Biblia Todo Logo
Online Bible

- Advertisements -




ፊልጵስዩስ 3:16 - መፅሓፍ ቅዱስ

16 ሕዚ ግና በቲ በፂሕናዮ ዘለና፥ ብእኡ ፀኒዕና ንንበር።

See the chapter Copy




ፊልጵስዩስ 3:16
14 Cross References  

ንስንሳትኩም ብሓደ ሓሳብ ተስማምዑ፤ ናይ ትዕቢት ነገር ኣይትሕሰቡ፤ ግና ናይ ትሕትና ነገራት ንምስራሕ ትግሁ፤ ፈላጣት ኢና ኢልኩም ኣይትሕሰቡ።


ሓቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም፥ ከምቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቦ ንዝኾነ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽተኽብሩ፥ እቲ ናይ ትዕግስትን ምፅንናዕን ኣምላኽ፥ ኣብ ንስንሳትኩም፥ ከምቲ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ጌርኩም፥ ሓደ ሓሳብ ከም እትሓስቡ ይግበርኩም።


ቅድም ፅቡቕ ትጐዩ ኔርኩም፤ ንሓቂ ኸይትእዘዝዋ ደኣ መን ኣዐንቀፈኩም?


ኣብቶም በዛ መምርሒ እዚኣ ዝነብሩ ዅሎምን፥ ኣብቶም ናይ እግዚኣብሄር እስራኤልን፥ ሰላምን ምሕረትን ይኹን።


ክሪአኩም እንተ መፃእኹ ወይ ኣብ ርሑቕ እንተለኹ፥ ብሓደ መንፈስ ፀኒዕኹም፥ ምእንቲ እምነት ወንጌል፥ ብሓደ ልቢ ትጋደሉ ምህላውኩም ምእንቲ ኽሰምዕ፥ ኣካይዳኹም ንወንጌል ክርስቶስ ዝበቅዕ ይኹን።


ብሓንቲ ሓሳብ ብምስምማዕ፥ ብሓንቲ ፍቕሪ፥ ብሓደ ልቢ ብምስራሕ፥ ንሓጐሰይ ምሉእ ግበሩለይ።


ንኤዎድያንን ንስንጤኪንን፥ ብጐይታ ብሓደ ሓሳብ ምእንቲ ኽሰማምዓ እምዕደን ኣለኹ።


እምበኣር ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ተቐበልኩምዎ፥ ብእኡ ንበሩ፤


ፀሎት ኣዘውትሩ፤ ኣብ ፀሎትኩም ከዓ፥ ንቑሓትን መመስገንትን ኩኑ።


ደጊም ከመይ ከም ዝተቐበልካን፥ ከም ዝሰማዕኻን ዘክር፤ ሓልዎ፤ ተነሳህውን። እንተ ዘይነቒሕኻ ግና፥ ከም ሰራቒ ኽመፀካ እየ፤ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመፀካውን፥ ኣይትፈልጥን ኢኻ።


Follow us:

Advertisements


Advertisements