21 ኵላቶም ጥቕሚ ርእሶም እምበር፥ ብናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይግደሱን እዮም።
ይኹን እምበር እቶም ካህናት ክሳዕ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመቱ ንንጉስ ኢዮኣስ ነቲ ቤተ መቕደስ ኣይፀገንዎን ነበሩ።
የመና ህሩፋት ኣኽላባት እዮም፤ ፀጊበ ኣይፈልጡን፤ ዘየስተውዕሉ ጓሶት እዮም፤ ነፍሲ ወከፎም ካብ ቀዳማይ ክሳዕ ዳሕረዋይ፥ ረብሓ ርእሱ ደለየ፤ ኵሎም ብናይ ባዕልቶም መንገዲ ኸዱ።
“ኣብ መሰውእየይ ብኸንቱ ሓዊ ኸይተንድዱ፥ ሓደ ኻባኻትኩም በርታት ዝዓፁ እንተ ዝርከብ! ኣነ ብኣኻትኩም ደስ ኣይብለንን፤ ካብ ኢድኩምውን ዝኾነ ዓይነት ቍርባን ኣይቅበልን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ሽዑ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ክኽተለኒ ዝደሊ ንህይወቱ ይኽሓድ፤ መስቀሉ ኣልዒሉ ድማ ይከተለኒ።
“ናባይ ክመፅእ ዝደሊ ኣቦኡን እኖኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን፥ ህይወቱውን ከይተረፈ እንተ ዘይፀሊኡ፥ ደቀ መዝሙረይ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ።
ድሕሪዙይ ጳውሎስን ብፆቱን፥ ካብ ጳፉ ተልዒሎም፥ ብመርከብ ናብ ጴርጌን ናይ ጵምፍልያ መፁ። ማርቆስ ዝተብሃለ ዮሃንስ ከዓ፥ ካብኣቶም ተፈልዩ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።
ጳውሎስ ግና፥ ማርቆስ ኣብ ጵምፍልያ ኻብኣቶም ስለ ዝተፈለየን፥ ናብቲ ኣገልግሎት ድማ ምስኣቶም ስለ ዘይመፀን፥ ክማልኦ ኣይደለየን።
ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብፃዩ ደኣ እምበር፥ ሓደኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።
ፍቕሪ ዘይግባእ ኣይገብርን፤ ፍቕሪ ንኣይ ይጥዓመኒ ኣይብልን፤ ፍቕሪ ኣይበሳጮን፤ ፍቕሪ ኣይቕየምን።
ከምቲ ናይ ክርስቶስ መከራ ኣባና ዝበዝሕ፥ ከምኡ ድማ ብክርስቶስ ምፅንናዕና ኽበዝሕ እዩ።
ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልኦት ጥቕሚውን እምበር፥ ናይ ባዕሉ ጥቕሚ ጥራሕ ኣይሕሰብ።
እቶም ኣብ እስያ ዘለዉ ዅላቶም፥ ከም ዝጠለሙኒ ትፈልጥ ኢኻ። ኣብ መንጎኦም እኳ ፊጌሎስን ሄርዋጌኔስን እዮም።
ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ክኾኑ እዮም፤ ፈተውቲ ገንዘብ፥ ትምክሕተኛታት፥ ትዕቢተኛታት፥ ተፃረፍቲ፥ ንወለዶም ዘይእዘዙ፥ ዘየመስግኑ፥ ቅድስና ዘይብሎም፥ ርህራሀ ዘይብሎም፥
ዴማስ ነዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝፈተወ፥ ሓዲጉኒ ናብ ተሰሎንቄ ኸይዱ እዩ። ቄርቂስ ናብ ገላትያ፥ ቲቶውን ናብ ድልማጥያ ኸይዶም እዮም።
መጀመርታ ጊዜ ናይ እተኸሰስኩሉ መልሲ ኸቕርብ እንተለኹ፥ እግዚኣብሄር ደኣ ኸም በደል ኣይቝፀረሎም እምበር፤ ኵላቶም ጠለሙኒ፤ ሓደኳ ምሳይ ኣይነበረን።