8 ንባዕሉ ኣዋሪዱ ኽሳዕ ሞት፥ ክሳዕ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ሙማትውን ተኣዘዘ።
ብዙሓት ኣኽላባት ከቢቦምኒ እዮም እሞ፥ ማሕበር ክፉኣትውን ሓዙኒ፤ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ሸንከሩኒ።
ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ናይ ጥበብ ትምህርቲ እዩ፤ ንኽብረት ከዓ ትሕትና ትቕድማ።
ኣብ ቅድሚኣቶም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ፤ ገፁ ኸም ፀሓይ በርሀ፤ ክዳኑውን ከም በረድ ፃዕደወ።
ቁሩብ ርሕቕ ኢሉ ብገፁ ተደፊኡ ፀለየ፤ “ኦ ኣቦይ! እዙይ ዝከኣል እንተ ኾይኑስ፥ እዛ ፅዋዕ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ! ግና ኸም ናተይ ፍቓድ ዘይኮነስ፥ ከም ናትካ ፍቓድ ይኹን!” በለ።
ካልኣይ ጊዜ ኸይዱ ኸዓ “ኦ ኣቦይ! እዛ ፅዋዕ እዚኣ እንተይሰተኽዋ ኽትሓልፍ ዘይከኣል እንተ ኾይኑስ፥ ፍቓድካ ይኹን!” እናበለ ደጊሙ ፀለየ።
ክፅሊ እንተሎ ትርኢት ገፁ ተለወጠ፤ ክዳውንቱውን ዘንፀባርቕ ፃዕዳ ኾነ።
ባዕለይ እየ ቤዛ ኣሕሊፈ ዝህባ እምበር፥ ካባይ ዝወስዳስ ሓደኳ የለን፤ ቤዛ ኸሕልፋ፥ መሊሰውን ክወስዳ ስልጣን ኣለኒ፤ ነዝ ትእዛዝ እዙይ፥ ካብ ኣቦይ እየ ዝተቐበልክዎ።”
እንተ ኾነ፥ ኣነ ንኣብ ከም ዘፍቅሮ፥ ዓለም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ከምቲ ኣብ ዝኣዘዘኒ እገብር ኣለኹ፤ ተስኡ ኻብዙይ ንኺድ።
ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ሓልየ፥ ኣብ ፍቕሩውን ዝነብር ዘለኹ፥ ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኹም፥ ኣብ ፍቕረይ ፀኒዕኹም ክትነብሩ ኢኹም።
ኢየሱስ ድማ “ምግበይስ፥ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ምግባርን፥ ስራሑ ምፍፃምን እዩ።
ኣብ ጊዜ ውርደቱ፥ ፍትሒ ሰኣነ፤ ህይወቱ ኻብ ምድሪ ስለ ዝተወሰደት፥ ብዛዕባ ትውልዱ መን ክነግር ይኽእል?” ዝብል ነበረ።
ብዘይ ምእዛዝ ሓደ ሰብ፥ ብዙሓት ሓጥኣን ከም ዝኾኑ፥ ከምኡ ኸዓ ብምእዛዝ እቲ ሓደ፥ ብዙሓት ፃድቃን ክኾኑ እዮም።
ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፥ ሃብታም እንተሎ፥ ምእንታኻትኩም ደኸየ።
“ኣብ ዕንፀይቲ ዝተሰቐለ፥ ዝተረገመ እዩ” ዝብል ፅሑፍ ከም ዘሎ፥ ክርስቶስ ክንዳና ኸም ዝተረገመ ሰብ ኮይኑ፥ ካብ ናይ ሕጊ መርገም ተቤዘወና።
ነቲ ሬሳኡ ሽዑ መዓልቲ ደኣ ቕበርዎ እምበር፥ ኣብ ዕንፀይቲ ኣይሕደር። እቲ ኣብ ዕንፀይቲ ዝተሰቕለ ብእግዚኣብሄር ዝተረግመ እዩ እሞ፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ፥ እቲ ሬሳ ኣብ ዕንፀይቲ ብምሕዳሩ ኣይተርክስዋ።”
ንሱ ኻብ ኵሉ ሓጢኣት ሓራ ምእንቲ ኸውፅአና፥ ንሰናይ ግብሪ ዝቐንኡ፥ ንእኡ ዝኾንዎ ህዝቢ ምእንቲ ኸንፅህ፥ ንባዕሉ ቤዛና ኣሕሊፉ ሃበ።
ንዅሉ ውርደት ንዒቑ፥ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ፥ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሰ፥ ኣብ የማን ዙፋን እግዚኣብሄር ዝተቐመጠ፥ ናይ እምነትና ጀማሪን ፈፃሚን ናብ ዝኾነ ኢየሱስ ንጠምት።
ምስ ሓጢኣት ክትቃለሱ እንተለኹም፥ ገና ኽሳዕ ምፍሳስ ደምኩም እትበፅሑ ኣይተቓወምኩምን።
ንሓጢኣት ሞይትና፥ ንፅድቂ ምእንቲ ኽንነብር፥ ንሱ ባዕሉ፥ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሰብነቱ ፆሮ፤ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።
ክርስቶስውን ናብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸቕርበና፥ ፃድቕ እንተሎ ምእንቲ ሓጥኣን ሓንሳእ ንሓዋሩ መከራ ተቐቢሉ ሞተ። ብስጋ ሞተ፤ ብመንፈስ ግና ህያው ኮነ።