Baibulo la pa intaneti

- Zotsatsa -

1 ሳሙኤል 1 - መፅሓፍ ቅዱስ


ሳሙኤል ከም ዝተወለደ

1 ኣብ ኣርማቴም መሴፋ፥ ኣብ እምባታት ኤፍሬም፥ ሕልቃና ዝስሙ ኤፍሬማዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ወዲ የኢያሬምኤል፥ ወዲ ኢሊዮ፥ ወዲ ቶሑ፥ ወዲ ናሲብ ነበረ።

2 ንሱ ኽልተ ኣንስቲ ነበራኦ። ስም እታ ሓንቲ ሃና፥ ስም እታ ኻልአይቲ ኸዓ ፍናና ነበረ። ንፍናና ውሉድ ነበርዋ፤ ንሃና ግና ውሉድ ኣይነበርዋን።

3 ሕልቃና ኸዓ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክሰግድን መስዋእቲ ኸቕርብን በብዓመት ካብ ከተማኡ ናብ ሴሎ ይድይብ ነበረ። ካህናት እግዚኣብሄር ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፥ ኣፍኒንን ፊንሃስን፥ ኣብኡ ነበሩ።

4 እታ ሕልቃና መስዋእቲ ዘቕርበላ መዓልቲ ኽትበፅሕ እንተላ፥ ንፍናና ሰበይቱን ንዅሎም ኣወዳትን ኣጓላትን ደቃ፥ ካብቲ መስዋእቲ ገግደኦም ሃቦም።

5 ንሃና ግና፥ እግዚኣብሄር ማህፀና ዓፅዩ እኳ እንተ ነበረ፥ ስለ ዝፈትዋ ዕፅፊ ገይሩ ግደኣ ሃባ።

6 እግዚኣብሄር ማህፀና ዓፅዩ ነበረሞ፥ እታ ብፀይታ ፍናና ምእንቲ ኽተዀርያ መመሊሳ ትሕጭጨላ ነበረት።

7 ንሱ በብዓመቱ እዙይ ብዝገበረ ቝፅሪ፥ ንሳውን በብዓመቱ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ብዝደየበትሉ ቝፅሪ፥ ተበሳጭዋ ነበረት፤ ሃናውን ትበኪ ነበረት፤ ዝኾነውን ኣይትጥዕምን ነበረት።

8 ሰብኣያ ሕልቃናውን “ሃና፥ እንታይ ኴንኪ ኢኺ እትበኽዪ? እንታይከ ዄንኪ ዘይትበልዒ? እንታይ ኴንኪኸ ትጕህዪ ኣለኺ? ንምንታይ ልብኺ ይሓዝን? ካብ ዓሰርተ ውላድ፥ ኣነዶ ኣይሕሸክን?” በላ።

9 ኣብ ሴሎ በሊዖምን ሰትዮምን ምስ ወድኡ ሃና ተስአት። ካህን ኤሊ ኸዓ ኣብ ኣፍ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ነበረ።

10 ሃና ኸዓ ብልባ ኣምሪራ እናበኸየት ንእግዚኣብሄር ትልምን ነበረት፤

11 “ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር! ውርደት ባርያኻ ኣፀቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ፥ ንኣይ ንባርያኻ እውን እንተይረሳዕኻ ወዲ እንተ ደኣ ሂብካኒ፥ ኣነ ድማ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ንኣኻ ንእግዚኣብሄር ከገልግል ክውፍዮ እየ፤ ርእሱ ኸዓ ኸቶ ኣይላፀን እዩ” እናበለት ተመባፅዐት።

12 ሃና፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንዊሓ ኽትፅሊ እንተላ፥ ኤሊ ኣፋ ይጥምት ነበረ።

13 ሃና፥ ብልባ እንትትፅሊ ኸናፍራ ጥራሕ ይንቀሳቐስ ነበረ እምበር፥ ድምፃ ኣይተሰምዐን፤ ስለዙይ ኤሊውን ሰኺራ ግዲ እያ ኢሉ ሓሰበ።

