10 ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ፥ መሊስኩም ክትሓስቡለይ ስለዝተለዓዓልኩም፥ ብጐይታ ኣብዚሐ እሕጐስ ኣለኹ። ምችዊ እዋን ኣይረኸብኩምን እምበር፥ ቅድምውን ተሓስቡለይ ኔርኩም ኢኹም።
ሕዝቅያስን እቶም ሹመኛታቱን መፂኦም ነቲ ዅምራታት ምስ ረአይዎ ኸዓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ፤ ንህዝቡ እስራኤል ድማ ባረኽዎ።
ኦ ጐይታ ትምለስን ተድሕንን ኢኻ፤ ህዝቢ እውን ብኣኻ ይሕጐስ።
እቶም ኣብ ትሕቲ ፅላሉ ዝነብሩ ኽምለሱ እዮም፤ ብእኽሉውን ክፀግቡ እዮም፤ ከም ተኽሊ ወይኒ ይዕምብቡ፤ መዘከርታኦም ድማ ኸም ወይኒ ሊባኖስ ይኸውን።
ምሳኻትኩም እንተለኹውን ምስ ሰኣንኩ፥ ንሓደኳ ኣየፀገምኩን፤ እቶም ካብ መቄዶንያ ዝመፁ ኣሕዋት፥ ኵሉ ዘድልየኒ ገይሮምለይ እዮም እሞ። ስለዙይ ንሓደኳ ኣየፀገምኩን፤ ድሕሪ ሕዚ እውን ከየፀግመልኩም ክጥንቀቕ እየ።
ብቓል ሓቂ፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር፥ ብየማንን ብፀጋምን ኣእዳውና ኣፅዋር ፅድቂ ብምሓዝ፥
እምበኣር ጊዜ እንተለና፥ ንዅሉ ሰብ፥ ብሕልፊ እኳ፥ ነቶም ብእምነት ኣሕዋትና ዝኾኑ፥ ሰናይ ንግበር።
እቲ ነቲ ቓል ዝመሃር ከዓ፥ ካብቲ ዘለዎ ፅቡቕ ነገራት ምስቲ መምህሩ ይካፈሎ።
ኣገልገልቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾኑ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን፥ ናብቶም ኣብ ፊልጵስዩስ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ ዅሎም ቅዱሳን፥ ምስ ኤጲስ ቆጶሳትን ዲያቆናትን።
ኵልሻዕ ንኣኻትኩም ክዝክር እንተለኹ፥ ንኣምላኸይ አመስግኖ።
ንኣይ እትገብርዎ ኣገልግሎትኩም ምእንቲ ኽምልእ፥ ብዛዕባ ስራሕ ክርስቶስ፥ ነፍሱ ንሞት ኣሕሊፉ ኽሳዕ ምሃብ፥ በፂሑ ነይሩ እዩ እሞ።