2 ንኤዎድያንን ንስንጤኪንን፥ ብጐይታ ብሓደ ሓሳብ ምእንቲ ኽሰማምዓ እምዕደን ኣለኹ።
ሽዑ ነሕዋቱ ኣፋነዎም፤ ምስ ተልዓሉ ድማ “ኣብ መንገዲ ንስንሳትኩም ኣይትበኣሱ” በሎም። ንሳቶምውን ከዱ።
ጨው ፅቡቕ እዩ። እቲ ጨው መቐረቱ እንተ ጠፍአኸ ብምንታይ ተመቅርዎ? እምበኣር ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሃሉኹም፤ ንስንሳትኩምውን ተሰማሚዕኹም ብሰላም ንበሩ።”
ኣሕዋተይ፥ ኵልኻትኩም ክትሰማምዑ፥ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ክትሓብሩ እምበር፥ ምፍልላይ ከይህልወኩም ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣማሕፅነኩም ኣለኹ።
ሕዚ ግና በቲ በፂሕናዮ ዘለና፥ ብእኡ ፀኒዕና ንንበር።
ስለ እቲ ስራሖም፥ ብፍቕሪ ኣብሊፅኩም ኣኽብርዎም፤ ንስንሳትኩምውን ብሰላም ንበሩ።
ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ፤ ብዘይ ቅድስና፥ ሓደኳ ንእግዚኣብሄር ዝሪኦ የለን እሞ፥ ቅዱሳን ክትኮኑ ፀዓሩ።