Biblia Todo Logo
Online Bible

- Advertisements -




ፊልጵስዩስ 3:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 ከምኡ ኸዓ ንክርስቶስን፥ ንሓይሊ ትንሳኤኡን ክፈልጥ፥ ኣብ መከራኡ ኽካፈል፥ ብሞቱውን ንእኡ ኽመስሎ እሞ፥

See the chapter Copy




ፊልጵስዩስ 3:10
34 Cross References  

እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ጥበበኛ ብጥበቡ ኣይመካሕ፤ ሓያልውን ብሓይሉ ኣይመካሕ፤ ሃብታምውን ብሃብቱ ኣይመካሕ።


ኢየሱስ ከዓ “ፅዋዐይስ ክትሰትዩ ኢኹም፤ ኣብ የማነይን ፀጋመይን ምቕማጥ ግና፥ ነቶም ሰማያዊ ኣቦይ ዘዳለወሎም እዩ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝህብ” በሎም።


ባዕለይ እየ ቤዛ ኣሕሊፈ ዝህባ እምበር፥ ካባይ ዝወስዳስ ሓደኳ የለን፤ ቤዛ ኸሕልፋ፥ መሊሰውን ክወስዳ ስልጣን ኣለኒ፤ ነዝ ትእዛዝ እዙይ፥ ካብ ኣቦይ እየ ዝተቐበልክዎ።”


ናይ ዘለኣለም ህይወት ከዓ፥ በይንኻ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ንዝኾንካን፥ ንዝለኣኽካዮ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ምፍላጥ እዩ።


እምበኣር ውሉድ እግዚኣብሄር ካብ ኮንና፥ ወረስቲ እግዚኣብሄር ኢና፤ ንእግዚኣብሄር ወረስቱ ኻብ ኮንና ኸዓ፥ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ መከራ እንተ ተቐቢልና፥ ምስኡውን ክንከብር ኢና።


ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋት በዅሮም ምእንቲ ክኸውን፥ ነቶም ኣቐዲሙ ዝሓረዮም፥ ንምስሊ ወዱ ኽመስሉ ኣቐዲሙ መደቦም።


ንሱ ንሞት ካብ ዘብፅሕ ሓደጋ ኣድሒኑና እዩ፤ ከድሕነና ድማ እዩ፤ ንዳሕራይውን ከም ዘድሕነና፥ ብእኡ ተስፋ ንገብር ኣለና።


ከምቲ ናይ ክርስቶስ መከራ ኣባና ዝበዝሕ፥ ከምኡ ድማ ብክርስቶስ ምፅንናዕና ኽበዝሕ እዩ።


ብርግፅ ክርስቶስ ብድኻም እዩ ተሰቒሉ፤ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ግና፥ ህያው ኮይኑ ይነብር ኣሎ። ንሕናውን ተኻፈልቲ ድኻሙ ኢና፤ ኣብ ማእኸልኩም ክንሰርሕ እንተለና ግና፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር፥ ህያዋን ኴንና ኽንነብር ኢና።


ኣነ ምስ ክርስቶስ ተሰቒለ ኣለኹ፤ ደጊም ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዝነብር ዘሎ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘለኹ፤ እዝ ሕዚ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ድማ፥ በቲ ዘፍቀረኒ፥ ምእንታይ ከዓ ንባዕሉ ቤዛ ዝሃበ ወዲ እግዚኣብሄር ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ።


ኣነስ ምልክት መከራ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ ሰብነተይ እፀውር ኣለኹ እሞ፥ ድሕሪ ሕዚ ሓደኳ ኣየትክረኒ።


ንሕና ኸዓ ዅልና ብእምነት ሓደ ዄንና፥ ንወዲ እግዚኣብሄር ፈሊጥና ምሉእ ሰብ ብምዃን፥ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ፍፁምነት ክሳዕ እንበፅሕ እዩ።


እወ፥ ምእንቲ እቲ ማዕረ ዘይብሉ፥ ፍልጠት ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ነገር ከም ከንቱ ቘፀርክዎ። ምእንታኡ ኽብል፥ ኵሉ እስእን ኣለኹ። ንእኡ ኽረክብን ምስኡ ክኸውንን ከዓ፥ ንዅሉ ኸም ጐሓፍ እቘፅሮ ኣለኹ።


ሕዚ ኸዓ ምእንታኻትኩም መከራ ብምቕባለይ እሕጐስ ኣለኹ። ምእንቲ እታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ነቲ ኻብ ክርስቶስ መከራ ዝተረፈ፥ ብስጋይ እምልእ ኣለኹ።


እግዚኣብሄር ንኵሉ ሓጢኣትኩም ይቕረ ብምባል፥ ንኣኻትኩምውን ብበደልኩም በቲ ዘይተገረዘ ሓጢኣተኛ ስጋኹም ሞይትኩም ንዝነበርኩም፥ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረኩም።


እምበኣር ምስ ክርስቶስ፥ ካብ ሞት ተሲእኹም እንተ ደኣ ዄንኹም፥ ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ተቐሚጥዎ ዘሎ፥ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ።


ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ብምትሳኡ ህያው ተስፋ ዝሃበና፥ ብብዝሒ ምሕረቱ ብሓድሽ ልደት ውሉዱ ዝገበረና፥ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይባረኽ።


ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ፥ እናዘኻኸርኩ ኸነቓቕሐኩም፥ ቅኑዕ ኾይኑ ይረአየኒ ኣሎ።


ትእዛዛት እግዚኣብሄር እንተ ሓሊና፥ ንእኡ ኸም እንፈልጦ በዙይ ኢና እነረጋግፅ።


እቲ ንቓሉ ዝሕሉ ግና፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብኡ ፍፁም ይኸውን። ኣብ እግዚኣብሄር ከም ዘለና፥ በዙይ ኢና እንፈልጥ።


እቲ ህያውን ኣነ እየ። ሞይተውን ነበርኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፤ መፍትሕ ሞትን ሲኦልንውን ኣለኒ።


Follow us:

Advertisements


Advertisements