Biblia Todo Logo
Online Bible

- Advertisements -




ፊልጵስዩስ 4:17 - መፅሓፍ ቅዱስ

17 ኣነስ እቲ ፍረ ልግስናኹም፥ ንኣኻትኩም ክበዝሐልኩም ኢለ እየ እምበር፥ ውህብቶኹም ደልየ ኣይኮንኩን።

See the chapter Copy




ፊልጵስዩስ 4:17
26 Cross References  

እቲ ንድኻ ዝህብ፥ ንእግዚኣብሄር የለቅሕ፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ በቲ ሰናይ ግብሩ ኽፈድዮ እዩ።


ፍረ ኦምን ፍረ ወይንን ምስተኣረዩ፥ ከም ዝተረፈ ቐሪም ኮይነ ኣለኹሞ ወይለይ! ንምግቢ ዝኸውን፥ ነፍሰይውን ዝተመነየቶ፥ ኣቐዲሙ ዝበሰለ በለስውን የለን።


“ኣብ መሰውእየይ ብኸንቱ ሓዊ ኸይተንድዱ፥ ሓደ ኻባኻትኩም በርታት ዝዓፁ እንተ ዝርከብ! ኣነ ብኣኻትኩም ደስ ኣይብለንን፤ ካብ ኢድኩምውን ዝኾነ ዓይነት ቍርባን ኣይቅበልን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


ኣነ እየ ዝሓረኹኹም እምበር፥ ንስኻትኩም ኣይሓረኹምንን፤ ኬድኩም ፍረ ምእንቲ ኽትፈርዩ፥ ፍረኹምውን ምእንቲ ነባሪ ክኸውን ሾምኩኹም፤ ስለዙይውን፥ እቲ ዅሉ ንኣብ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ኽህበኩም እዩ።


ብዙሕ ፍረ እንተ ፈረኹም፥ ኣቦይ በዙይ ክኸብር እዩ፤ ንስኻትኩምውን ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ክትፍለጡ ኢኹም።


እምበኣር ነዙይ ፈፂመ፥ ኣገልግሎተይ ምስ ወዳእኹ፥ ብኣኻትኩም ኣቢለ፥ ንእስፔይን ክኸይድ እየ።


ደጊመውን እብል ኣለኹ፥ ሓደኳ ኸም ዓሻ ኣይቝፀረኒ። ከም ዓሻ እንተ ቘፂርኩምኒ ግና፥ ኣነውን ቁሩብ ምእንቲ ኽምካሕስ፥ ከም ዓሻ ጌርኩም ተቐበሉኒ።


ስለዙይ ነቲ ቕድም ኢሉ ኽትልግስዎ ዘተስፈኹምዎ ውህብቶ፥ ተዳልዩ ምእንቲ ኽፀንሕ፥ ኣቐዲሞም ናባኻትኩም ክኸዱ፥ ነቶም ኣሕዋት ጠየቕኩዎም። እዙይ ከዓ ፈቲኹም እምበር፥ ተገዲድኩም ከም ዘይገበርኩምዎ ኸረድእ እዩ።


ንኽብሪ እግዚኣብሄርን ንውዳሴኡን ከዓ፥ በቲ ኻብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ፥ ፍረ ፅድቂ ምእንቲ ኽትምልኡ፥ እፅሊ ኣለኹ።


እዙይ ዝብል ዘለኹ፥ ስለ ዝሰኣንኩ ኣይኮነን፤ ዘለኒ ይኣኽለኒ ምባል ተምሂረ እየሞ።


ብቓል ቅብጥር ወይ እናመኽነና ብስስዐ ተደፋፊእና፥ ከም ዘይተዛረብናኩም ትፈልጡ ኢኹም፤ ነዙይ እግዚኣብሄር ምስክርና እዩ።


ዘይሰክር፥ ዘይበኣስ፥ ሕያዋይ፥ ዘይተሃላለኽ፥ ፈታዊ ገንዘብ ዘይኮነ፥


ፍቕሪ ገንዘብ፥ ናይ ኵሉ ኽፍኣት ሱር እዩ እሞ፤ ገሊኣቶም ብሰንኪ ህርፋን ገንዘብ፥ ካብ መንገዲ እቲ እምነት ወፂኦም፥ ንባዕላቶም ብዙሕ ስቓይ ኣምፅኡ።


ኤጲስ ቆጶስ፥ ከም መጋቢ እግዚኣብሄር፥ ነቐፋ ዘይብሉ ክኸውን ይግባእ እዩሞ፤ ከምኡውን፥ ዘይዕበ፥ ዘይዅሪ፥ ዘይሰክር፥ ዘይበኣስ፥ ፍቕሪ ገንዘብ ዘይብሉ፥ ክኸውን ኣለዎ።


እቶም ናትናውን፥ ዕለታዊ ምግቦም ባዕልቶም ክሓልዩ፥ ሰናይ ስራሕ ክሰርሑ ደኣ ይመሃሩ እምበር፥ ብዘይ ፍረ ኣይንበሩ።


እግዚኣብሄር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ፥ ነቲ ምእንቲ ፍቕሩ ኢልኩም፥ ብስሙ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን፥ እተገልግልዎም ዘለኹምን፥ ስራሕኹም ዝርስዕ ኣይኮነን።


ነቲ ሓደራ ዝተውሃበኩም መጓሰ እግዚኣብሄር ሓልውዎ፤ እንተ ኾነ፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ብፍታው እምበር ብግዲ ኣይኹን። ብፅቡቕ ድሌት እምበር፥ ንኸንቱ ረብሓ ኣይኹን።


ነታ ቕንዕቲ መንገዲ ሓዲጎም ተጋገዩ፤ መንገዲ እቲ ዓስቢ ዓመፃ ዝፈተወ በለዓም ወዲ ባሶር ሰዓቡ።


ንሳቶም ስሱዓት ስለ ዝኾኑ፥ ብዘረባ እናጠበሩ መናገዲ ኽገብሩኹም እዮም። ካብ ቀደም ፍርዶም ተዳልዩ እዩ፤ ጥፍኣትውን ብርግፅ ይፅበዮም ኣሎ።


ብመንገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፥ ምእንቲ ገንዘብ ብስሕተት በለዓም ስለ ዝወደቑ፥ ብኽሕደት ቆሬውን ስለ ዝዓመፁ፥ ጠፊኦም እዮም እሞ ወይለኦም!


Follow us:

Advertisements


Advertisements