Biblia Todo Logo
Online Bible

- Advertisements -




ፊልጵስዩስ 3:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 እወ፥ ምእንቲ እቲ ማዕረ ዘይብሉ፥ ፍልጠት ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ነገር ከም ከንቱ ቘፀርክዎ። ምእንታኡ ኽብል፥ ኵሉ እስእን ኣለኹ። ንእኡ ኽረክብን ምስኡ ክኸውንን ከዓ፥ ንዅሉ ኸም ጐሓፍ እቘፅሮ ኣለኹ።

See the chapter Copy




ፊልጵስዩስ 3:8
53 Cross References  

“ስለዙይ እንሆ፥ ንቤት ኢዮርብዓም ክፉእ ከምፅአላ እየ፤ ኣብ እስራኤል ዘሎ እሱር ኮነ ፍቱሕ ኵሉ ተባዕታይ ዝኾነ ኸጥፍእ እየ። ድዅዒ ኽሳዕ ዝጠፍእ ከም ዝዅስተር ገይረ ኸዓ ንገዛኻ፥ ፈፂማ ኽሳዕ እትጠፍእ ክዅስትራ እየ።


ሬሳ ኤልዛቤል ድማ እዚኣስ ኤልዛቤል እያ ኢሉ ዘለልያ ኽሳዕ ዘይርከብ ኣብ ልዕሊ ግራት ኢይዝራኤል ከም ድዅዒ ክኸውን እዩ።”


ከም ፋንድያ ንሓዋሩ ይጠፍእ፤ እቶም ዝረአይዎ ‘ኣበይ ኣሎ’ ኽብሉ እዮም።


እንትኸዱ ዘርኦም ተሸኪሞም እናበኸዩ ወፈሩ፥ እንትምለሱ ግና እንዳእቶም ተሰኪሞም እናተሓጐሱ ይመፁ።


ኣብ ሰማይ ብዘይ ንስኻ መን ኣለኒ? ኣብ ምድሪኸ እንትርፊ ንኣኻ ዝደልዮ እንታይ ኣለኒ?


ድሕሪ ድኻም ነፍሱ፥ ብርሃን ክርኢ፥ ደስውን ክብሎ እዩ፤ እቲ ፃድቕ ባርያይ፥ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ከፅድቕ፥ ሓጢኣቶም ድማ፥ ባዕሉ ኽፀውር እዩ።


ንቕልፅምኩም ክግስፆ እየ፤ ነቲ ፋንዲያ መስዋእትኹም፥ ኣብ ገፅኩም ክብትኖ እየ፤ ምስኡውን ክትውገዱ ኢኹም።


ናብታ ኢደይ ኣልዒለ ‘ናብኣ ኸእትወኩም እየ’ ኢለ ዝመሓልኩልኩም ምድሪ፥ እንትርፊ ካሌብ ወዲ ዮፎኒን ኢያሱ ወዲ ነዌን ንስኻትኩም ኣይትኣትዉን ኢኹም።


እኖ ጐይታይ ናባይ ክትመፂኸ፥ እዙይ ይግብአኒ ድዩ?


ኣነ ንኣጋንንቲ፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ዘውፅኦም ካብ ኮንኩ ግና፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ናባኻትኩም መፂኣ እያ።


በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣነ ኣብ ኣቦይ፥ ንስኻትኩም ከዓ ኣባይ፥ ኣነውን ኣባኻትኩም ከም ዘለኹ፥ ክትፈልጡ ኢኹም።


ንኣይ ፈሊጥኩምኒ እንተ እትኾኑስ፥ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም፤ ካብ ሕዚ ግና፥ ፈሊጥኩምዎን ርኢኹምዎን ኣለኹም።”


እዝ ዅሉ ዝገብሩኹም፥ ነቦይ ኮነ ንኣይ፥ ስለ ዘይፈለጡ እዮም።


ናይ ዘለኣለም ህይወት ከዓ፥ በይንኻ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ንዝኾንካን፥ ንዝለኣኽካዮ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ምፍላጥ እዩ።


እቲ ዝሃብካኒ ቓል ሃብኩዎም፤ ንሳቶምውን ተቐበልዎ። ኣነ ኻባኻ ኸም ዝመፃእኹ ድማ ብሓቂ ፈለጡ፤ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒውን ኣመኑ።


ንሳቶም ድማ “ኣቲ ሰበይቲ ንምንታይ ትበኽዪ ኣለኺ?” በልዋ፤ ንሳ ድማ “ንጐይታይ ወሲዶምዎ፤ ኣበይ ከም ዘንበርዎውን ኣይፈልጥን” በለቶም።


ቶማስ ከዓ መሊሱ “ጐይታይን፥ ኣምላኸይን!” በሎ።


ኣነ ግና ፀጋ እግዚኣብሄር ዝኾነ ወንጌል ንኽምስክርን ካብ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተውሃበኒ ልእኽቶይን ጕያይን ክሳዕ ዝፍፅም፥ ንህይወተይ ኣየናሕስየላን፤ ከም ክብርቲ ገይረውን ኣይሪኣን እየ።”


ስቓይ እዝ ዘመን እዙይ፥ ምስቲ ኣባና ኽግለፅ ዝመፅእ ዘሎ ኽብሪ እንትነፃፀር፥ ከም ዘይመጣጠን እቘፅሮ ኣለኹ።


ላዕለዋይ ኮነ ታሕተዋይ፥ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ኾነ፥ ካብቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ፍቕሪ እግዚኣብሄር፥ ከቶ ኽፈልየና ዝኽእል ከም ዘየለ፥ ተረዲአ ኣለኹ።


ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ እንትርፊ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንሱውን እቲ ዝተሰቕለ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካልእ ከይፈልጥ ወሲነ ነይረ እየሞ።


ብሱሩኸ ምእንታናዶ ኣይኮነን ዝዛረብ ዘሎ? እቲ ዝሓርስ፥ ምእንቲ ብተስፋ ኽሓርስ፥ እቲ ዘኽይድውን፥ ምእንቲ ብተስፋ ከኽይድ፥ ገግደኦም ክረኽቡ ዝግብኦም ስለ ዝኾነ፥ ምእንታና እዩ ዝተፅሓፈ።


ንኣኣቶም ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ዝኾነ ሰይጣን፥ ብርሃን ወንጌል ምእንቲ ኸይሪኡ፥ ንልቢ እቶም ዘይኣምኑ ኣዕወሮ። እዝ ብርሃንዙይ ከዓ፥ ክብሪ ናይቲ ኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝኾነ ክርስቶስ እዩ።


እቲ “ኣብ ፀልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኣብ ገፅ ክርስቶስ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ዘንፀባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኽህበና፥ ኣብ ልብና ኸም ዝበርህ ገይሩ እዩሞ።


ኣብ ኣህዛብ ብዛዕባኡ ምእንቲ ኽሰብኽ፥ ንወዱ ኽገልፀለይ ምስ ፈተወ ግና፥ ምስ ስጋን ደምን ኣይተማኸርኩን።


ንሕና ኸዓ ዅልና ብእምነት ሓደ ዄንና፥ ንወዲ እግዚኣብሄር ፈሊጥና ምሉእ ሰብ ብምዃን፥ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ፍፁምነት ክሳዕ እንበፅሕ እዩ።


ኣገልገልቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾኑ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን፥ ናብቶም ኣብ ፊልጵስዩስ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ ዅሎም ቅዱሳን፥ ምስ ኤጲስ ቆጶሳትን ዲያቆናትን።


ከምኡ ኸዓ ንክርስቶስን፥ ንሓይሊ ትንሳኤኡን ክፈልጥ፥ ኣብ መከራኡ ኽካፈል፥ ብሞቱውን ንእኡ ኽመስሎ እሞ፥


ነዝ ዅሉ ድሮ ረኺበዮ፥ ወይ ድማ ቅድሚ ሕዚ ፍፁም ኮይነ እየ ማለተይ ኣይኮነን። ግና ክርስቶስ ኢየሱስ ናቱ ስለ ዝገበረኒ፥ ኣነ ድማ ነዝ ዅሉ፥ ናተይ ክገብሮ ኢለ እፅዕር ኣለኹ።


እንተ ኾነ፥ ነዝ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ፥ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ዋጋ ኸም ዘይብሉ ቘፀርክዎ።


ኣነስ ድሮ ሰማዕት ክኸውን ቐሪበ ኣለኹ፤ መዓልቲ ሕልፈተይ በፂሓ እያ።


ነታ መጀመርታ እምነትና ኽሳዕ መወዳእታ ኣፅኒዕና እንተ ሒዝናያ፥ መዋርስቲ ክርስቶስ ንኸውን።


እምበኣር ንእትኣምኑ ንኣኻትኩም ክቡር እዩ። ነቶም ዘይኣምኑ ግና፥ እቲ “ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ”


በቲ ንእግዚኣብሄርን፥ ንጐይታና ኢየሱስን ብዘለኩም ፍልጠት፥ ፀጋን ሰላምን ይብዝሐልኩም።


ነቲ ብኽብሩን ሕያዋይነቱን ዝፀውዐና፥ ንእኡ ብምፍላጥና መለኮታዊ ሓይሉ፥ ንህይወትን ንመንፈሳዊነትን፥ ኵሉ ዘድልየና ሂቡና ኣሎ።


እዞም ነገራት እዚኣቶም እንተ ሃልዮምኹም፥ እናዓበዩውን እንተ ኸይዶም፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከፍልጡኹም እዮም። ሃካያትን ዘየፍርዩውን ኣይትኾኑን ኢኹም።


ግና ብናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ፀጋን ፍልጠትን ዕብዩ። ንእኡ፥ ሕዝን ንዘለኣለመ ኣለምን፥ ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።


ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኽህልወኩም፥ ነቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን፥ ንኣኻትኩም ንነግረኩም ኣለና። ሕብረትናውን፥ ምስ ኣብን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን እዩ።


ንሳቶም ካባና እዮም ወፂኦም፤ ግና ኻባና ኣይነበሩን። ካባና ነይሮም እንተ ዝኾኑ፥ ምሳና ምነበሩ ነይሮም። ግና ኻባና ኸም ዘይኮኑ ምእንቲ ኽገሃድ ወፁ።


ወዲ እግዚኣብሄር ከም ዝመፀን፥ ነቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ዝኾነ ምእንቲ ኽንፈልጦ ኢሉ፥ ምስትውዓል ከም ዝሃበናን ንፈልጥ ኢና። ንሕና ብወዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ዝኾነ ኢና ዘለና። ንሱ፥ እቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ።


Follow us:

Advertisements


Advertisements