Baibulo la pa intaneti

- Zotsatsa -

2ይ ነገስት 1 - መፅሓፍ ቅዱስ


ኤልያስን ንጉስ ኣካዝያስን

1 ድሕሪ ሞት ኣክኣብ፥ ሃገር ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዓመፀት።

2 ኣካዝ ከዓ ኻብታ ኣብ ሰማርያ ዘላ ደብሪ ቤቱ ብዓይኒ ርግቢ ፀደፈ እሞ ሓመመ። ሽዑ ልኡኻት ሰዲዱ “ኪዱ እሞ ዝሓዊ እንተ ኾይነ፥ ንብዔልዜቡል ኣምላኽ ኣስቀሎና ጠይቑለይ” በሎም።

3-4 ግና መልኣኽ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ቴስቢያዊ “ተስእ እሞ ነቶም ልኡኻት ንጉስ ሰማርያ ኽትራኸቦም ደይብ፤ ‘እቲ ንብዔልዜቡል ኣምላኽ ኣስቀሎና ክትጥይቑ ትኸዱ ዘለኹምስ፥ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የለን እዩ? ስለዙይ ከዓ ብርግፅ ትመውት እምበር፥ ካብቲ ደይብካዮ ዘለኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር’ በሎም” ኢሉ ነገሮ። ኤልያስ ከዓ ኸደ።

5 እቶም ልኡኻት ድማ ናብ ኣካዝ ተመለሱ። ንሱ ኸዓ “ንምንታይ ደኣ ተመሊስኩም?” በሎም።

6 ንሳቶም ድማ “ሓደ ሰብኣይ ክራኸበና መፀ፤ ናብቲ ዝለኣኸኩም ንጉስ ተመሊስኩም ‘እቲ ንብዔልዜቡል ኣምላኽ ኣስቀሎና ክትጥይቕ ዝለኣኽካስ፥ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የለን እዩ? ስለዙይ ብርግፅ ክትመውት ኢኻ እምበር፥ ካብቲ ደቂስካሉ ዘለኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፤ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር’ ኢልኩም ንገርዎ በለና” በልዎ።

7 ንሱ ኸዓ “እቲ ኽራኸበኩም ዝወፀ፥ ነዝ ቃል እዙይውን ዝተዛረበኩም ሰብኣይከ ኸመይ ዝበለ እዩ?” በሎም።

8 ንሳቶም ድማ “እቲ ሰብኣይ ጨጓር፥ ኣብ ሕቘኡ ኸዓ ፈልቍ ዝተዓጥቀ እዩ” በልዎ። እቲ ንጉስ ድማ “ንሱ ኤልያስ ቴስብያዊ እዩ” በለ።

9 እቲ ንጉስ ከዓ ሓደ ሓለቓ ሓምሳ ምስቶም ሓምሳ ሰባት ሰደደሉ። ንሱ ድማ ናብኡ ደየበ። እንሆ ኸዓ ኤልያስ ኣብቲ ርእሲ እቲ ዀረብታ ኮፍ ኢሉ ነበረ እሞ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ንጉስ ‘ውረድ’ ይብለካ ኣሎ” በሎ።

10 ኤልያስ ድማ ነቲ ሓለቓ ሓምሳ “ኣነ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እንተ ኾይነስ፥ ሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድ፤ ንኣኻን ነዞም ሓምሳ ሰባትን ከዓ የቃፅልኩም” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳ ሰባቱን ኣቃፀሎም።

11 እቲ ንጉስ ከዓ መሊሱ ኻልእ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳ ሰባቱ ገይሩ ሰደደሉ። እዙይ ከዓ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ንጉስ ቀልጢፍካ ውረድ ይብለካ ኣሎ” በሎ።

12 ኤልያስ ድማ “ኣነ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እንተ ኾይነስ፥ ሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድ፤ ንኣኻን ነዞም ሓምሳኻን ከዓ የቃፅልኩም” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ናይ ኣምላኽ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳኡን ኣቃፀሎም።

13 እቲ ንጉስ ድማ መሊሱ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳኡ ሰደደ። እቲ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ኸዓ ናብ ኤልያስ ከደ፤ መፂኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ኤልያስ ተምበርኪኹ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ነፍሰይን ነፍሲ እዞም ሓምሳ ኣገልገልትኻን ኣብ ቅድሜኻ ዝኸበረት ትኹን።

14 እንሆ፥ ነቶም ቀዳሞት ክልተ ኣሕሉቕ ሓምሳ መምስ ሓምሳኦም ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኣቃፀሎም። ሕዚ ግና ነፍሰይ ኣብ ቅድሜኻ ዝኸበረት ትኹን” ኢሉ ለመኖ።

15 እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንኤልያስ “ምስኡ ውረድ፤ ኣይትፍርሓዮውን” ኢሉ ተዛረቦ። ኤልያስ ከዓ ተሲኡ ምስኡ ናብቲ ንጉስ ወረደ።

16 ነቲ ንጉስ ድማ “እቲ ንብዔልዜቡል ኣምላኽ ኣስቀሎና ክትጥይቕ ልኡኻት ዝሰደድካስ፥ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የለን እዩ? ስለዙይ ብርግፅ ክትመውት ኢኻ እምበር፥ ካብዝ ደቂስካሉ ዘለኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፤ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር” በሎ።

17 ከምቲ እግዚኣብሄር ብኤልያስ ገይሩ ዝተዛረቦ ቓል ድማ እቲ ንጉስ ሞተ። ወዲ ስለ ዘይነበሮ ኸዓ ኽንድኡ ሓዉ ኢዮራም ነገሰ። እዙይ ከዓ ኢዮራም ወዲ ኢዮሳፍጥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ኾነ።

18 እቲ ዝተረፈ ኣካዝ ዝገበሮ ዅሉ፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?

Titsatireni:



Zotsatsa