Biblia Todo Logo
Online Bible

- Advertisements -




ፊልጵስዩስ 2:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 እኳ ደኣ ሰብ ብምዃን፥ መልክዕ ባርያ ብምውሳድ፥ ብፍቓዱ ንባዕሉ ድኻ ገበረ።

See the chapter Copy




ፊልጵስዩስ 2:7
31 Cross References  

ኣነ ግና ሓሰኻ እምበር ሰብ ኣይኮንኩን፤ ናይ ሰብ መላገፂ ብህዝቢ እውን ዝተንዓቕኩ እየ።


“እንሆ፥ ደጊፈ ዝሓዝኩዎ ባርያይ፥ ኣነ ዝሓረኽዎ፥ ብእኡ ኸዓ ደስ ዝብለኒ፥ ሕሩየይ፥ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ ኣለኹ፤ ንሱ ኸዓ ንኣህዛብ ፍትሒ ኸውፅአሎም እዩ።


ንሱውን “ኣታ እስራኤል፥ ንስኻ ባርያይ ኢኻ፤ ብኣኻውን ክኸብር እየ” በለኒ።


ድሕሪ ድኻም ነፍሱ፥ ብርሃን ክርኢ፥ ደስውን ክብሎ እዩ፤ እቲ ፃድቕ ባርያይ፥ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ከፅድቕ፥ ሓጢኣቶም ድማ፥ ባዕሉ ኽፀውር እዩ።


ድሕሪ ሸውዓተ ሻዕ ስሳን ክልተን ዓመታት መሲሕ ክቕተል እዩ፤ ንባዕሉ ግና ኣይኮነን። ሰራዊት እቲ ዝመፅእ ሓለቓ ድማ፥ ነታ ኸተማን ነቲ ቤተ መቕደስን ክድምስስ እዩ። መወዳእታ ጥፍኣታ ድማ ኸም ውሕጅ ክመፅእ እዩ። ውግእ ክሳዕ መወዳእታ ክኸውን፥ ጥፍኣትውን ተወሲኑ እዩ።


እምበኣርከስ፥ ኣታ ዓብዪ ካህን ኢያሱ፥ ስማዕ፤ እቶም ኣብ ቅድሜኻ ዝቕመጡ ብፆትካውን፥ ንሳቶም ንምልክት ዝኾኑ ሰባት እዮም እሞ ይስምዑ፤ እንሆ፥ ኣነ ንባርያይ ቈጥቋጥ ከውፅእ እየ።


ኣቲ ጓል ፅዮን፥ የመና ደስ ይበልኪ፤ ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም፥ ዕልል በሊ፤ እንሆ ንጉስኪ ፃድቕን መድሕንን እዩ፤ ትሑት እዩ፤ ኣብ ኣድጊ፥ ኣብ ገልገል ኣድጊ፥ ኣብ ፃዕቢ ተቐሚጡ ናባኺ ክመፅእ እዩ።


“እንሆ እቲ ዝሓረኽዎ፥ ብእኡ ደስ ዝብለኒ ዘፍቅሮ ኣገልጋሊየይ፥ ኣብኡ መንፈሰይ ከሕድር እየ፤ ንኣህዛብ ድማ ፍትሒ ኸብስር እዩ።


ወዲ ሰብውን፥ ከገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት ቤዛ ገይሩ ኽህብን ደኣ እምበር፥ ከገልግልዎ ኣይመፀን” በሎም።


ንሱ ኸዓ “ኤልያስ ብርግፅ ኣቐዲሙ ኽመፅእ እዩ፤ ንዅሉውን ከቃንዕ እዩ፤ ብዛዕባ ወዲ ሰብከ ብዙሕ መከራ ኸም ዝቕበልን ከም ዝነዓቕን ስለ ምንታይ ድዩ ተፅሒፉ ዘሎ? ኣነ ግና ኤልያስ ብርግፅ መፂኡ እዩ፤ ከምቲ ብዛዕባኡ ተፅሒፉ ዘሎ ድማ፥ ኵሉ ዝደለይዎ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዝገበሩ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።


ካብቲ ኣብ ማእዲ ዝቕመጥን፥ ካብቲ ዘገልግልን ኣየናይ ይዓቢ? እቲ ኣብ ማእዲ ዝቕመጥዶ ኣይኮነን? ኣነ ግና ኣብ ማእኸልኩም፥ ከም ኣገልጋሊ እየ።


እቲ ቓልውን ስጋ ኾነ፤ ፀጋን ሓቅን መሊእዎ ኸዓ ኣባና ሓደረ፤ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ዝኾነ ውሉድ ዝረኽቦ ኽብሪ፥ ክብሩ ረአና።


እዝ ወንጌል እዙይውን፥ ብዛዕባ እቲ ሰብ ኮይኑ፥ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝተወለደ ወዱ እዩ ዝዛረብ።


ከምቲ ፅሑፍ “ፀርፊ እቶም ዝፀርፉኻ፥ ኣባይ ወደቐ” ዝብሎ፥ ክርስቶስውን እንተ ኾነ፥ ንባዕሉ ኣየሐጐሰንሞ።


ክርስቶስ፥ ነቲ ነቦታት ዝተውሃበ ተስፋ ምእንቲ ኸፅንዖ፥ ኣምላኽ ሓቀኛ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኸርኢ፥ ኣገልጋሊ ግርዘት ከም ዝኾነ፥ እነግረኩም ኣለኹ።


ብስጋ ስለ ዝደኸመ፥ ሕጊ ኽገብሮ ዘይከኣለ፥ እግዚኣብሄር ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን ክኸውን ልኢኹ፥ ነቲ ሓጢኣት ብስጋኡ ዀነኖ።


ብርግፅ ክርስቶስ ብድኻም እዩ ተሰቒሉ፤ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ግና፥ ህያው ኮይኑ ይነብር ኣሎ። ንሕናውን ተኻፈልቲ ድኻሙ ኢና፤ ኣብ ማእኸልኩም ክንሰርሕ እንተለና ግና፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር፥ ህያዋን ኴንና ኽንነብር ኢና።


ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፥ ሃብታም እንተሎ፥ ምእንታኻትኩም ደኸየ።


ጊዜኡ ምስ በፅሐ ግና፥ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሕጊ ዝነበሩ ምእንቲ ኽቢዘው፥ ንሕናውን ናይ ውሉድነት ስልጣን ምእንቲ ኽንረክብ፥ ንወዱ ለኣኾ፤ ካብ ሰበይቲ እውን ተወለደ፤ ንሕጊ እውን ተኣዛዚ ኾነ።


ንሱ ብባህርዩ ኣምላኽ እኳ እንተ ኾነ፥ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ፥ ከም ምምንዛዕ ኣይቘፀሮን።


ንዅሉ ውርደት ንዒቑ፥ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ፥ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሰ፥ ኣብ የማን ዙፋን እግዚኣብሄር ዝተቐመጠ፥ ናይ እምነትና ጀማሪን ፈፃሚን ናብ ዝኾነ ኢየሱስ ንጠምት።


ንእሱራት፥ ምስኣቶም ከም ዝተኣሰርኩም ኴንኩም፥ መከራ ንዝተቐበሉውን፥ ከምኣቶም መከራ ኸም እትቕበሉ ዘለኹም ኴንኩም ዘክርዎም።


ከምዝ ኸማና ብዅሉ ዝተፈተነ እዩ፤ ግና ሓጢኣት ኣይገበረን፤ ስለዙይ ብድኻምና ኽርህርሀልና ዘይኽእል ሊቀ ካህናት ኣይኮነን።


Follow us:

Advertisements


Advertisements