4 ኵልሻዕ ብጐይታ ተሓጐሱ፤ ደጊመ ተሓጐሱ እብል ኣለኹ።
ብህይወተይ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ እየ፤ ብዘለኹዎ ዅሉ ዘመንውን ንኣምላኸይ ክዝምር እየ።
ኦ ፃድቃን፥ ብእግዚኣብሄር ተሓጐሱ፤ ንቕኑዓት ምስጋና ይግብኦም እዩ።
ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ክሕጐስ እየ፤ ብኣምላኽ ምድሓነይ ሓሴት ክገብር እየ።
ነቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ነቢያት ከምኡ ኣሳጒጎምዎም እዮም እሞ፥ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝኾነ ተሓጐሱ፤ ደስውን ይበልኩም።”
ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ድማ፥ ጳውሎስን ሲላስን እናፀለዩ፥ ንእግዚኣብሄር ብመዝሙር የመስግኑ ነበሩ፤ እቶም ካልኦት እሱራትውን ይሰምዕዎም ነበሩ።
ንሳቶም ግና፥ ምእንቲ ስም ኢየሱስ፥ ውርደት ንምቕባል፥ ብቑዓት ኮይኖም ስለ ዝተቘፀሩ፥ ካብቲ መጋባእያ እናተሓጐሱ ወፁ።
ብተስፋ ተሓጐሱ፤ ብመከራ ተዓገሱ፤ ብፀሎት ፅንዑ።
ከም ጕሁያት፥ ግናኸ ዅልሻዕ ሕጉሳት ኢና። ከም ድኻታት፥ ግና ንብዙሓት ነሀብትም ኢና። ኵሉ እንተለናስ፥ ሓንቲ ኸም ዘይብሎም ኴንና ንረአ ኣለና።
ግና ንሕና ኾነ ወይ ካብ ሰማይ መልኣኽ፥ ካብቲ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ዝተፈልየ፥ ካልእ ወንጌል እንተ ደኣ ሰቢኹልኩም፥ ርጉም ይኹን።
ንስኻትኩምውን ከምኡ ደስ ይበልኩም፤ ምሳይውን ተሓጐሱ።
ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ብጐይታ ተሓጐሱ። ብዛዕባ እዝ ነገርዙይ፥ ደጊመ ኽፅሕፈልኩም ኣይስልክየንን እዩ፤ ንኣኻትኩም ንጥቕምኹም እዩ እሞ።
ናይ ክርስቶስ መከራ ኽትካፈሉ እንተለኹም ግና ተሓጐሱ፤ ንሱ ብግርማ ኽግለፅ እንተሎ፥ የመና ኽትሕጐሱ ኢኹም።