ፊልጵስዩስ 2 - መፅሓፍ ቅዱስትሕትና ክርስቶስን ዕቤቱን 1 እምበኣር ናይ ክርስቶስ ብምዃንኩም፥ ምትብባዕ እንተ ሃልዩኩም፥ ናይ ፍቕሪ ምፅንናዕ እንተ ሃልዩኩም፥ ምስ መንፈስ ቅዱስ ሕብረት እንተ ሃልዩኩም፥ ለውሃትን ርህራሀን እንተ ሃልዩኩም፥ 2 ብሓንቲ ሓሳብ ብምስምማዕ፥ ብሓንቲ ፍቕሪ፥ ብሓደ ልቢ ብምስራሕ፥ ንሓጐሰይ ምሉእ ግበሩለይ። 3 ሓንቲ ነገር እኳ፥ ናይ ባዕልኻ ጥቕሚ ብምቕዳም ወይ ንኸንቱ ውዳሴ ኢልኩም ኣይትግበሩ። እኳ ደኣ ትሕትና ብምልባስ፥ እቶም ካልኦት ካባኻትኩም ከም ዝበልፁ ጌርኩም ቍፀሩ። 4 ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልኦት ጥቕሚውን እምበር፥ ናይ ባዕሉ ጥቕሚ ጥራሕ ኣይሕሰብ። 5 ከምዙይ ከዓ እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበረ ሓሳብ፥ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹም። 6 ንሱ ብባህርዩ ኣምላኽ እኳ እንተ ኾነ፥ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ፥ ከም ምምንዛዕ ኣይቘፀሮን። 7 እኳ ደኣ ሰብ ብምዃን፥ መልክዕ ባርያ ብምውሳድ፥ ብፍቓዱ ንባዕሉ ድኻ ገበረ። 8 ንባዕሉ ኣዋሪዱ ኽሳዕ ሞት፥ ክሳዕ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ሙማትውን ተኣዘዘ። 9 ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ኣበሎ፤ ልዕሊ ዅሉ ስም ዝኾነ ስም ከዓ ሃቦ። 10 ስለዙይ ንኽብሪ ስም ኢየሱስ፥ ኵሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ብርኪ፥ ምእንቲ ኽምብርከኽ፥ 11 ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ከዓ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ኸም ዝኾነ፥ ኵሉ ኣንደበት ክምስክር እዩ። ናይ ዓለም ብርሃን ምዃን 12 እምበኣርከስ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ ከምቲ ዅልሻዕ ተኣዘዝቲ ዝነበርኩም፥ ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድመይ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኣውራ እኳ ደኣ ብድሕረይ፥ ብፍርሓትን ብራዕድን፥ ናይ ርእስኹም ድሕነት ንምፍፃም፥ ተጊህኹም ስርሑ። 13 ምእንቲ ሰናይ ፍቓዱ ኢሉ፥ ክትደልዩን ክትገብሩን ኣባኻትኩም ዝሰርሕ፥ እግዚኣብሄር እዩሞ። 14 ንዅሉ ብዘይ ምጕርምራምን ብዘይ ምትህልላኽን ግበርዎ። 15 እዙይ እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ማእኸል እዛ ቐይናንን ጠዋይን ትውልዲ እዚኣ፥ ጕድለት ዘይብሎም ንፁሃትን፥ ነቐፋ ዘይብሎም ውሉድ እግዚኣብሄርን ኴንኩም፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ከም ብርሃናት ክትበርሁ ኢኹም። 16 እዙይ ከዓ፥ ነቲ ቓል ህይወት ኣፅኒዕኹም እንተ ሒዝኩምዎ እዩ፤ በታ ክርስቶስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ ኸዓ፥ ብኸንቱ ስለ ዘይጐየኹን ስለ ዘይፀዓርኩን ክምካሕ እየ። 17 ግናኸ ኣብቲ ናይ እምነትኩም መስዋእትን ኣገልግሎትን፥ እንተ ተሰዋእኹ ደስ ይብለኒ፤ ምስ ኵልኻትኩምውን እሕጐስ ኣለኹ። 18 ንስኻትኩምውን ከምኡ ደስ ይበልኩም፤ ምሳይውን ተሓጐሱ። ኣገልግሎት ጢሞቴዎስን ኣፍሮዲጡን 19 ሃለዋትኩም ሰሚዐ፥ ኣነውን ክሕጐስን ደስ ክብለንን፥ ንጢሞቴዎስ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክልእኾ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ተስፋ እገብር ኣለኹ። 20 ንፅቡቕኩም ዝሓልን ዝግደስን፥ ካልእ ከምኡ ዝበለ የብለይንሞ። 21 ኵላቶም ጥቕሚ ርእሶም እምበር፥ ብናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይግደሱን እዮም። 22 ጢሞቴዎስ ግና ውሉድ ነቦኡ ኸም ዝእዘዝ፥ ምሳይ ኮይኑ ንወንጌል ብምግልጋል፥ ብቕዓቱ ኸም ዘርኣየ ትፈልጡ ኢኹም። 23 እምበኣር ኵነታተይ ሪአ፥ ንእኡ ብቕልጡፍ ክሰደልኩም ተስፋ እገብር ኣለኹ። 24 ኣነ ባዕለይውን፥ ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኽመፅእ፥ ብጐይታ ተስፋ እገብር ኣለኹ። 25 ነቲ ሓወይ፥ መሳርሕተይ፥ ምሳይ ዝተሰለፈ ናይ ክርስቶስ ወታደር ብምዃን ከዓ ብፃየይ፥ ብዘድልየኒ ኽድግፈኒ ዝለኣኽኩምዎ ኣፍሮዲጡውን፥ መሊሰ ኽልእኸልኩም ግዲ ኾይኑ ተርእዩኒ ኣሎ። 26 ንሱ ብዙሕ ናፊቑኩም ኣሎ፤ ምሕማሙ ኸም ዝሰማዕኹም ስለ ዝፈለጠ ኸዓ፥ ተጨኒቑ ኣሎ። 27 ብርግፅ ሓሚሙ ናብ ሞት ቀሪቡ ነይሩ፤ እግዚኣብሄር ግና ራህርሀሉ፤ ሓዘን ኣብ ልዕሊ ሓዘን ምእንቲ ኸይውሰኸኒ፥ ንኣይውን እዩ እምበር፥ ንእኡ ጥራሕ ኣይኮነን ዝራህርሀሉ። 28 ስለዙይ መሊስኩም ምስ ረአኹምዎ ምእንቲ ኽትሕጐሱ፥ ሓዘነይውን ምእንቲ ኽቐልል፥ ቀልጢፈ እሰዶ ኣለኹ። 29 እምበኣር ብጐይታ፥ ብምሉእ ታሕጓስ ተቐበልዎ። ነዞም ከምዚኣቶም ዝመሰሉ ሰባትውን፥ ኣኽብርዎም። 30 ንኣይ እትገብርዎ ኣገልግሎትኩም ምእንቲ ኽምልእ፥ ብዛዕባ ስራሕ ክርስቶስ፥ ነፍሱ ንሞት ኣሕሊፉ ኽሳዕ ምሃብ፥ በፂሑ ነይሩ እዩ እሞ። |