Biblia Todo Logo
Online Bible

- Advertisements -




ፊልጵስዩስ 2:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ኣበሎ፤ ልዕሊ ዅሉ ስም ዝኾነ ስም ከዓ ሃቦ።

See the chapter Copy




ፊልጵስዩስ 2:9
46 Cross References  

ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፥ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ፅልኢ እተክል ኣለኹ። ንሱ ርእስኻ ኽቕጥቅጥ እዩ፤ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በሎ።


ጐይታ፥ ንጐይታይ “ንፀላእትኻ ኣብ ትሕቲ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” በሎ።


እግዚኣብሄር ኣብ የማንካ እዩ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኡ ንነገስታት ክቕጥቅጦም እዩ።


ኣነውን በዅረይ ክገብሮ እየ፤ ንሱ ኻብ ነገስታት ምድሪ ልዑል እዩ።


በኣይ ተኣማሚኑ እዩሞ ኸናግፎ እየ፤ ስመይ ፈሊጡ እዩ እሞ ኽኽውሎ እየ።


“እንሆ፥ ኣገልጋሊየይ ዝገብሮ፥ ብምስትውዓል እዩ፤ ክገንን፥ ልዕል ልዕል ክብል፥ የመናውን ክኸብር እዩ።


ስለዙይ ንሱ ንብዙሓት ክወርስ እዩ፤ ምርኮውን ምስ ሓያላት ክካፈል እዩ፤ ነፍሱ ንሞት ኣሕሊፉ ሂቡ፥ ምስ በደለኛታትውን ተቘፂሩ እዩሞ፤ ንሱ ሓጢኣት ብዙሓት ፆረ፤ ምእንቲ በደለኛታትውን ማለደ።”


ካብ ሕዚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም፥ ብፍትሕን ብፅድቅን ምእንቲ ኸቝሞን ከፅንዖን፥ ኣብ ዙፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን፥ ዕቤት ግዝኣቱ ክበዝሕ እዩ፤ ንሰላሙውን መወዳእታ የብሉን። ቅንኢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ነዙይ ክገብሮ እዩ።


ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን በበይኑ ዓይነት ቋንቋታት ዝዛረቡን ክግዝኡሉ፥ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተውሃቦ። ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፤ መንግስቱውን ከቶ ኣይትጠፍእን እያ።


ካብ ኣቦይ ኵሉ ተውሂቡኒ ኣሎ። ብዘይ ኣብ፥ ንወልድ ዝፈልጦ ሓደ እኳ የለን፤ ንኣብውን፥ ብዘይ ወልድን እቲ ወልድ ኽገልፀሉ ዝደለየን እንተ ዘይኮይኑ፥ ሓደ እኳ ዝፈልጦ የለን።


ኢየሱስ ከዓ ቐሪቡ ኸምዙይ በሎም፦ “ኩሉ ስልጣን ኣብ ሰማይን ምድርን ተውሂቡኒ ኣሎ፤


ኵሉ ኻብ ኣቦይ ተውሂቡኒ እዩ። ንወልድ ብዘይ ኣብ፥ መን ምዃኑ ዝፈልጦ ሓደኳ የለን። ንኣብውን ብዘይ ወልድን፥ እቲ ወልድ ክገልፀሉ ዝደለየን እንተ ዘይኮይኑ፥ ኣብ፥ መን ምዃኑ ዝፈልጦ ሓደኳ የለን።”


ኢየሱስ፥ ኣብ፥ ንዅሉ ኣብ ኢዱ ኸም ዝሃቦ፥ ካብ እግዚኣብሄር ከም ዝመፀ፥ ናብ እግዚኣብሄርውን ከም ዝኸይድ ፈሊጡ፥


ደጊም ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ። ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለዉ፤ ኣነውን ናባኻ እመፅእ ኣለኹ። ኦ ቕዱስ ኣቦ! ነቶም ዝሃብካኒ፥ ከማና ሓደ ምእንቲ ክኾኑ፥ ብስምካ ሓልዎም።


ኣነ ምስኣቶም ኣብ ዓለም እንተለኹ፥ ነቶም ዝሃብካኒ በቲ ስምካ፥ ሓለኹዎምን ተኸናኸንክዎምን፤ እቲ ቓል መፅሓፍ ምእንቲ ኽፍፀም፥ እንትርፊ እቲ ወዲ ጥፍኣት፥ ካብኣቶም ሓደኳ ዝጠፍአ የለን።


