Baibulo la pa intaneti

- Zotsatsa -

1ይ ዮሃንስ 1 - መፅሓፍ ቅዱስ


ህይወት ዝህብ ቃል

1 ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፥ ንሕና ብእዝንና ዝሰማዕናዮ፥ በዒንትና ዝረአናዮ፥ ዝጠመትናዮ፥ በእዳውናውን ዝዳህሰስናዮ ቓል ህይወት፥ ንነግረኩም ኣለና።

2 እዝ ህይወት ተገለፀ፤ ንሕና ኸዓ ሪኢናዮ ኢና፤ ንምስክርውን ኣለና። ምስ ኣብ ዝነበረ፥ እቲ ንኣና ዝተገልፀ ዘለኣለማዊ ህይወት ንነግረኩም ኣለና።

3 ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኽህልወኩም፥ ነቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን፥ ንኣኻትኩም ንነግረኩም ኣለና። ሕብረትናውን፥ ምስ ኣብን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን እዩ።

4 እዝ እንፅሕፈልኩም ዘለና፥ ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ኢልና ኢና።


እግዚኣብሄር ብርሃን ከም ዝኾነ

5 እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ፥ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘለና መልእኽቲ፦ “እግዚኣብሄር ብርሃን እዩ፤ ኣብኡውን ፀልማት ከቶ የለን” እትብል እያ።

6 “ምስኡ ሕብረት ኣለና” እናበልና፥ ኣብ ፀልማት እንተ ነበርና ንሕሱ፤ ንሓቂ እውን ኣይንገብራን ዘለና።

7 ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፥ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና፥ ንስንሳትና ሕብረት ኣለና፤ ደም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንፅሀና እዩ።

8 ሓጢኣት የብልናን እንተ በልና፥ ንባዕልትና ነታልል፤ እቲ ሓቂውን ኣባና የለን።

9 ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፥ እግዚኣብሄር እሙንን ፃድቕን ስለ ዝኾነ፥ ንሓጢኣትና ይቕረ ኽብለልና፥ ካብ ኵሉ በደልናውን ከንፅሀና እዩ።

10 “ሓጢኣት ኣይገበርናን” እንተ በልና፥ ሓሳዊ ንገብሮ፤ ቃሉውን ኣባና የለን።

Titsatireni:



Zotsatsa