29 እምበኣር ብጐይታ፥ ብምሉእ ታሕጓስ ተቐበልዎ። ነዞም ከምዚኣቶም ዝመሰሉ ሰባትውን፥ ኣኽብርዎም።
እቲ ብስራት ዘብስር፥ ሰላምውን ዝነግር፥ ሰናይ ዜና ዘብስር፥ ድሕነት ዝእውጅ፥ ንፅዮን ከዓ ኣምላኽኪ ነጊሱ እዩ ዝብል፥ ኣእጋሩ ኣብ እምባታት ክንደይ ፅቡቓት እየን!
እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፥ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወፂእኹም፥ ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ሓመድ ኣእጋርኩም ንገፉ።”
ነቲ ኣነ ዝለኣኽክዎ ዝቕበል፥ ንኣይ ይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዝቕበል ድማ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ ኸም ዝቕበል፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”
በብመዓልቱውን፥ ኣብ ቤተ መቕደስ እንተየቋረፁ፥ ብሕብረት ፀኒዖም ይእከቡ ነበሩ። ኣብ ገዛውቶም እንጀራ እናቘረሱ ኸዓ፥ ብታሕጓስን ብቕኑዕ ልብን፥ ኣብ ማእዲ ይሳተፉ ነበሩ፤
ንሳቶም ከዓ ብዙሕ ኣኽበሩና፤ ብመርከብ ክንለዓል እንተለናውን፥ ንጕዕዞና ዘድልየና ዅሉ ሂቦም፥ ኣፋነውና።
ካብዙይ ዝተልዓለ፥ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ዓብዪ ሓጐስ ኮነ።
ከምቲ መፅሓፍ፥ “ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜና ዘብስሩ፥ ከመይ ፅቡቓት እየን” ዝበሎ፥ እንተ ዘይተልኣኹኸ፥ ከመይ ገይሮም ክሰብኩ እዮም?
ንቕዱሳን ከም ዝግባእ ጌርኩም፥ ብጐይታ ተቐበልዋ፤ ብዘድልያ ዅሉ ኸዓ ደግፍዋ። ንሳ ንኣይን ንብዙሓትን፥ ኣገልጊላ እያ እሞ።
ጢሞቴዎስ እንተ መፀ ኸዓ፥ ከምዝ ኸማይ ናይ እግዚኣብሄር ስራሕ እዩ ዝሰርሕ እሞ፥ ብዘይ ፍርሓት ምሳኻትኩም ክቕመጥ ተጠንቀቑሉ።
ንመንፈሰይን ንመንፈስኩምን ኣዕሪፎም እዮም እሞ፥ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ፍለጥዎም።
እቲ እግዚኣብሄር ዝንእዶ እምበር፥ እቲ ንባዕሉ ዝንእድ ሰብ ኣይኮነን ተቐባልነት ዝረክብ።
ልብኹም ኣስፊሕኹም ክፈቱልና፤ ንሕና ንሓደኳ ኣይዓመፅናን፤ ንሓደኳ ኣይጐዳእናን፤ ንሓደውን ኣይተበለፅናሉን።
ስለዙይ መሊስኩም ምስ ረአኹምዎ ምእንቲ ኽትሕጐሱ፥ ሓዘነይውን ምእንቲ ኽቐልል፥ ቀልጢፈ እሰዶ ኣለኹ።
እቲ መተኣስርተይ ዝኾነ ኣርስጥሮስ፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ፤ ማርቆስ ወዲ ሓዉ ንበርናባስውን፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። እዙይ እቲ “እንተ መፀኩም፥ ብፅቡቕ ተቐበልዎ” ኢለ ኣዚዘኩም ዝነበርኩ ሰብ እዩ።
እምበኣር ኣቱም ኣሕዋትና፥ ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዝፅዕሩን፥ ብጐይታውን ዝመርሑኹምን ዝምዕዱኹምን፥ ክተኽብርዎም ንልምነኩም ኣለና።
ነቶም ብዝግባእ ዘገልግሉ ሽማግለታት፥ ብሕልፊ እኳ ነቶም ወንጌል ዝሰብኩን ዝምህሩን፥ ዕፅፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ።
ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቲ መልሲ ዘቕርቡ፥ ነቒሖም ምእንቲ ነፍስኹም ይተግሁ እዮም እሞ። ስለዙይ፥ ነዙይ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፥ ንኣኻትኩም ኣይጠቕመኩምን እዩ እሞ፥ ተሓጕሶም ከም ዝገብርዎ ግበሩ።
ስለዙይ ኣነ ምስ መፃእኹ፥ ነቲ ንሱ ኣብ ልዕሌና ዝዛረቦ ኽፉእ ነገራት፥ ክገልፆ እየ። እዙይ ምእኻል ኣብይዎ ኸዓ፥ ንሱ ባዕሉ ነቶም ኣሕዋት ኣይቕበሎምን፤ ነቶም ክቕበልዎም ዝደልዩውን፥ ይኽልክሎም፤ ካብ ቤተ ክርስቲያን ድማ፥ የውፅኦም ኣሎ።