21 ንዅሎም ነቶም ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘለዉ ቅዱሳን፥ ሰላም በልዎም። እቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋትውን፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
ነሕዋትኩም ጥራሕ ሰላምታ እንተ ሃብኩምከ፥ እንታይ ሕልፊ ገበርኩም? ኣህዛብስ ከምኡ ይገብሩ እንድዮም?
ኣብታ ኣብ ቆሮንቶስ ዘላ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ ናብቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቐደሱ፥ ምስቶም ኣብ ኵሉ ስፍራ፥ ስም እቲ ጐይታኦምን ጐይታናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፅውዑ፥ ኵሎም ቅዱሳን ንምዃን ዝተፀውዑ፥
ካብቶም ኵሎም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋትን፥ ናብተን ኣብ ገላትያ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን፥
እቲ ምሳይ ዝነበረ ቲቶ፥ ግሪካዊ እኳ እንተ ነበረ፥ ክግረዝ ኣይተገደደን።
ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ጳውሎስ፥ ናብቶም ኣብ ኤፌሶን ዘለዉ ቅዱሳንን፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ከዓ እሙናትን፥
ኣገልገልቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾኑ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን፥ ናብቶም ኣብ ፊልጵስዩስ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ ዅሎም ቅዱሳን፥ ምስ ኤጲስ ቆጶሳትን ዲያቆናትን።
እቲ ኻብ ኵሉ ምስትውዓል ንላዕሊ ዝኾነ፥ ሰላም እግዚኣብሄር ድማ፥ ንልብኹምን ሓሳብኩምን፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ክሕልዎ እዩ።