ፊልጵስዩስ INTRO1 - መፅሓፍ ቅዱስመእተዊ እዛ መልእኽቲ ጳውሎስ እዚኣ፥ መቄዶንያ ኣብ ዝበሃል ግዝኣት ሮሜ እትርከብ፥ ኣብ ፊልጵስዩስ ንዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ዝተፅሓፈት እያ። እዛ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ፥ ኣብ ምድሪ ኣውሮጳ ንመጀመርታ ጊዜ ብስብከት ጳውሎስ ዝቖመት እያ። ጳውሎስ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝፀሓፋ፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተሎን፥ ከምኡውን ብኻልኦት ክርስቲያን ኣገልገልቲ፥ ተቓውሞ በፂሕዎ ተፀጊሙ እንተሎን፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ፊልጵስዩስ ከዓ፥ ናይ ሓሰት ትምህርቲ ስለ ዝኣተወ፥ ጕህዩ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜን እዩ። ይኹን እምበር ምስ እዝ ዅሉ እዙይ፥ ጳውሎስ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዓሚቝ እምነት ስለ ዝነበሮ፥ ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ ብንፁር ዝረአ፥ ምሉእ ሓጐስን ትብዓትን እዩ። ጳውሎስ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ኽፅሕፍ ዘለዓዓሎ፥ ኣብቲ እዋን ፀገሙ ምእንቲ ኽሕግዞ ኢሎም፥ ውህብቶ ልኢኾሙሉ ስለ ዝነበሩ፥ ነቶም ኣብ ፊልጵስዩስ ዘለዉ ክርስቲያን ንምምስጋን እዩ። ንእኡ ኾነ ንሰብ ፊልጵስዩስ ዝተፈላለየ ዓይነት ፀገማት ኣጋጢምዎም እንተ ነበረ እኳ፥ ምሉእ ትብዓትን ርእሰ ምትእምማንን ምእንቲ ኽህልዎም፥ በዝ ኣጋጣሚ እዙይ የበረታትዖም። ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብል ድፍኢትን ትዕቢትን ኣርሒቖም፥ ብናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ትሕትና ኽምልኡ፥ ኣፅኒዑ ይልምኖም። “እቲ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምሕባር ዝረኸብኩምዎ ህይወት፥ እግዚኣብሄር ብፀጋኡ ዝሃበኩም፥ ብእምነት ዝተቐበልኩምዎ ደኣ እምበር፥ ስርዓት ሕጊ ኣይሁድ ብምፍፃም ዝረኸብኩምዎ ኣይኮነን” እናበለ የዘኻኽሮም። ነቶም ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ሕብረት ዘለዎም ኵሎም፥ እግዚኣብሄር ሰላምን ሓጐስን ከም ዝህቦም ከዓ ይፅሕፈሎም። ናይዛ መልእኽቲ እዚኣ መለለዪ፥ ሓጐስን ትብዓትን ሓድነትን፥ ኣብ ህይወት ክርስትናን ኣብ እምነት ክርስትና ፀኒዕኻ ምንባርን፥ ኣብሪሃ ስለ እትገልፅ እዩ። ከምኡውን ጳውሎስ፥ ንቤተ ክርስቲያን ፊልጵስዩስ ዘለዎ ዓብዪ ፍቕሪ ትገልፅ። ትሕዝቶ 1. መእተዊ 1፡1-11 2. ማእሰርቲ ጳውሎስን ምስፍሕፋሕ ወንጌልን 1፡12-26 3. ብክርስቶስ ዝርከብ ህይወት 1፡27-2፡18 4. መደብ ኣገልግሎት ጢሞቴዎስን ኣፍሮዲጡን 2፡19-30 5. ካብ ሓደጋን ፀላእትን ምጥንቃቕ 3፡1-4፡9 6. ጳውሎስን ኣብ ፊልጵስዩስ ዘለዉ ፈተውቱን 4፡10-20 7. መደምደምታ 4፡21-23 |