Baibulo la pa intaneti

- Zotsatsa -

1ይ ቆሮንቶስ 1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 ካብቲ ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን ዝተፀውዐ ጳውሎስን፥ ሓውና ሶስቴኔስን፦

2 ኣብታ ኣብ ቆሮንቶስ ዘላ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ ናብቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቐደሱ፥ ምስቶም ኣብ ኵሉ ስፍራ፥ ስም እቲ ጐይታኦምን ጐይታናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፅውዑ፥ ኵሎም ቅዱሳን ንምዃን ዝተፀውዑ፥

3 ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።


ምስጋና ንእግዚኣብሄር

4 ስለ እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተውሃበኩም ፀጋ እግዚኣብሄር፥ ብዛዕባኹም ዅሉ ጊዜ፥ ንኣምላኸይ ኣመስግን ኣለኹ።

5-6 ዘመስግኖ ዘለኹ ኸዓ፥ እቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝመስከርናልኩም፥ ኣባኻትኩም ፀኒዑ ስለ ዝተረኽበ፥ ብዅሉ ቓልን ብዅሉ ፍልጠትን፥ ብእኡ ስለ ዝሃብተምኩም እዩ።

7 ስለዙይውን ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምምፃእ ኣብ እትፅበዩሉ፥ ዝጐድለኩም ውህብቶ ፀጋ የለን።

8 ብመዓልቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዘይ ነውሪ ንኽትርከቡ፥ ንሱ ኽሳዕ መወዳእታ ኸፅንዐኩም እዩ።

9 እቲ ምስ ወዱ፥ ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ሕብረት ምእንቲ ኽህልወኩም፥ ዝፀውዐኩም እግዚኣብሄር እሙን እዩ።


ኣብ መንጎኻትኩም ምፍልላይ ኣይሃሉ

10 ኣሕዋተይ፥ ኵልኻትኩም ክትሰማምዑ፥ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ክትሓብሩ እምበር፥ ምፍልላይ ከይህልወኩም ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣማሕፅነኩም ኣለኹ።

11 ኣሕዋተይ፥ ኣብ ማእኸልኩም ባእሲ ኸም ዘሎ፥ ሰብ ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ።

12 እወ፥ ነፍሲ ወከፍኩም “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፤ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ እየ፤ ኣነ ናይ ኬፋ እየ፤ ኣነስ እባ ናይ ክርስቶስ እየ” ኸም እትብሉ ነጊሮምኒ ኣለዉ።

13 ክርስቶስዶ፥ ተመቓቒሉ እዩ? ወይ ጳውሎስ ድዩ፥ ምእንታኻትኩም ዝተሰቐለ? ወይ ብስም ጳውሎስ ዲኹም፥ ዝተጠመቕኩም?

14 ካባኻትኩም፥ ብዘይ ንክርስጶስን ንጋይዮስን፥ ንሓደኳ ስለ ዘየጥመቕኩ፥ ንእግዚኣብሄር አመስግኖ ኣለኹ።

15 ስለዙይ ካባኻትኩም ሓደኳ፥ “ብስም ጳውሎስ ተጠሚቐ” ኽብል ኣይኽእልን እዩ።

16 ንስድራ እስጢፋኖስ እባ ኣጥሚቐ ኣለኹ፤ ብዝተረፈ ግና፥ ካልእ ከም ዘጥመቕኩ ኣይፍለጠንን።

17 ክርስቶስ ወንጌል ክሰብኽ እምበር፥ ከጥምቕ ኣይለኣኸንንሞ። እንተ ኾነ፥ መስቀል ክርስቶስ ከንቱ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ዝሰብኮ ወንጌል፥ ኣብ ክእለት ዘረባ ዝተመስረተ ኣይነበረን።

18 ናይ መስቀሉ ቓል፥ ንዝጠፍኡ ሰባት ዕሽነት እዩ፤ ንኣና ንእንድሕን ግና፥ ሓይሊ እግዚኣብሄር እዩ።

19 “ኣነ፥ ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፤ ፍልጠት ፈላጣትውን ከፍርስ እየ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩሞ።

20 ጥበበኛ ደኣ ኣበይ ኣሎ? መምህር ሕጊኸ ኣበይ ኣሎ? ፈላስፋ እዛ ዓለም እዚኣኸ ኣበይ ኣሎ? ኣምላኽዶ፥ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ?

21 ብምኽንያት ጥበብ እግዚኣብሄር፥ ዓለም ብጥበባ ንእግዚኣብሄር ስለ ዘይፈለጠቶ፥ ነቶም ብዕሽነት ስብከት ዝኣምኑ፥ እግዚኣብሄር ከድሕኖም ሰናይ ፈቓዱ ኾይኑ እዩሞ።

22 ኣይሁድ ምልክት ክሪኡ ይጥይቑ፤ ግሪካውያን ድማ ጥበብ ይደልዩ እዮም፤

23 ንሕና ግና፥ ነቲ ንኣይሁድ መዐንቀፊ፥ ንኣህዛብ ከዓ ዕሽነት ዝኾነ፥ ዝተሰቐለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣለና።

24 ነቶም ፅዉዓት ግና፥ ኣይሁድ ኮኑ ግሪካውያን፥ ክርስቶስ ሓይሊ እግዚኣብሄር እዩ፤ ጥበብ እግዚኣብሄርውን እዩ።

25 ዕሽነት እግዚኣብሄር መሲሉ ዝረአ፥ ካብ ጥበብ ሰብ ይበልፅ እዩሞ፤ ድኻም እግዚኣብሄር መሲሉ ዝረአ ኸዓ፥ ካብ ሓይሊ ሰብ ይብርትዕ እዩሞ።

26 ኣሕዋተይ፥ እስኪ ኸመይ ከም ዝተፀዋዕኹም ተመልከቱ፤ ብዙሓት ካባኻትኩም በተሓሳስባ ሰብ፥ ፈላጣት ወይ ሓያላት ወይ ብትውልዲ ዝኸበርኩም ኣይነበርኩምን።

27 እግዚኣብሄር፥ ንጥበበኛታት ምእንቲ ኸሕፍር፥ ናይ ዓለም ዕሽነት ዝኾነ ነገር መረፀ፤ ንሓያላት ምእንቲ ኽሕፍር ከዓ፥ እግዚኣብሄር ናይ ዓለም ድኹም ዝኾነ ነገር መረፀ።

28 እግዚኣብሄር፥ ነቲ ዘሎ ኸንቱ ምእንቲ ኽገብር ከዓ፥ ነቲ ብዓለም ሕሱርን፥ ንዑቕን፥ ነቲ ዘይኮነ ነገርን መረፀ።

29 እዙይ ከዓ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ኸይምካሕ ኢሉ እዩ።

30-31 ግናኸ “እቲ ዝምካሕ፥ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ካብ እግዚኣብሄር ጥበብን፥ ፅድቅን፥ ቅድስናን፥ ቤዛን ዝዀነልና፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኢኹም ዘለኹም።

Titsatireni:



Zotsatsa