Biblia Todo Logo
Online Bible

- Advertisements -




ፊልጵስዩስ 3:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 እዙይ ከዓ፥ ነቲ ኣብ ሕጊ ብምፍፃም ዝተመስረተ ናይ ባዕለይ ፅድቂ ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ንክርስቶስ ብምእማን ዝተመስረተ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነ ፅድቂ ንምርካብ እዩ።

See the chapter Copy




ፊልጵስዩስ 3:9
56 Cross References  

ኵሉ ኣብ ምድሪ ዝነብር ዝነበረ፥ ህይወት ዘለዎ ተደምሰሰ፤ ሰብን እንስሳን ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስ ለመምታን ኣዕዋፍ ሰማይን ካብ ምድሪ ጠፍኡ። ኖህ ጥራሕ ምስቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ተረፈ።


“ሰብ ኮይኑ ዘይብድል የለን እሞ፥ ህዝብኻ እንተ በደሉኻ፥ ንስኻ ድማ ተቘጢዕኻ ንፀላኢ ኣሕሊፍካ እንተ ሃብካዮም እሞ፥ ናብ ርሑቕ ኮነ ወይ ናብ ቀረባ ናብ ሃገር ፀላኢ ተማሪኾም እንተ ኸዱ፥


ግና ሕዝቅያስ፥ ልቡ ደኣ ተዓበየ እምበር፥ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ ውሬታ ኣይመለሰን፤ ስለዙይ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ቍጥዓ እግዚኣብሄር ነደደ።


እቶም ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ዝተገብረ ተኣምራት ክጥይቑ ናብኡ ዝተልኣኹ መሳፍንቲ ባቢሎን ምስ መፁ ግና፥ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽፍትኖ፥ ነቲ ኣብ ልቡ ዝነበረ ዅሉ ምእንቲ ኽፈልጥውን ሓደጎ።


ኵላቶም ዓመፁ፤ ሓቢሮምውን ረኸሱ፤ ሰናይ ዝገብር ሰብ የለን፤ ሓደ እኳ የለን። ጐረሮኦም ክፉት መቓብር እዩ፤ ብልሳኖምውን ይሽፍጡ። ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ መንደላይ ተመን ኣሎ፤ ኣፎም መርገምን መሪርን ዝተመልአ እዩ።


ኵሉ ህያው ኣብ ቅድሜኻ ፃድቕ ኣይኮነንሞ፥ ምስ ባርያኻ ናብ ፍርዲ ኣይትእቶ።


ንስሕተት ዘስተብህለላ መን እዩ? ካብ ዝተሰወረ ሓጢኣት ኣንፅሀኒ።


ሰናይ እናገበረ፥ ብዘይ ሓጢኣት ዝነብር ፃድቕ ሰብ ኣብ ምድሪ ኣይርከብን።


ፅድቀይ ኣቕርብ ኣለኹ፤ ንሱ ርሑቕ ኣይኮነን፥ ምድሓነይ ከዓ ኣይድንጕን እዩ፤ ድሕነት ኣብ ፅዮን፥ ክብረይ ድማ ንእስራኤል ክህብ እየ።”


ድሕሪ ድኻም ነፍሱ፥ ብርሃን ክርኢ፥ ደስውን ክብሎ እዩ፤ እቲ ፃድቕ ባርያይ፥ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ከፅድቕ፥ ሓጢኣቶም ድማ፥ ባዕሉ ኽፀውር እዩ።


ኵላትና ኸም ዝተበታተና ኣባጊዕ ጠፋእና፤ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መንገዱ ዘምበለ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንበደል ኵላትና፥ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበሮ።”


ሽዑ ድማ “ከናፍረይ ዝረኸሰ ሰብ እየ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ኸናፍሩ ዝረኸሰ ህዝቢ ኸዓ እነብር ኣለኹሞ፥ ንንጉስ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣዒንተይ ሪአናኦ እየን እሞ፥ ወይለይ ጠፋእኹ!” በልኩ።


ብዘመኑ ይሁዳ ኽድሕን፥ እስራኤል ድማ ብሰላም ክነብር እዩ፤ ዝፅወዐሉ ስምውን ‘እግዚኣብሄር ፅድቅና’ ዝብል እዩ።


በቲ ዘመን እቱይ ይሁዳ ኽድሕን እዩ፤ ኢየሩሳሌምውን ብህድኣት ክትነብር እያ፤ መፀውዒ ስማ ድማ ‘እግዚኣብሄር ፅድቅና’ ዝብል ይኸውን።


“ንዓመፅ መወዳእታ ኽግበሮ፥ ሓጢኣት ክፍፀም፥ በደል ንምስትስራይ፥ ዘለኣለማዊ ፅድቂ ኽመፅእ፥ ራእይን ትንቢትን ክሕተም፥ ቅዱሰ ቅዱሳን ድማ ኽቕባእስ፥ ኣብ ህዝብኻን ኣብታ ቕድስቲ ኸተማን፥ ሰብዓ ሱባዔ ተመዲቡ ኣሎ።


