1 ይ ዜና 1 - መፅሓፍ ቅዱስካብ ኣዳም ክሳዕ ኣብርሃም ( ዘፍ. 5፡1-32 ፥ 10፡1-32 ፥ 11፡10-26 ) 1 ኣዳም ንሴት፥ ሴት ንሄኖስ ወለደ። 2 ሄኖስ ንቃይናን፥ ቃይናን ንመላልኤል፥ መላልኤል ንያሬድ ወለደ። 3 ያሬድ ንሄኖክ፥ ሄኖክ ንማቱሳላ፥ ማቱሳላ ንላሜህ ወለደ። 4 ላሜህ ንኖህ፥ ኖህ ከዓ ንሴምን ንካምን ንያፌትን ወለደ። 5 ደቂ ያፌት፦ ጋሜር፥ ማጎግ፥ ማዴ፥ ያዋን፥ ቶቤል፥ ሞሳሕ፥ ቴራስ። 6 ደቂ ጋሜር፦ ኣስከናዝ፥ ሪፋት፥ ቴርጋማ፥ 7 ደቂ ያዋን፦ ኤሊሳ፥ ተርሴስ፥ ኪቲም፥ ሮድኢ፥ 8 ደቂ ካም፦ ኩሽ፥ ሚፅራይም፥ ፉጥ፥ ከነዓን፥ 9 ደቂ ኩሽ፦ ሳባ፥ ኤውላጥ፥ ሰብታ፥ ራዕማ፥ ሰብቃታ። ደቂ ራዕማ፦ ሳባ፥ ድዳን፥ 10 ኩሽ ንናምሩድ ወለደ፤ ንሱ ኣብ ምድሪ ብርቱዕ ምዃን ጀመረ። 11 ሚፅራይም ከዓ ንሉዲምን ንዓናሚምን ንላህቢምን፥ 12 ንነፍተሂምን፥ ንፈትሩሲምን ነቲ ኻብኡ ፍልስጥኤማውያን ዝተወለዱ ኻስሉሂምን ንከፍቶሪምን ወለደ። 13 ከነዓን ድማ ንሲዶን በዅሪ ወዱን፥ 14 ንኬጢን፥ ንኢያቡሳውያንን፥ ንኣሞራውያንን፥ 15 ንጌርጌሳውያንን፥ ንኤዊያዊውን፥ ንዓርካውያንን ንሲናውያንን፥ 16 ንኣርዴዋውያንን ንሰማራውያንን ንኣማታውያንን ወለደ። 17 ደቂ ሴም፦ ኤላም፥ ኣሶር፥ ኣርፋክስድ፥ ሉድ፥ ኣራም፥ ዑፅ፥ ሁል፥ ጌቴር፥ ሞሳሕ፥ 18 ኣርፋክስድ ከዓ ንቃይንም ወለደ፤ ቃይንም ንሳላ ወለደ፤ ሳላ ድማ ንዔቦር ወለደ። 19 ንኤቦር ድማ ኽልተ ኣወዳት ተወለዱሉ፦ እቲ ሓደ፥ ብዘመኑ ህዝቢ ዓለም በብዓሌቶም ስለ ዝተኸፋፈሉ፥ ፋሌቅ ተብሃለ፤ እቲ ሓዉ ኸዓ ዮቅጣን ተብሃለ። 20 ደቂ ዮቅጣን፥ ኣልሞዳድ፥ 21 ሳሌፍ፥ ሓሰርሞት፥ ያራሕ፥ ሃዶራም፥ 22 ኣውዛል፥ ደቅላ፥ ዖባል፥ ኣቢማኤል፥ 23 ሳባ፥ ኦፊር፥ ኤውላጥ፥ ዮባብ ነበሩ። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ዮቅጣን ነበሩ። 24 ሴም ንኣርፋክሳድ፥ ኣርፋክሳድ ንሳላ ወለደ። 25 ሳላ ንዔቦር፥ ዔቦር ንፋሌቅ፥ ፋሌቅ ንራግው ወለደ። 26 ራግው ንሴሮሕ፥ ሴሮሕ ንናኮር፥ ናኮር ንታራ ወለደ። 27 ታራ ኣብርሃም ንዝተብሃለ ንኣብራም፥ ወለደ። ደቂ እስማኤል ( ዘፍ. 25፡12-16 ) 28 ደቂ ኣብርሃም፦ ይስሓቅን እስማኤልን ነበሩ። 29 ደቂ እስማኤል ከዓ በዅሩ ነባዮት፥ ቄዳር፥ ነብዳኤል፥ መብሳም፥ 30 ማስማዕ፥ ዱማ፥ ማሳ፥ ኩዳን፥ ቴማን፥ 31 ኢጡር፥ ናፌስ፥ ቄድማ፥ እዚኣቶም ደቂ እስማኤል እዮም። 32 ኣብርሃም፥ ኬጡራ እትበሃል ሰበይቲ ወሰን ነበረቶ። ንሳ ንዘምራንን ንዮቅሳንን ንሜዳንን ንምድያምን ንየስቦቅን ንስዌሕን ወለደትሉ። ደቂ ዮቅሳን ከዓ፥ ሳባን ድዳንን እዮም። 33 ደቂ ምድያም ድማ፥ ጌፌር፥ ዔፌር፥ ሄኖሕ፥ ኣቢዳዕ፥ ኤልዳዓ እዮም። እዚኣቶም ኵላቶም ደቂ ኬጡራ እዮም። ደቂ ኤሳው ( ዘፍ. 36፡1-19 ) 34 ኣብርሃም ንይስሓቅ ወለደ፤ ይስሓቅ ከዓ ንኤሳውን ንያእቆብን ወለደ። 35 ደቂ ኤሳው፦ ኤሊፋዝ፥ ራጉኤል፥ የዑስ፥ የዕላም፥ ቆሬ፥ 36 ደቂ ኤሊፋዝ፦ ቴማን፥ ኦማር፥ ስፎ፥ ጎቶም፥ ቄኔዝ፥ ቲምናዕ፥ ኣማሌቅ፥ 37 ደቂ ራጉኤል፦ ናሖት፥ ዛራ፥ ሳማ፥ ሚዛህ፥ ደቂ ኤዶምያስ ( ዘፍ. 36፡20-30 ) 38 ደቂ ሴይር፦ ሎጣን፥ ሶባል፥ ፅብዖን፥ ዓና፥ ዲሶን፥ ኤፅር፥ ዲሳን፥ 39 ደቂ ሎጣን፦ ሖሪ፥ ሔማም። ሎጣን ቲምናዕ እትበሃል ሓፍቲ ነበረቶ። 40 ደቂ ሶባል፦ ዓልዋን፥ ማኔሓት፥ ዔባል፥ ስፎ፥ ኣውናም፥ ደቂ ፅብዖን፦ ኣያ፥ ዓና፥ 41 ወዲ ዓና፦ ዲሶን፥ ደቂ ዲሶን፦ ሓምዳን፥ ኤስባን፥ ይትራን፥ ክራን፥ 42 ደቂ ኤፅር፦ ቢልሓን፥ ዛዕዋን፥ ዓቃን፥ ደቂ ዲሳን፦ ዑፅ፥ ኣራን እዮም። ነገስታት ኤዶምያስ ( ዘፍ. 36፡31-43 ) 43 ኣብ እስራኤል ንጉስ ገና ኸይነገሰ እንተሎ፥ ኣብ ምድሪ ኤዶምያስ ቅድም ዝነገሱ ነገስታት እዚኣቶም እዮም፦ ባላቅ ወዲ ቢዖር፥ ኣብ ከተማኡ ኣብ ዲንሃባ ኾይኑ ነገሰ። 44 ባላቅ ምስ ሞተ ኽንድኡ ኢዮባብ ወዲ ዛራ ኣብ ባሰራ ኾይኑ ነገሰ። 45 ኢዮባብ ምስ ሞተ፥ ክንድኡ ሑሳም ኣብ ሃገር ቴማናውያን ኮይኑ ነገሰ። 46 ሑሳም ምስ ሞተ፥ ክንድኡ እቲ ንምድያም ኣብ ሜዳ ሞዓብ ዝሰዓረ ሃዳድ ወዲ ባዳድ ነገሰ፤ ስም እታ ኸተማ ድማ ዓዊት ነበረ። 47 ሃዳድ ምስ ሞተ፥ ክንድኡ ሰምላ በዓል መስሬቃ ነገሰ። 48 ሰምላ ምስ ሞተ፥ ሳኡል ኣብታ ኣብ ሩባ ዘላ ረሆቦት ኮይኑ ኽንድኡ ነገሰ። 49 ሳኡል ምስ ሞተ፥ ክንድኡ በኣልሓናን ዝበሃል ወዲ ዓክቦር ነገሰ። 50 በኣልሓናን ምስ ሞተ፥ ክንድኡ ሃዳድ፥ ኣብ ከተማኡ ኣብ ፋዑ ኾይኑ ነገሰ። ሰበይቱ መሄጣብኤል እትበሃል፥ ጓል መጥሬድ፥ ጓል ሜዛሃብ እያ። ሃዳድውን ሞተ። 51 ኣሕሉቕ ኤዶምያስ እዚኣቶም ነበሩ፦ ቲምናዕ ሓላቓ፥ ዓልዋ ሓላቓ፥ የቴት ሓላቓ፥ 52 ኣህሊባማ ሓለቓ፥ ኤላ ሓለቓ፥ ፊኖን ሓለቓ፥ 53 ቄኔዝ ሓለቓ፥ ቴማን ሓለቓ፥ ሚብሳር ሓለቓ፥ 54 መግዲኤል ሓለቓ፥ ዒራም ሓለቓ፥ እዚኣቶም ሓለቓታት ኤዶምያስ ነበሩ። |