Baibulo la pa intaneti

- Zotsatsa -

ትንቢት ኣሞፅ 1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 እዝ ቓል እዙይ፥ ኣሞፅ፥ ሓደ ኻብቶም ጓሶት ቴቁሔ ዝነበረ፥ ብዘመን ኣዛርያስ ንጉስ ይሁዳን፥ ብዘመን ኢዮርብዓም ወዲ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤልን፥ ክልተ ዓመት ቅድሚ ምንቅጥቃጥ ምድርን፥ ብዛዕባ እስራኤል ዝረኣዮ ቓል እዙይ እዩ።

2 ንሱውን ከምዙይ በለ፦ “እግዚኣብሄር ኣብ ፅዮን ኮይኑ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ የስምዕ፤ ካብ ኢየሩሳሌምውን ቃሉ ይህብ፤ እቶም መዋፈሪ ጓሶት ይበኽዩ፤ ርእሲ ቀርሜሎስ ድማ ይነቅፅ።”


ፍርዲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ጐረባብቲ እስራኤል ሶርያ

3 እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ንገለዓድ ብሓፂን መንኰርኰር ኣኺዱ እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ደማስቆ፥ መቕሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።

4 ኣነ ናብ ቤት ኣዛሄል ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ወልደ ኣዴር ከዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ።

5 ንመሸጎሪ ደማስቆ ኽሰብሮ እየ፤ ነቶም ነበርታውን ካብ ለሰ ኣዌን ከጥፍኦም እየ፤ ነቲ በትሪ ዝሓዘ ድማ፥ ካብ ቤት ኤደን ከጥፍኦ እየ፤ ህዝቢ ሶርያውን ተማሪኾም ናብ ቂር ክኸዱ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።


ፍልስጥኤም

6 እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ንኤዶምያስ ኣሕሊፎም ክህብዎም፥ ንዅሎም ምሩኻት ማሪኾም እዮምሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ጋዛ፥ መቕሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።”

7 ስለዙይ ኣነ ናብ ቅፅሪ ጋዛ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻታ ኸዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ።

8 “ንነበርታ ኻብ ኣዛጦን ከጥፍእ እየ፤ በትሪ ንዝሓዘውን ካብ ኣስቀሎና ኸጥፍእ፥ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ኣስቀሎና ክመልስ እየ፤ ካብ ፍልስጥኤማውያን ዝተረፉውን ክጠፍኡ እዮም” ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።


ጢሮስ

9 እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ንዅሎም ምሩኻት ንኤዶምያስ ኣሕሊፎም ሂቦም እዮምሞ፥ ንናይ ኣሕዋት ቃል ኪዳንውን ኣይሓሰቡንሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ጢሮስ፥ መቕሰፍተይ ካብ ምውራድ ኣይምለስን።

10 ኣብ ልዕሊ ቅፅርታት ጢሮስ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻታ ኸዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ።


ኤዶምያስ

11 እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ንሓዉ ብሰይፊ ኣሳጒጕዎ እዩሞ፥ ኵሉ ርህራሀውን ሓዲጉ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ኵልሻዕ ቀዲዱ እዩሞ፥ መዓቱውን ንዘለኣለም ሓሊዩ እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ኤዶምያስ፥ መቅሰፍተይ ካብ ምውራድ ኣይምለስን።

12 ኣብ ልዕሊ ቴማን ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ባሶራን ድማ ህሙኽ ከብሎ እዩ።”


ኣሞን

13 እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ወሰኖም ከስፍሑ ንጥኑሳት ገለዓድ ቀዲዶም እዮምሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ደቂ ኣሞን፥ መቅሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።

14 ኣብ ልዕሊ ቕፅሪ ራባት ሓዊ ኸንድድ እየ፤ ብመዓልቲ ውግእ ብኣውያት፥ ብመዓልቲ ኣውሎ ንፋስውን ብሁከት ንኣዳራሻታ ህሙኽ ከብሎ እዩ።

15 ንጉሶም ምስ መሳፍንቱ ኽማረኽ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።

Titsatireni:



Zotsatsa