3 ንስኻውን ኣታ እሙን መሳርሕተይ፥ ክትድግፈን፥ እልምነካ ኣለኹ። ንሳተን ምስ ቀሌምንጦስን ምስቶም ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዝተፅሓፈ ኻልኦት መሳርሕተይን፥ ምሳይ ብኣገልግሎት ወንጌል ዝፀዓራ እየንሞ።
ካብ መፅሓፍ ህያዋን ይደምሰሱ፤ ምስ ፃድቃንውን ኣይፀሓፉ።
ሕዚ ድማ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፤ እንተ ዘይኮነ ኻብቲ ዝፀሓፍካኒ መፅሓፍካ ደምስሰኒ” በለ።
እግዚኣብሄር ብመንፈስ ፍርድን ብዘቃፅል መንፈስን ገይሩ፥ ንርስሓት ኣዋልድ ፅዮን ምስ ሓፀበ፥ ንደም ኢየሩሳሌም ድማ ኻብ ማእኸላ ምስ ኣፅረየ፥ ኵሉ ኣብ ፅዮን ዝተሓድገን ኣብ ኢየሩሳሌምውን ዝተረፈ፥ ኵሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ንህይወት ዝተፅሓፈ ቕዱስ ክበሃል እዩ።
ኢደይ ከዓ ነቶም ከንቱነት ዝሪኡን ሓሰት ዝንበዩን ነቢያት ክትፃረሮም እያ፤ ንሳቶም ኣብ ባይቶ ህዝበይ ኣይህልዉን፤ ኣብ መፅሓፍ ቤት እስራኤል ድማ ኣይፀሐፉን፤ ናብ ምድሪ እስራኤል ከዓ ኣይኣትዉን እዮም፤ ኣነውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።
“በቲ ዘመን እቱይ፥ እቲ ምእንቲ ደቂ ህዝብኻ እስራኤል ዝቐውም፥ ዓብዪ ሓለቓ ሚካኤል፥ ክትስእ እዩ። ሽዑ መንግስቲ ኻብ ዝተመስረተ ጊዜ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ዘመን እቱይ ተርእዩ ዘይፍለጥ፥ ዓብዪ ናይ መከራ ጊዜ ክኸውን እዩ። ግና በታ ጊዜ እቲኣ፥ ካብ ህዝብኻ፥ እቲ ዅሉ ኣብ መፅሓፍ ህይወት ተፅሒፉ ዝተረኽበ፥ ክድሕን እዩ።
ግና፥ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ ዝተፅሓፈ ደኣ ተሓጐሱ እምበር፥ ርኹሳን መናፍስቲ ስለ ዝተገዝኡልኩም፥ ኣይትተሓጐሱ” በሎም።
እምበኣር ኣሕዋተይ፥ ሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስን፥ መስዋእቲ ጌርኩም ክተቕርብዎ፥ ብምሕረት እግዚኣብሄር እልምነኩም ኣለኹ፤ እዙይ ድማ እቲ ግቡእ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።
ነተን ብጐይታ ዝፅዕራ ዘለዋ ንፕሮፊሞን ንጢሮሞሳን፥ ሰላም በሉለይ። ነታ ብጐይታ ብዙሕ ዝፀዓረት ፍቕርቲ ጰርሲዳ፥ ሰላም በሉለይ።
ነቲ ብክርስቶስ መሳርሕትና ዝኾነ ኡርባኖስን ንስጣክስ ፍቑረይን፥ ሰላም በሉለይ።
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ እቲ ኵሉ ዝበፅሐኒ ነገር፥ ንምስፍሕፋሕ ወንጌል የመና ኸም ዝጠቅም፥ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።
እዞም ዳሕረዎት፥ ንወንጌል ስለ ዝተማጐትኩላ ኸም ዝተኣሰርኩ ፈሊጦም፥ ብፍቕሪ ይሰብኩ ኣለዉ።
ክሪአኩም እንተ መፃእኹ ወይ ኣብ ርሑቕ እንተለኹ፥ ብሓደ መንፈስ ፀኒዕኹም፥ ምእንቲ እምነት ወንጌል፥ ብሓደ ልቢ ትጋደሉ ምህላውኩም ምእንቲ ኽሰምዕ፥ ኣካይዳኹም ንወንጌል ክርስቶስ ዝበቅዕ ይኹን።
ካብ መጀመርታ ኽሳዕ ሕዚ፥ ኣብ ስብከት ወንጌል ተሓባበርቲ ስለ ዝኾንኩም፥ ንእግዚኣብሄር አመስግኖ ኣለኹ።
ኵልኻትኩም ኣብ ልበይ ስለ ዘለኹም፥ ብዛዕባ ዅልኻትኩም ክሓስብ ግቡእ እዩ። ተኣሲረ እንተለኹ ኾነ፥ ንወንጌል ክምስርታን ክማጐተላን እንተለኹ፥ ንስኻትኩም ኵልኻትኩም፥ ኣብዝ ፀጋ እዙይ መኻፍልተይ ኢኹምሞ።
ንኤዎድያንን ንስንጤኪንን፥ ብጐይታ ብሓደ ሓሳብ ምእንቲ ኽሰማምዓ እምዕደን ኣለኹ።
እቲ ፍቑር መሳርሕትና ኤጳፍራስ እዩ፥ ነዙይ ዝመሃረኩም። ንሱ፥ ክንዳኻትኩም እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ እዩ።
እቶም ካብ ምፍጣር ዓለም ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብቲ ናይቲ ዝተሓርደ በጊዕ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅላቶም፥ ክሰግዱሉ እዮም።
እቲ ዝረአኻዮ ኣራዊት ቅድም ነይሩ፤ ሕዚ የለን፤ ግና ኻብ ዓሚቝ ጕድጓድ ክወፅእ፥ ናብ ጥፍኣትውን ክኸይድ እዩ። ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ እቲ ኣራዊት፥ ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዝመፅእን ምስ ረአዩ፥ ክግረሙ እዮም።
ምዉታን ድማ፥ ዓበይትን ኣናእሽቱን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን፥ ደው ኢሎም ረአኹ። መፃሕፍቲ እውን ተገለፁ፤ እቲ መፅሓፍ ህይወት ዝኾነ፥ ካልእ መፅሓፍውን ተገለፀ። እቶም ምዉታን ድማ፥ ከምቲ ኣብቲ መፃሕፍቲ ተፅሒፉ ዝነበረ፥ ከከም ግብሮም ተፈርዶም።
ስሙ ኣብ መፅሓፍ ህይወት ተፅሒፉ ዘይተረኸበ ዅሉ፥ ናብቲ ቓላይ ሓዊ ተደርበየ።
እቶም፥ ኣብቲ ናይቲ በጊዕ መፅሓፍ ህይወት፥ ዝተፅሓፉ ደኣ እምበር፥ ርኽሰት፥ ኵሉ ዘፀይፍን ሓሰትን ዝገብር፥ ናብኣ ኸቶ ኣይኣቱን እዩ።
እቲ ዝስዕር፥ ከምኡ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ክኽደን እዩ፤ ንስሙውን፥ ካብ መፅሓፍ ህይወት ኣይፍሕቖን እየ። ኣብ ቅድሚ ኣቦይን፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ፥ ንስሙ ኽምስክረሉ እየ።’