16 እዙይ ከዓ፥ ነቲ ቓል ህይወት ኣፅኒዕኹም እንተ ሒዝኩምዎ እዩ፤ በታ ክርስቶስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ ኸዓ፥ ብኸንቱ ስለ ዘይጐየኹን ስለ ዘይፀዓርኩን ክምካሕ እየ።
ኣብ ዓብዪ ጉባኤ ፅድቅኻ ነገርኩ፤ እንሆ፥ ንኸናፍረይ ኣይክልክልን፤ ኦ ጐይታ ንስኻ ፅድቀይ ትፈልጥ ኢኻ።
ኦ ኣምላኸይ፥ ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ መሃርካኒ፤ ክሳዕ ሕዚ እውን ተኣምራትካ እናገር ኣለኹ።
ኣነ ግና “ብኸንቱ ፀዓርኩ፤ ጥቕሚ ንዘይብሉ ብኸምኡ ሓይለይ ወዳእኹ፤ ግና ፍርደይ ኣብ እግዚኣብሄር፥ ዓስበይውን ኣብ ኣምላኸይ እዩ” በልኩ።
ብፀልማት ዝነገርኩኹም ብብርሃን ተዛረብዎ፤ ኣብ እዝንኹም ሕሹኽ ዝበልኩኹም ከዓ፥ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ።
“ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝምስክረለይ፥ ኣነውን ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ እግዚኣብሄር፥ ክምስክረሉ እየ።
ህያው ዝገብር መንፈስ እዩ፤ ስጋ ግና ምንም ኣይጠቅምን። እዝ ኣነ ዝነገርኩኹም ቃል ከዓ መንፈስ እዩ፤ ህይወትውን እዩ።
ስምኦን ጴጥሮስ ከዓ “ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ቃል ህይወት ኣለካ፤ ናብ መን እሞ ኢና ኽንከይድ?
“ኣቱም ኣሕዋትና፥ ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን ኣብ ማእኸሎም ዘለኹም ንእግዚኣብሄር እትፈርሑን፥ እዝ ቃል ምድሓን እዙይ ናባኻትኩም እዩ ዝተልኣኸ።
ብመዓልቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዘይ ነውሪ ንኽትርከቡ፥ ንሱ ኽሳዕ መወዳእታ ኸፅንዐኩም እዩ።
ስለዙይ ኣነ እጐዪ ኣለኹ፤ ግና ኸምቲ ዕላማ ዘይብሉ ኣይኮንኩን። እቃለስ፥ ምስ ንፋስ ከም ዝቃለስ ግና ኣይኮንኩን።
እዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ብራእይ ስለ ዝገለፀለይ እየ ዝደየብኩ። ምናልባሽ ንኸንቱ እጐዪ ኸይህሉ፥ ወይ ድማ ንኸንቱ ጐይየ ኸይከውን ኢለ፥ ነቲ ኣብ ኣህዛብ ዝሰብኮ ዝነበርኩ ወንጌል፥ ነቶም መራሕቲ ንበይናቶም ገለፅኩሎም።
ኣባኻትኩም ንኸንቱ ደኺመ ኸይከውን እፈርሕ ኣለኹ።
እዙይውን ነቲ ዝበለፀ መርሚርኩም ክትፈልጡ፥ በታ ክርስቶስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ፥ ንፁሃትን ነቐፋ ዘይብልኩምን ኴንኹም ምእንቲ ኽትርከቡ፥
እቲ ኣብ ህይወትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ እግዚኣብሄር፥ ክሳዕ እታ ክርስቶስ ኢየሱስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ፥ ከም ዝፍፅሞ ተረዲአ ኣለኹሞ።
ተስፋና ወይ ሓጐስና ወይ ከዓ ኣብ ካልኣይ ምፅኣቱ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታና ኢየሱስ እንምክሐሉ፥ ኣኽሊልና መን ድዩ? ንስኻትኩምዶ ኣይኮንኩምን?
ስለዙይ ኣነውን ካብዙይ ንላዕሊ ኽዕገስ ስለ ዘይከኣልኩ፥ ምናልባሽ እቲ ፈታኒ ፈቲኑኩም ከይኸውን እሞ እቲ ፃዕርና፥ ከንቱ ኸይኸውን ኢለ፥ ብዛዕባ እምነትኩም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ንጢሞቴዎስ ለኣኽክዎ።
ቃል እግዚኣብሄር ህያውን ዝሰርሕን እዩ፤ ነፍስን መንፈስን፥ መገጣጠምን ኣንጕዕን ክሳዕ ዝፈላሊ ዝቘርፅ፥ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝበልሕ እዩ። ኣብ ልቢ ዝተሰወረ ሓሳብን ድልየትንውን፥ ፈልዩ ዝምርምር እዩ።
ዳግም ዝተወለድኩም፥ ብህያውን ንዘለኣለም ብዝነብርን ቃል እግዚኣብሄር፥ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እዩ እምበር፥ ካብ ዝጠፍእ ዘርኢ ኣይኮነን።
ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፥ ንሕና ብእዝንና ዝሰማዕናዮ፥ በዒንትና ዝረአናዮ፥ ዝጠመትናዮ፥ በእዳውናውን ዝዳህሰስናዮ ቓል ህይወት፥ ንነግረኩም ኣለና።
መንፈሱን እታ መርዓትን፥ “ነዓ” ይብሉ ኣለዉ፤ እቲ ዝሰምዕውን “ነዓ” ይበል። ዝፀምአ ኸዓ ይምፃእ፤ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ።