15 እዙይ እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ማእኸል እዛ ቐይናንን ጠዋይን ትውልዲ እዚኣ፥ ጕድለት ዘይብሎም ንፁሃትን፥ ነቐፋ ዘይብሎም ውሉድ እግዚኣብሄርን ኴንኩም፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ከም ብርሃናት ክትበርሁ ኢኹም።
ኣብኡ ዝፋናት ፍርዲ፥ ዝፋናት ቤት ዳዊት ተዘርጊሖም ኣለዉ።
ደቂ እስራኤል ድማ ገፅ ሙሴ ኸም ዘንፀባርቕ ረአዩ፤ ሙሴ ኸዓ ምስ እግዚኣብሄር ንምዝራብ ኣብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዝኣቱ ገፁ ይጕልበብ ነበረ።
መንገዲ ፃድቃን ግና ኸም ብርሃን ወጋሕታ እያ፤ ምሉእ መዓልቲ ኽሳዕ ዝኸውን ከዓ፥ እናወሰኸት ትበርህ።
ኵለን ቃላት ኣፈይ ሓቂ እየን፤ ቀይናናት ወይ ጥውይዋያት ኣይኮናን።
ብርሃንኪ መፂኡ እዩሞ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ወፂኡልኪ እዩ እሞ፥ ተስኢ ኣብርሂ።
ሽዑ እቶም ኣሕሉቕን መሳፍንትን፥ ንዳንኤል ብናይ መንግስቲ ጉዳይ መኽሰሲ ምኽንያት ክረኽቡሉ ደለዩ፤ ግና ጥንቁቕን እሙንን ስለ ዝነበረ፥ ዝኾነ ጌጋ ወይ መንቀፊ ስለ ዝሰኣኑሉ፥ መኽሰሲ ምኽንያት ክረኽቡሉ ኸቶ ኣይከኣሉን።
“እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ፥ ናብ ማእኸል ተዃሉ እሰደኩም ኣለኹ፤ ደጊም ከም ተመን ብልህታት፥ ከም ርግቢ ኸዓ የዋሃት ኩኑ።
ኢየሱስ መሊሱ “ኣታ ዘይትኣምን ቀይናን ትውልዲ፥ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ? ክሳዕ መኣዝከ ኽዕገሰኩም እየ? ናብዙይ ናባይ ኣምፅእዎ” በሎም።
“እምበኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ፍፁም ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን ፍፁማን ኩኑ።”
ክልቲኦም ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ብዅሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄርን ሕግጋቱን፥ ብዘይ ነቐፋ ዝመላለሱ ፃድቃን ነበሩ።
ንስኻትኩም ግና ፀላእትኹም ኣፍቅሩ፤ ሰናይውን ግበሩ፤ ክትፍደዩ እንተይተፀበኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን፥ ንሕሱማትን ርህሩህ እዩ እሞ፥ ዓስብኹም ብዙሕ ክኸውን እዩ፤ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኮኑ ኢኹም።
ንሱ ዝነድድን ዘብርህን መብራህቲ ነበረ፤ ንስኻትኩም ከዓ በቲ ብርሃኑ ንቑሩብ ጊዜ ደስ ክብለኩም ደለኹም።
ካልእ ብዙሕ ነገርውን ነገሮምሞ፥ “ካብዝ ኽፉእ ትውልዲ ርእስኹም ኣድሕኑ” ኢሉውን መዓዶም።
ካባኻትኩምውን፥ ነቶም ኣመንቲ ሰዓብቶም ምእንቲ ኽገብርዎም፥ ጠዋይ ትምህርቲ ዝምህሩ ሰባት ክለዓሉ እዮም።
ንወንጌል ተኣዘዝቲ ምዃንኩም፥ ኣብ ኵሉ ስለ ዝተሰምዐ፥ ብኣኻትኩም ሕጉስ እየ። ንሰናይ ነገር ብልህታት፥ ንክፉእ ግና የዋሃት ክትኮኑ እደሊ ኣለኹ።
ብመዓልቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዘይ ነውሪ ንኽትርከቡ፥ ንሱ ኽሳዕ መወዳእታ ኸፅንዐኩም እዩ።
“ ‘ስለዙይ ካብ ማእኸሎም ውፁ፤ ዝተፈለኹም ኩኑ’ ይብል እግዚኣብሄር። ‘ርኹስ ኣይትንክኡ፤ ኣነውን ክቕበለኩም እየ።
ርስሓት ወይ ምጭምዳድ ወይ ድማ ንእኡ ዝመስል ካልእ ክፍኣት ዘይብላ፥ ቅድስትን ነውሪ ዘይብላን፥ ክብርቲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንቲ ኸቕርባ እዩ።