ኦ ኣቦ! ሕዚ ድማ በቲ ዓለም እንተይተፈጥረ፥ ኣባኻ ብዝነበረኒ ኽብሪ ኣኽብረኒ።


ንእስራኤል ንስሃን ስርየት ሓጢኣትን ምእንቲ ኽህቦም፥ እግዚኣብሄር ንእኡ፥ ርእስን መድሓንን ገይሩ፥ ናብ የማኑ ልዕል ኣበሎ።


እዙይ ከዓ፥ እቲ ምልኣት ዘመናት ምስ በፅሐ፥ ኵሉ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ዘሎ፥ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ክርስቶስ፥ ምእንቲ ኽጥቕለል እዩ።


ንሱ፥ ናይታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን፥ ርእሲ እዩ፤ ብዅሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ክኸውን፥ ንሱ መጀመርታ፥ ካብ ምዉታትውን በዅሪ እዩ።


ከም መጠን ፀጋ ኣምላኽናን፥ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ስም ጐይታና ኢየሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ክኸብር፥ ንስኻትኩምውን ብእኡ ምእንቲ ኽትከብሩ፥ ንፅሊ ኣለና።


እቲ ዝወረሶ ስም፥ ካብ ስም መላእኽቲ የመና ኸም ዝዓቢ፥ ወልድ ኸዓ ኻብ መላእኽቲ የመና ይዓቢ እዩ።


ፅድቂ ፈተኻ፤ ዓመፅውን ፀላእኻ፤ ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ሕልፊ ብፆትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብአካ” ይብል።


ንዅሉ ውርደት ንዒቑ፥ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ፥ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሰ፥ ኣብ የማን ዙፋን እግዚኣብሄር ዝተቐመጠ፥ ናይ እምነትና ጀማሪን ፈፃሚን ናብ ዝኾነ ኢየሱስ ንጠምት።


ነቲ ኻብ መላእኽቲ ንቑሩብ ኣንኣስካዮ ተብሂሉ ዝነበረ ኢየሱስ ግና፥ ብምኽንያት ሞቱ ሕዚ ኣኽሊል ክብርን ምስጋናን ደፊኡ ንሪኦ ኣለና። እዙይ ከዓ ንሱ ብፀጋ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ዅሉ ሰብ ስለ ዝሞተ እዩ።


ንሱ ናብ ሰማይ ዓሪጉ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኣሎ፤ መላእኽትን ስልጣናትን ሓይላትውን ይግዝኡሉ ኣለዉ።


እቲ “ብእኡ ዝተሓጐስኩ፥ ዝፈትዎ ወደይ እዙይ እዩ” ዝብል ድምፂ ኻብቲ ልዑል ግርማ ምስ መፀ፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ክብርን ግርማን ተቐበለ።


ንሳቶም፥ ካብቶም ኣህዛብ ሓንቲ እኳ እንተይወሰዱ፥ ምእንቲ ስም ክርስቶስ ዝወፁ እዮምሞ።


እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ኣብ ሰማይ ከዓ “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን፥ ናይቲ መሲሑን ኮይና እያ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን ክነግስ እዩ” ዝብል፥ ብርቱዕ ድምፂ ተሰምዐ።


ኣብ ክዳኑን ኣብ ጐኑን ድማ፥ “ንጉስ ነገስታት፥ ጐይታ ጐይቶት” ዝብል ስም ተፅሒፍዎ ነበረ።


ከምቲ ኣነ ዝሰዓርኩ እሞ፥ ምስ ኣቦይ ኣብ ዙፋኑ ዝተቐመጥኩ፥ ነቲ ዝስዕርውን፥ ኣብ ዙፋነይ ምሳይ ክቕመጥ፥ ክፈቕደሉ እየ።’


ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፥ “ነቲ ዝተሓረደ በጊዕ፥ ስልጣን፥ ሃብቲ፥ ጥበብ፥ ሓይሊ፥ ክብሪ፥ ግርማ፥ ውዳሴ፥ ይግብኦ እዩ” በሉ።


Follow us:

Advertisements


Advertisements