14 መሊሱውን “እዝ ስኽራንኪ ኽሳዕ መኣዝ ኢዩ? ደጊምስ ንወይንኺ እባ ኻባኺ ኣርሕቒዮ” በላ።

15 ንሳ ግና “ጐይታይ፥ ኣይፋለይን፤ ኣነስ መንፈሰይ ጓሂ ዝመልኣ ሰበይቲ እየ እምበር፥ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ኣይሰተኹን፤ ብፀሎት ደኣ ጭንቀይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣፍስስ ኣለኹ።

16 እቲ ኽሳዕ ሕዚ ዘዛረበንስ፥ ብዝሒ ጓህን ሓዘንን እዩ እሞ፥ ንኣይ ንኣገልጋሊትካ ኸም ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ኣይትቝፀረኒ” ኢላ መለሰትሉ።

17 ሽዑ ኤሊ “ብሰላም ኪዲ፤ ኣምላኽ እስራኤል፥ ኵሉ ዝለመንክዮ ልመና ይሃብኪ” በላ።

18 ንሳ ኸዓ “ኣነ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እርከብ” በለቶ። መንገዳ ኸደት፤ በልዐትውን፤ ድሕሪዙይ ጓሂ ዝብልዎ ኣብ ገፃ ኣይተርኣየን።

19 ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ተሲኦም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰገዱ፤ ተመሊሶም ከዓ ናብ ቤቶም ናብ ኣርማቴም ኣተዉ። ሕልቃና ድማ ንሰበይቱ ፈለጣ፤ እግዚኣብሄርውን ዘከራ።

20 ኣዋርሕ ጥንሳ ምስ ተፈፅመ ሃና ወዲ ወለደት። “ካብ እግዚኣብሄር ለሚነ ዝረኸብክዎ እዩ” እንትትብል ሳሙኤል በለቶ።


ሃና ንሳሙኤል ከም ዝወፈየቶ

21 ሕልቃና ድማ ናይ ዓመት መስዋእቲ ሕሩድን መብፅዓኡን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኸቕርብ ምስ ስድራ ቤቱ ናብ ሴሎ ደየበ።

22 ሃና ግና ኣይደየበትን፤ ንሰብኣያ ሕልቃና ድማ “ኣነስ፥ እዝ ህፃን ጡብ ክሳዕ ዝሓድግ፥ ናብ ሴሎ ኣይድይብን እየ፤ ጡብ ምስ ሓደገ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክረአ፥ ከብፅሖ እየ፤ ንሓዋሩ ኸዓ ኣብኡ ኽነብር እዩ” በለቶ።

23 ሕልቃና ድማ “ፅቡቕ መሲሉ ዝተርኣየኪ ግበሪ፤ ጡብ ክሳዕ እተሕድግዮ ፅንሒ፤ እግዚኣብሄር ከዓ መብፅዓኺ ይፈፅመልኪ” በላ። ንሳ ድማ ተረፈት፤ ወዳ ጡብ ክሳዕ ዝሓድግ ከዓ እናጥበወት ኣብ ገዛኣ ተቐመጠት።

24 እቲ ህፃን ጡብ ምስ ሓደገ ኸዓ፥ ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ዝራብዕን ዓሰርተ ኺሎ ግራም ሕሩጭን ሓደ ሓርቢ ወይንን ተማሊኣ፥ ወዳ ሒዛ ናብ ሴሎ ደየበት፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ኣእተወቶ። እቲ ህፃን ገና ንእሽተይ ነበረ።

25 ነቲ ዝራብዕ ምስ ሓረድዎ ነቲ ህፃን ናብ ኤሊ ኣምፅእዎ።

26 ሃና ኸዓ “ጐይታይ፥ ስምዐኒ፤ ነፍስኻ ህያው ትኹን ጐይታይ፥ እታ ኣብ ጥቓኻ ደው ኢላ ንእግዚኣብሄር ትልምን ዝነበረት ሰበይቲ ኣነ እየ።

27 ነዝ ህፃንዙይ ክህበኒ እየ ዝልምን ዝነበርኩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ዅሉ እቲ ዝለመንክዎ ሂቡኒ።

28 ስለዙይ ኣነ ድማ ንእግዚኣብሄር እህቦ ኣለኹ፤ ምሉእ ዕድሚኡ ንእግዚኣብሄር ተውሂቡ እዩ” በለት። ኣብኡ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ሰገዱ።

Titsatireni:



Zotsatsa