ንሳቶም ኣብ ቅድሚኡ እሙናት ኮይኖም ኣይተረኽቡን፤ ረኺሶም እዮም እሞ ደጊም ደቁ ኣይኮኑን፤ ንሳቶምስ ከዳዓትን ቀይናናትን ትውልዲ እዮም።
እዙይውን ነቲ ዝበለፀ መርሚርኩም ክትፈልጡ፥ በታ ክርስቶስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ፥ ንፁሃትን ነቐፋ ዘይብልኩምን ኴንኹም ምእንቲ ኽትርከቡ፥
ንቕንኢ ሃይማኖት ብዝምልከት፥ ኣሳጓጒ ቤተ ክርስቲያን፥ ሕጊ ብምፍፃም ንዝርከብ ፅድቂ ኸዓ፥ ነቐፌታ ዘይብለይ እየ።
ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ፥ ንዅለንትናኹም ይቐድሶ፤ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን፥ ብምፅኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዘይ ነቐፋ ምእንቲ ኽርከብ ይተሓሎ።
ንሳቶምውን ቅድም ይመርመሩ፤ ነቐፋ ዘይብሎም ኮይኖም እንተ ተረኺቦም ድማ፥ ብዲቁና የገልግሉ።
እምበኣር ኤጲስ ቆጶስ ዝኸውን፥ ነቐፋ ዘይብሉ፥ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፥ ብመጠን ዝነብር፥ ንባዕሉ ዝመልኽ፥ ብስርዓት ዝነብር፥ ተቐባሊ ጋሻ፥ ብቑዕ መምህር፥
እምበኣር ፀላኢ ኣብ ልዕሊአን ዝዛረቦ ኽፋእ ምእንቲ ኸይረክብ፥ እተን ብዕድመ ንኡሳት ዝኾና መበለታት ክምርዐዋ፥ ውሉድ ክወልዳ፥ ስድራአን ብግቡእ ከመሓድራ እደሊ ኣለኹ።
ነቶም ሓጢኣት ዝገብሩ ግና፥ እቶም ካልኦት ምእንቲ ኽፈርሑ፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ገስፆም።
ብዘይ ነቐፋ ምእንቲ ክኾኑስ፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ኣዝዞም።
ነቐፋ ዘይብሉ፥ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፥ ስዲ ብምዃንን ብዘይ ምእዛዝን ዘይሕመዩ፥ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ ይኹን።
እቲ ትምህርቲ ናይ መድሓኒና እግዚኣብሄር፥ ኣብ ኵሉ ቕቡል ምእንቲ ክኸውን፥ ብዅሉ እሙናት ክኾኑ እምበር፥ ሰረቕቲ ኸይኾኑ መዓዶም።
እምበኣር ነዝ ነገር እዙይ መሃር፤ ብምሉእ ስልጣን ከዓ፥ መዓድን ገስፅን፤ ሓደኳ ኣይንዓቕካ።
ንኣናውን ቅዱስ፥ ነቐፋ ዘይብሉ፥ ንፁህ፥ ካብ ሓጥኣን ዝተፈለየ፥ ካብ ሰማያት ከዓ ልዕል ዝበለ ሊቀ ካህናት እዩ ዘድልየና።
እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዝሓምዩኹም ዘለዉ፥ ንሰናይ ግብርኹም ሪኦም፥ በታ እግዚኣብሄር ዝምልከተላ መዓልቲ፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኸኽብርዎ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣካይዳኹም ኣፀብቑ።
ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።
ስለዙይ ከዓ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ ነዙይ እናተፀበኹም፥ ብዘይ ነውርን፥ ብዘይ ነቐፋን ኴንኩም፥ ብሰላም ምእንቲ ኽረኽበኩም፥ ብትግሃት ንበሩ።
እምበኣርከስ ካበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር፤ ተነሳህ፤ ነቲ ቐዳማይ ግብርኻውን ግበር። እንተ ዘይተነሲህኻ ግና፥ መፂአ ነቲ ቐዋሚ ቐንዲልካ፥ ካብቲ ስፍራኡ ኸወግዶ እየ።
እንሆ፥ ካብቶም ማሕበር ሰይጣን ዝኾኑ፥ ኣይሁድ እንተይኮኑ፥ ሓስዮም “ኣይሁድ ኢና” ዝብሉ፥ መፂኦም ኣብ እግርኻ ወዲቖም፥ ከም ዝሰግዱልካ ኽገብሮም እየ። ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ከፍልጦም እየ።