9 ነቲ ዅሉ ኻባይ ዝተምሃርኩምዎን፥ ዝተቐበልኩምዎን፥ ዝሰማዕኹምዎን፥ ኣባይውን ዝረአኹምዎን፥ ግበርዎ፤ ኣምላኽ ሰላም ከዓ፥ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ።
ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፥ ኣይትሸበር፤ ከበርትዐካ እየ፤ ክረድአካውን እየ፤ ብፅድቂ የማነይውን ክድግፈካ እየ።
ተመኻኸሩ ግና ምኽርኹም ክፍታሕ እዩ፤ ቃል ተዛረቡ፤ ግና እቲ ቓል ኣይፀንዕን፤ እግዚኣብሄር ምሳና እዩ እሞ።
ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዝገብር ደኣ እምበር፥ ኵሉ ጐይታይ! ጐይታይ! ዝብለኒ፥ ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይኣቱን እዩ።
“ነቲ ኣነ ዝብሎ ዘይትገብሩስ፥ ስለ ምንታይ ኢኹም ጐይታ! ጐይታ! እትብሉኒ?
ኢየሱስ ከዓ “እኖይን ኣሕዋተይንስ፥ እዞም ንቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕዎን ዝገብርዎን እዮም” ኢሉ መለሰሎም።
እምበኣር ነዙይ እንተ ፈሊጥኩምዎ እሞ፥ እንተ ጌርኩምዎ ብፁኣን ኢኹም።
ንስኻትኩምውን፥ ኵሉ ዝኣዘዝኩኹም እንተ ፈፂምኩም፥ ኣዕርኽተይ ኢኹም።
እኖኡ ኸዓ ነቶም መሰለፍቲ “ኵሉ ንሱ ዝብለኩም ግበሩ” በለቶም።
ንሱ ኸዓ ፈሪሑ እናንቀጥቀጠ “ጐይታይ፥ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣለኻ?” በሎ። ጐይታ ድማ “ተስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፤ እንታይ ክትገብር ከም ዝግብአካውን፥ ኣብኡ ኽነግሩኻ እዮም” በሎ።
ኣምላኽ ሰላም፥ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።
ኣምላኽ ሰላም ድማ፥ ንሰይጣን ቀልጢፉ፥ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ክቕጥቅጦ እዩ። ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምሳኻትኩም ይኹን።
እምበኣርከስ እንተ በላዕኹም፥ ወይ እንተ ሰተኹም፥ ወይ ዝኾነ ይኹን እንተ ገበርኩም፥ ኵሉ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ግበርዎ።
እግዚኣብሄር ናይ ሰላም ኣምላኽ እምበር፥ ናይ ሁከት ኣምላኽ ኣይኮነን። ኣብ ኵለን ናይ ቅዱሳን ኣብያተ ክርስቲያናት ከምዙይ እዩ።
ስለዙይ ንኣይ ምሰሉ እናበልኩ እልምነኩም ኣለኹ።
ብዝተረፈ፥ ኣሕዋተይ፥ ደሓን ኩኑ፤ ፍፁማን ኩኑ፤ ምኽረይ ስምዑ፤ ሓደ ልቢ ኹኑ፤ ብሰላም ንበሩ፤ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከዓ፥ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ።
ሙሴ ድማ ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ፀዊዑ፥ ከምዙይ በሎም፦ ኦ ህዝቢ እስራኤል! እዝ ኣነ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ዝነግረኩም ዘለኹ ሕግጋትን ፍርድታትን ስምዑ፤ ተምሃርዎን ሓልውዎን ግበርዎን።
ኣሕዋተይ፥ ንኣይ ምሰሉ፤ ነቶም በታ ዝሃብናኩም ኣርኣያ ዝነብሩ ኸዓ፥ ኣስተውዕልዎም።
እቲ ኻብ ኵሉ ምስትውዓል ንላዕሊ ዝኾነ፥ ሰላም እግዚኣብሄር ድማ፥ ንልብኹምን ሓሳብኩምን፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ክሕልዎ እዩ።
ብዙሕ መከራ እኳ እንተ ተቐበልኩም፥ ነቲ ቓል፥ በቲ ኻብ መንፈስ ቅዱስ ዝተረኽበ ሓጐስ ብምቕባልኩም፥ ንኣናን ንጐይታን መሰልኩም።
ኣሕዋተይ፥ ንስኻትኩም ነተን ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነብራ፥ ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ መሲልኩምወን ኢኹም። ከምቲ ንሳተን ብኣይሁድ መከራ ዝተቐበላ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ብደቂ ዓድኹም፥ መከራ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ።
ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ፥ ንዅለንትናኹም ይቐድሶ፤ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን፥ ብምፅኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዘይ ነቐፋ ምእንቲ ኽርከብ ይተሓሎ።
ነቲ እንእዝዘኩም ትፍፅምዎ ኸም ዘለኹም፥ ገናውን ከም እትፍፅምዎ፥ ኣባኻትኩም ብጐይታ እምነት ኣለና።
ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ መንፈስካ ይኹን። ፀጋ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።
ፈፀምቲ ቓል ኩኑ እምበር፥ ንባዕልትኹም እናታለልኩም፥ ሰማዕቲ ጥራሕ ኣይትኹኑ።
ስለዙይ፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ንፅውዓኹምን ምሕራይኩምን ክተፅንዕዎ፥ ኣብሊፅኩም ተጋደሉ። እዙይ እንተ ጌርኩም፥ ከቶ ኣይትወድቁን ኢኹም።
ትእዛዛቱ እንሕሉን፥ ንእኡ ዘሐጕሶ እንገብርን ስለ ዝኾንና ድማ፥ ነቲ ዅሉ እንልምኖ ኻብኡ ኽንቕበል ኢና።