ፊልጵስዩስ 4 - መፅሓፍ ቅዱስናይ መወዳእታ ምዕዳን 1 እምበኣር ኣቱም ኣነ ዘፍቅረኩምን ዝናፍቐኩምን፥ ሓጐሰይን ኣኽሊለይን ዝኾንኩም ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ ኣብ ጐይታ ፀኒዕኹም ቁሙ። 2 ንኤዎድያንን ንስንጤኪንን፥ ብጐይታ ብሓደ ሓሳብ ምእንቲ ኽሰማምዓ እምዕደን ኣለኹ። 3 ንስኻውን ኣታ እሙን መሳርሕተይ፥ ክትድግፈን፥ እልምነካ ኣለኹ። ንሳተን ምስ ቀሌምንጦስን ምስቶም ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዝተፅሓፈ ኻልኦት መሳርሕተይን፥ ምሳይ ብኣገልግሎት ወንጌል ዝፀዓራ እየንሞ። 4 ኵልሻዕ ብጐይታ ተሓጐሱ፤ ደጊመ ተሓጐሱ እብል ኣለኹ። 5 ልውህናኹም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ፤ ጐይታ ቐረባ እዩ። 6 ንዅሉ ነገር፥ ብፀሎትን ልመናን ምስ ምስጋና ድልየትኩም ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ እምበር፥ ብሓደኳ ኣይትጨነቑ። 7 እቲ ኻብ ኵሉ ምስትውዓል ንላዕሊ ዝኾነ፥ ሰላም እግዚኣብሄር ድማ፥ ንልብኹምን ሓሳብኩምን፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ክሕልዎ እዩ። 8 ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ሓቂ ዝኾነ ዅሉ፥ ክቡር ዝኾነ ዅሉ፥ ሰናይ ዝኾነ ዅሉ፥ ንፁህ ዝኾነ ዅሉ፥ ተፈታዊ ዝኾነ ዅሉ፥ ቅኑዕ ዝኾነ ዅሉ፥ ብሉፅ ወይ ምስጉን ዝኾነ ነገር እንተ ሃልዩ፥ ብዛዕባ እዝ ነገራት እዙይ ሕሰቡ። 9 ነቲ ዅሉ ኻባይ ዝተምሃርኩምዎን፥ ዝተቐበልኩምዎን፥ ዝሰማዕኹምዎን፥ ኣባይውን ዝረአኹምዎን፥ ግበርዎ፤ ኣምላኽ ሰላም ከዓ፥ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ። ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ዝተልኣኸሉ ኸም ዘመስገነ 10 ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ፥ መሊስኩም ክትሓስቡለይ ስለዝተለዓዓልኩም፥ ብጐይታ ኣብዚሐ እሕጐስ ኣለኹ። ምችዊ እዋን ኣይረኸብኩምን እምበር፥ ቅድምውን ተሓስቡለይ ኔርኩም ኢኹም። 11 እዙይ ዝብል ዘለኹ፥ ስለ ዝሰኣንኩ ኣይኮነን፤ ዘለኒ ይኣኽለኒ ምባል ተምሂረ እየሞ። 12 ትሕት ምባል እፈልጥ፤ ሕልፍን ትርፍን ዘለካ ምዃን እፈልጥ፤ ኣብ ፅጋብ ኮነ ኣብ ጥሜት፥ ብሃብቲ ኾነ ብድኽነት፥ ኣብ ኵሉን ብዅሉን፥ ናይ ምንባር ምስጢር ተምሂረ ኣለኹ። 13 በቲ ሓይሊ ዝህበኒ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ኽገብሮ እኽእል እየ። 14 ኣብቲ መከራይ ተኻፈልቲ ብምዃንኩም ግና ፅቡቕ ገበርኩም። 15 ኣቱም ሰብ ፊልጵስዩስ፥ መጀመርታ ንስብከት ወንጌል ካብ መቄዶንያ ኽወፅእ እንተለኹ፥ እንትርፊ ንስኻትኩም፥ ብምሃብ ይኹን ብምቕባል፥ ካልእ ቤተ ክርስቲያን ምሳይ ከም ዘይተሓባበረት፥ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 16 ኣብ ተሰሎንቄ እንተለኹውን፥ ሓደ ኽልተ ጊዜ፥ ዘድልየኒ ረድኤት ሰዲድኩምለይ ኔርኩም ኢኹም። 17 ኣነስ እቲ ፍረ ልግስናኹም፥ ንኣኻትኩም ክበዝሐልኩም ኢለ እየ እምበር፥ ውህብቶኹም ደልየ ኣይኮንኩን። 18 ሕዚ ግና ዝኣክል፥ እኳ ደኣ ኣኺሉ ዝተርፍ ኣለኒ፤ ነቲ ብኣፍሮዲጡ ዝለኣኽኩምዎ፥ ምዑዝ ዝሽታኡ፥ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስ ቅቡል መስዋእቲ ምስ ተቐበልኩ፥ መሊኡለይ ኣሎ። 19 ኣምላኸይ ከም መጠን ሃብቱ፥ ብኽብሪ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ፥ ኵሉ ድልየትኩም ክመልአልኩም እዩ። 20 ንኣምላኽናን ኣቦናን፥ ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። 21 ንዅሎም ነቶም ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘለዉ ቅዱሳን፥ ሰላም በልዎም። እቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋትውን፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 22 ኵሎም ቅዱሳን፥ ብሕልፊ እኳ፥ እቶም ኣብ ቤተ መንግስቲ ቄሳር ዘለዉ ዅሎም፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 23 ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ መንፈስኩም ይኹን። |