላውያን ይፅየፉዎም ነበሩ። 13 ግብፃውያንውን ንደቂ እስራኤል ብጭከና ኣስርሕዎም። 14 ብርቱዕ ስራሕ፥ ጭቃ ብምፅባርን ጡብ ብምስራሕን ብዅሉ ስራሕ ማሕረስን፥ ህይወት ከም ዝመሮም ገበሩ። ኣብ ኵሉ ዝሰርሕዎ ስራሕ ድማ ይጭክኑሎም ነበሩ። 15 ንጉስ ግብፂ ድማ ነተን ንዕብራውያት ዘዋልዳ ሲፖራን ፉሓን ዝበሃላ ኸምዙይ በለን፦ 16 “ነተን ዕብራውያት ኣንስቲ ኽተዋልደአን እንተለኽን፥ ወዲ እንተ ኾይኑ ቕተላኦ፤ ጓል እንተ ኾይና ግና ብህይወት ክትነብር ሕደጋኣ” በለን። 17 እተን መዋለድቲ ግና ንእግዚኣብሄር ስለ ዝፈርሓ፥ ነቶም ዝተወለዱ ብህይወት ሓደጋኦም እምበር፥ ከምቲ ንጉስ ግብፂ ዝበለን ኣይገበራን። 18 እቲ ንጉስ ድማ ነተን መዋለድቲ ፀዊዑ፦ “ስለ ምንታይ ከምዙይ ገበርክን? ስለ ምንታይከ ነቶም ዝተወለዱ ኣወዳት ብህይወት ክነብሩ ሓደግክናኦም?” በለን። 19 እተን መዋለድቲ ኸዓ ንፈርዖን “እተን ዕብራውያት ከም ኣንስቲ ግብፃውያት ኣይኮናን። ንሳተን ሓያላት እየን። እተን መዋለድቲ እንተይመፃአን ወሊደን እየን ዝፀንሓ” በላኦ። 20 እግዚኣብሄር ድማ ነተን መዋለድቲ ሰናይ ገበረለን። እቲ ህዝቢ እውን በዝሐ፤ የመናውን በርትዐ። 21 እተን መዋለድቲ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝፈርሓ፥ እግዚኣብሄር ድማ ኣባይቲ ገበረለን። 22 ፈርዖን ድማ “ኵሉ ኻብ ዕብራውያን ዝተወለደ ወዲ ናብ ሩባ ደርቢይዎ፤ ኣጓላት ዝኾና ግና ብህይወት ክነብራ ሕደግወን” ኢሉ ንዅሉ ህዝቡ ኣዘዘ። |