12 ነዝ ዅሉ ድሮ ረኺበዮ፥ ወይ ድማ ቅድሚ ሕዚ ፍፁም ኮይነ እየ ማለተይ ኣይኮነን። ግና ክርስቶስ ኢየሱስ ናቱ ስለ ዝገበረኒ፥ ኣነ ድማ ነዝ ዅሉ፥ ናተይ ክገብሮ ኢለ እፅዕር ኣለኹ።
እቲ ፃድቕ ኣብ መንገዱ ኽፀንዕ፥ እቲ ኣእዳዉ ንፁህ ዝኾነ ድማ፥ ሓይሊ እናወሰኸ ክኸይድ እዩ።
ስርዓታትካ ንኽሕሉ፥ መንገድታተይ ክቐንዐለይ ምፈተኹ ነይረ።
እግዚኣብሄር ክፈድየለይ እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ ምሕረትካውን ንዘለኣለም እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ ንተግባር ኣእዳውካውን ሸለል ኣይትበል።
ዋልያ ናብ ዓይኒ ማያት ከም ዝናፍቕ፥ ኦ ጐይታ ኸምኡ ነፍሰይ ናባኻ ትናፍቕ ኣላ።
ነፍሰይ ደድሕሬኻ ተኸተለት፤ ነኣይውን የማነይትኻ ተቐበለትኒ።
ነፍሰይ ንዓፀድ እግዚኣብሄር ትፈቱን ሃረር ትብልን ኣላ፤ ልበይን ስጋይን ብህያው እግዚኣብሄር ተሓጐሰ።
ፍርዲ ናብ ፅድቂ ኽሳዕ ዝምለስ፥ ኵሎም ቅኑዓት ልቢ ክኽተልዎ እዮም።
መንገዲ ፃድቃን ግና ኸም ብርሃን ወጋሕታ እያ፤ ምሉእ መዓልቲ ኽሳዕ ዝኸውን ከዓ፥ እናወሰኸት ትበርህ።
“ኣቱም ንፅድቂ እትኽተሉ፥ ንእግዚኣብሄር ከዓ እትደልዩዎ ስምዑኒ። ናብቲ ዝተቘረፅኩምሉ እምንን፥ ናብቲ ዝተዅዓትኩሙሉ ጕድጓድን ተመልከቱ።
ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ፤ ብዝበለፀ ኽንፈልጦ ድማ ንከተሎ። ንሱ ብርግፅ ከም ወጋሕታ ተዳልዩ ኽንረኽቦ ኢና፤ ከምቲ ንምድሪ ዘጥልል ዝናም ፅብሓት፥ ከም ዝናም ክረምትውን ናባና ኽመፅእ እዩ።”
“እምበኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ፍፁም ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን ፍፁማን ኩኑ።”
ጐይታ ግና “ኪድ ደኣ፥ እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ነገስታትን ህዝቢ እስራኤልን፥ ስመይ ክፀውር ዘለዎ፥ ናተይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ።
ላዕለዋይ ኮነ ታሕተዋይ፥ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ኾነ፥ ካብቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ፍቕሪ እግዚኣብሄር፥ ከቶ ኽፈልየና ዝኽእል ከም ዘየለ፥ ተረዲአ ኣለኹ።
ግና እቲ ፍፁም ዝኾነ ምስ መፀ፥ እቲ ጐደሎ ኽሰዓር እዩ።
ሕዝስ ከም ብመስትያት ብፅልግልግ ንርኢ ኣለና፤ ሽዑ ግና፥ ገፅ ንገፅ ክንርኢ ኢና። ሕዚ ፍልጠተይ ጐደሎ እዩ፤ ሽዑ ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኣይ ዝፈልጠኒ፥ ፍልጠተይ ምሉእ ክኸውን እዩ።
ኣብ ሜዳ ቕድድም ኵላቶም ከም ዝጐዩ፥ ነታ ሽልማት ዝወስዳ ግና፥ ሓደ ጥራሕ ከም ዝኾነዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ንስኻትኩምውን ምእንቲ ኽትረኽቡ፥ ከምኡ ጕየዩ።
ከምኡውን ንሕና ደኺምና፥ ንስኻትኩም እንተ ጠንኪርኩም ኢና እንሕጐስ። ፀሎትናውን፥ ንስኻትኩም ፍፁማን ምእንቲ ኽትኮኑ እዩ።
እምበኣርከስ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ እዝ ዅሉ ተስፋ እዙይ ካብ ሃለወናስ፥ ካብቲ ዅሉ ስጋን መንፈስን ዘርክስ፥ ርእስና ነንፅህ። ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ፥ ቅድስናና ፍፁም ንግበሮ።
ትምኒት ስጋ፥ ምስ መንፈስ መፃርርቲ እዩ፤ መንፈስ ከዓ፥ ምስ ድልየት ስጋ መፃርርቲ እዩ። ስለዙይ ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፥ ክልቲኦም መፃርርቲ እዮም።
