28 ስለዙይ መሊስኩም ምስ ረአኹምዎ ምእንቲ ኽትሕጐሱ፥ ሓዘነይውን ምእንቲ ኽቐልል፥ ቀልጢፈ እሰዶ ኣለኹ።
ያእቆብ ንዮሴፍ፥ “ገፅካ ኽርኢ እየ ኢለ ኣይሓሰብኩን ነይረ፤ እግዚኣብሄር ግና፥ እንሆ፥ ንደቅኻውን ኣርኣየኒ” በሎ።
ከምኡውን ንስኻትኩም፥ ሕዚ ሓዚንኩም ኣለኹም፤ ግና መሊሰ ኽሪአኩም እየ፤ ልብኹምውን ክሕጐስ እዩ፤ ንሓጐስኩም ድማ፥ ካባኻትኩም ዝወስዶ የለን።
ካብ ኵሉ ኸዓ፥ ስለ እቲ “ደጊምስ ገፀይ ኣይትሪኡን ኢኹም” ዝበሎም ቃል፥ የመና ሓዘኑ፤ ክሳዕ እታ መርከብውን ኣፋነውዎ።
እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ክመፅእ እንተለኹ፥ ካብቶም ሓጐስ ክረኽበሎም ዝግበአኒ፥ ጓሂ ምእንቲ ኸይረክብ ኢለ እየ። ምኽንያቱ ሓጐሰይ፥ ሓጐስ ኵልኻትኩም ከም ዝኾነ፥ ከም እትፈልጡ ስለ ዝኣምን እየ።
እምበኣር ብጐይታ፥ ብምሉእ ታሕጓስ ተቐበልዎ። ነዞም ከምዚኣቶም ዝመሰሉ ሰባትውን፥ ኣኽብርዎም።
ንብዓትካ እናዘከርኩ፥ ብታሕጓስ ምእንቲ ኽምላእ ኸዓ፥ ክሪአካ እናፍቕ ኣለኹ።