Biblia Todo Logo
Online Bible

- Advertisements -




ፊልጵስዩስ 3:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ካብ ኣኽላባት ተጠንቀቑ፤ ካብ ገበርቲ ኽፉእ ተጠንቀቑ፤ ግሩዛት ኢና ኻብ ዝብሉ ተጠንቀቑ።

See the chapter Copy




ፊልጵስዩስ 3:2
31 Cross References  

ትእዛዛት ኣምላኸይ ክደልስ፥ ኣቱም ዓመፀኛታት ካባይ ረሓቑ።


ብዙሓት ኣኽላባት ከቢቦምኒ እዮም እሞ፥ ማሕበር ክፉኣትውን ሓዙኒ፤ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ሸንከሩኒ።


ንነፍሰይ ካብ ሰይፊ ኣድሕና፤ ንብሕትነተይውን ካብ ኢድ ኣኽላባት ኣናግፋ።


ከልቢ ናብ ትፋኡ ኸም ዝምለስ፥ ሰነፍ ከምኡ ንስንፍናኡ ይደጋግሞ።


ሽዑ ብዙሓት እምነቶም ብምኽሓድ፥ ንስንሳቶም ኣሕሊፎም ክወሃሃቡን ክፃልኡን እዮም።


“ውሽጣቶም መንጠልቲ ተዃሉ እናሃለዉ፥ ኣባጊዕ መሲሎም ካብ ዝመፁኹም ሓሰውቲ ነቢያት ተጠንቀቑ።


“ተመሊሶም ከይነኽስኹም፥ ዝተቐደሰ ነገር ነኽላባት ኣይትሃቡ፤ በእጋሮም ከይረግፅዎ ድማ፥ ዕንቍኹም ኣብ ቅድሚ ሓሰማታት ኣይትደርብዩ።”


ብዝረአ ኣይሁዳዊ ምዃን፥ ኣይሁዳዊ ኣይትገብርን እያ፤ እታ ብዝረአ ኣብ ስጋ እትግበር ግርዘትውን፥ ግርዘት ኣይኮነትን።


ከምዚኣቶም ዝበሉ፥ ንባዕላቶም ናይ ክርስቶስ ሃዋርያት ከም ዝኾኑ ኣምሲሎም፥ ብምጥባር ዝሰርሑ፥ ሓሰውቲ ሃዋርያት እዮም።


ኣሕዋተይ፥ ንስኻትኩም ሓራ ኽትኮኑ ኢኹም ዝተፀዋዕኹም፤ ግና ሓርነትኩም ንስጋ ምኽንያት ኣይሃብ፤ ግና ንስንሳትኩም፥ ብፍቕሪ ከም ባሮት ኮኑ።


ንስንሳትኩም እንተ ተናኸስኩምን፥ እንተ ተባላዕኹምን ግና፥ ከይትዋድኡ ተጠንቀቑ።


ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኴንካ፥ እታ ብፍቕሪ እትሰርሕ እምነት እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ፥ ጥቕሚ የብሉን እሞ።


መወዳእታኦም ግና ጥፍኣት እዩ፤ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፤ ክብረቶም በቲ ነውሮም እዩ፤ ሓሳቦም ከዓ ምድራዊ እዩ።


ንሕና ብመንፈስ ንእግዚኣብሄር እነምልኽ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ እንምካሕ፥ ብስጋውን ዘይንእመን፥ ንሕና ኢና ብሓቂ ግሩዛት።


እምነትን ንፁህ ሕሊናን ይሃሉኻ። ገሊኣቶም ሰባት፥ ንሕሊናኣቶም ብዘይምእዛዝ፥ ከምታ ብማዕበል እትጠፍእ መርከብ፥ ንእምነቶም ኣጥፊኦምዋ እዮም እሞ።


“ንእግዚኣብሄር ንፈልጦ ኢና” ይብሉ፤ ብተግባሮም ግና ይኽሕድዎ፤ ዘፀይፉን ዘይእዙዛትን፥ ሰናይ ንምስራሕ ዘይበቕዑን እዮም።


እዙይ ከዓ እቲ “ከልቢ ናብ ትፋኡ ተመለሰ” ኸምኡ ኸዓ “ሓሰማ ተሓፂባ፥ ኣብ ፀብሪ ኣንገርገረት” ዝብል ምስላ ሓቂ፥ ኣብኣቶም በፅሐ።


ፍርዲ ኸም ዝቕበሉ ቐደም ዝተፅሓፈሎም፥ ሓድሓደ ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘይብሎም ሰባት፥ ኣብ ማእኸልኩም ሸሊኾም ኣትዮም ኣለዉ። ንሳቶም፥ ነቲ ብእግዚኣብሄር ዝተውሃበና፥ ናይ ፀጋ መልእኽቲ፥ ርኽሰት ክገብሩ ንዝልውጥዎን፥ ነቲ ሓደ በይኑ ንጉስናን ጐይታናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ዝኽሕድዎን እዮም።


መከራኻን ድኽነትካን እፈልጥ እየ፤ ግና ሃብታም ኢኻ። ካብቶም ኣይሁድ ኢና ዝብሉ፥ ግና ማሕበር ሰይጣን እምበር ኣይሁድ ዘይኮኑ፥ ፀርፊ ኸም ዝተቐበልካውን እፈልጥ እየ።


እቶም ፈራሓትን፥ ዘይኣምኑን፥ ርኹሳትን፥ ቀተልቲ ሰብን፥ ኣመንዝራታትን፥ ጠንቈልትን፥ መምለኽቲ ጣዖትን፥ ኵሎም ሓሰውትን ግና፥ ክፍሎም ኣብቲ ብሓዊን ዲንን ዝነድድ ቃላይ እዩ፤ እዙይ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ” በለኒ።


እቶም ኣኽላባት ዝኾኑ፥ ጠንቈልቲ፥ ኣመንዝራታት፥ ቀተልቲ ሰብ፥ መምለኽቲ ጣዖት፥ ሓሰት ዝፈትዉን ዝገብሩን ኵሎም ግና፥ ካብታ ኸተማ ወፃኢ ክኾኑ እዮም።


እንሆ፥ ካብቶም ማሕበር ሰይጣን ዝኾኑ፥ ኣይሁድ እንተይኮኑ፥ ሓስዮም “ኣይሁድ ኢና” ዝብሉ፥ መፂኦም ኣብ እግርኻ ወዲቖም፥ ከም ዝሰግዱልካ ኽገብሮም እየ። ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ከፍልጦም እየ።


Follow us:

Advertisements


Advertisements