ኣብ ቅድሚኡ ቕዱሳንን፥ ነውሪ ዘይብልናን ምእንቲ ኽንከውን፥ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፥ ብክርስቶስ ሓረየና።
እዙይ ከዓ፥ እታ ሰብነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኽትህነፅ፥ እቶም ቅዱሳንውን ኣብ ኣገልግሎቶም ፍፁማን ምእንቲ ክኾኑ፥
ኣገልገልቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾኑ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን፥ ናብቶም ኣብ ፊልጵስዩስ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ ዅሎም ቅዱሳን፥ ምስ ኤጲስ ቆጶሳትን ዲያቆናትን።
ሕዚ ግና በቲ በፂሕናዮ ዘለና፥ ብእኡ ፀኒዕና ንንበር።
ንሕና ብመንፈስ ንእግዚኣብሄር እነምልኽ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ እንምካሕ፥ ብስጋውን ዘይንእመን፥ ንሕና ኢና ብሓቂ ግሩዛት።
እወ፥ ምእንቲ እቲ ማዕረ ዘይብሉ፥ ፍልጠት ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ነገር ከም ከንቱ ቘፀርክዎ። ምእንታኡ ኽብል፥ ኵሉ እስእን ኣለኹ። ንእኡ ኽረክብን ምስኡ ክኸውንን ከዓ፥ ንዅሉ ኸም ጐሓፍ እቘፅሮ ኣለኹ።
ሓደኳ ነቲ ኽፉእ ዝገበሮ፥ ብኽፉእ ከይፈድዮ ተጠንቀቑ፤ ግና ዅልሻዕ፥ ንስንሳትኩም ኮነ፥ ምስ ኵሉ ሰብ፥ ሰናይ ንምግባር ፀዓሩ።
ኣቱም ጐይታ ዘፍቅረኩም ኣሕዋትና፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐዲስኩምን፥ ነቲ ሓቂ ኣሚንኩምን፥ ምእንቲ ኽትድሕኑ፥ ካብ መጀመርታ ስለ ዝሓረየኩም፥ ንሕና ብዛዕባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ ክነመስግኖ፥ ግቡእና እዩ።
በዝ መንገዲ እዙይ፥ ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኽረኽቡ፥ ኣብታ እትመፅእ ዓለም፥ ፅኑዕ መሰረት ምእንቲ ክኾኖም፥ ንርእሶም ሃብቲ ኽእክቡ እዮም።
ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ፤ ብዘይ ቅድስና፥ ሓደኳ ንእግዚኣብሄር ዝሪኦ የለን እሞ፥ ቅዱሳን ክትኮኑ ፀዓሩ።
ናብታ በቶም ኣብ ሰማያት ስሞም ዝተፅሓፈ፥ በዅሪ ዝኾኑ ዝቖመት ቤተ ክርስቲያንን፥ ናብቲ ንዅሉ ዝፈርድ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ነፍሳት እቶም ፍፁማን ዝኾኑ ፃድቃንን፥ በፂሕኹም ኢኹም።
ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ ቅድሚኡ ደስ ዘብሎ ኣባኻትኩም እናገበረ፥ ፍቓዱ ምእንቲ ኽትፍፅሙ፥ ብዅሉ ሰናይ ግብሪ ፍፁማን ይግበርኩም። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና። ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተ ሃልዩ ግና፥ ንሱ ንዅለንተናኡ ኽመልኽ ዝኽእል፥ ፍፁም ሰብ እዩ።
ናብ ዘለኣለም ክብሩ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝፀውዐኩም፥ ኣምላክ ናይ ኵሉ ፀጋ፥ ቁሩብ ጊዜ መከራ ምስ ተቐበልኩም፥ ንሱ ኽፍፅመልኩም፥ ከፅንዐኩም፥ ከበርትዐኩም፥ ክምስርተኩምውን እዩ።
ግና ብናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ፀጋን ፍልጠትን ዕብዩ። ንእኡ፥ ሕዝን ንዘለኣለመ ኣለምን፥ ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።