‘ምሕረት ደኣ እምበር፥ መስዋእቲ ኣይኮንኩን ዝደሊ’ ዝብል እንታይ ምዃኑ ኺዱ መርሚርኩም ፍለጡ። ኣነ ንሓጥኣን ናብ ንስሃ ኽፅውዕ እምበር፥ ንፃድቃን ክፅውዕ ኣይመፃእኹን” በሎም።


ከምቲ ፅሑፍ “ፃድቕ ብእምነት እዩ ዝነብር” ዝብሎ፥ እቲ ፅድቂ እግዚኣብሄርውን፥ ካብ እምነት ናብ እምነት ብእኡ እዩ ዝገሃድ።


ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይፀድቕ፤ ብኣፉ መስኪሩውን ይድሕን እዩ እሞ።


ነቶም ኣብ ሃዋርያት ፍሉጣት፥ ቅድመይ ድማ ብክርስቶስ ዝኣመኑ፥ ምሳይውን ተኣሲሮም ንዝነበሩ ኣዝማደይ ኣንድራኒቆንን ዩልያንን፥ ሰላም በሉለይ።


ስለዙይ፥ ከምቲ ሓጢኣት ሞት ብምምፃእ ዝነገሰ፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ከዓ ኸምኡ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና፥ ብፅድቂ ንዘለኣለም ህይወት ክነግስ እዩ።


እምበኣር ሕዚ፥ ነቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ፥ ኵነኔ የብሎምን።


ብስጋ ስለ ዝደኸመ፥ ሕጊ ኽገብሮ ዘይከኣለ፥ እግዚኣብሄር ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን ክኸውን ልኢኹ፥ ነቲ ሓጢኣት ብስጋኡ ዀነኖ።


ግናኸ “እቲ ዝምካሕ፥ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ካብ እግዚኣብሄር ጥበብን፥ ፅድቅን፥ ቅድስናን፥ ቤዛን ዝዀነልና፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኢኹም ዘለኹም።


ስለዙይ ሓደኳ ብክርስቶስ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፤ እቲ ብሉይ ሓሊፉ፥ እንሆ ዅሉ ሓድሽ ኮይኑ እዩ።


ንሕና ብክርስቶስ፥ ተኻፈልቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽንከውን፥ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ንእኡ ከም ሓጢኣት ገበሮ።


ሰብ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እምበር፥ ሕጊ ብምፍፃም ከም ዘይፀድቕ ከዓ ንፈልጥ ኢና፤ ንሕናውን ሕጊ ብምፍፃም ዘይኮነስ፥ ንክርስቶስ ብምእማን ምእንቲ ኽንፀድቕ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣመንና፤ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ ሰብ የለንሞ።


ንቓል እዝ ሕጊ እዙይ ክፍፅሞ ኢሉ ዘየፅንዖ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል።


ንቕንኢ ሃይማኖት ብዝምልከት፥ ኣሳጓጒ ቤተ ክርስቲያን፥ ሕጊ ብምፍፃም ንዝርከብ ፅድቂ ኸዓ፥ ነቐፌታ ዘይብለይ እየ።


ንሱ ብግብርና ዘይኮነስ፥ ብፍቓዱን፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ዘመናት ዝተውሃበና ፀጋን፥ ኣድሓነና፤ ብቕዱስ ፅውዓውን ፀውዐና።


ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ፅድቂ ዘይኮነስ፥ ብምሕረቱ፥ በቲ ኻልኣይ ልደት ዝህብ ምሕፃብን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን ኣድሓነና።


እምበኣር ንሕና በዘን ክልተ ዘይልወጣ ነገራት፥ ማለት ተስፋኡን ማሕላኡን፥ እግዚኣብሄር ከዓ ብኣኣተን ክሕሱ ዘይከኣሎ፥ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምውራስ፥ ናብኡ ተማዕቚብና ዘለና፥ ብርቱዕ ምፅንናዕ ክንረክብ ኢና።


ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና። ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተ ሃልዩ ግና፥ ንሱ ንዅለንተናኡ ኽመልኽ ዝኽእል፥ ፍፁም ሰብ እዩ።


ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልጋልን ሃዋርያን ካብ ዝኾነ ስምኦን ጴጥሮስ፥ ናብቶም ብናይ እግዚኣብሄርን፥ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ፅድቂ፥ ከማና ኽብርቲ እምነት ዝተቐበሉ፥


ኵሉ ሓጢኣት ዝገብር፥ ዓመፅ ይገብር፤ ሓጢኣት ድማ፥ ዓመፅ እዩ።


Follow us:

Advertisements


Advertisements