Biblia Todo Logo
Online Bible

- Advertisements -




ፊልጵስዩስ 2:13 - መፅሓፍ ቅዱስ

13 ምእንቲ ሰናይ ፍቓዱ ኢሉ፥ ክትደልዩን ክትገብሩን ኣባኻትኩም ዝሰርሕ፥ እግዚኣብሄር እዩሞ።

See the chapter Copy




ፊልጵስዩስ 2:13
39 Cross References  

እቲ ነቦታትና ዝኣዘዞም ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ስርዓታቱን ክንሕሉ፥ ብዅሉ መንገድታቱ ኽንከይድ፥ ንእኡውን ክንእዘዝ ንልብና ናብኡ የዘንብሎ።


መሊሱ ሓደ ልቢ ንኽህቦም ብቓል እግዚኣብሄር ንዝኾነ ትእዛዝ ንጉስን ኣሕሉቑን ምእንቲ ኽፍፅሙ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኾነ።


ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብ መጀመርታ ዓመቱ፥ እቲ ብኣፍ ኤርሚያስ ዝተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽፍፀም፥ እግዚኣብሄር ንመንፈስ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣለዓዓሎ። ኣብ ኵላ መንግስቱ ድማ ብቓልን ብፅሑፍን ከምዙይ ኢሉ ኣወጀ፦


ሽዑ እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ይሁዳን ብንያምን ካህናትን ሌዋውያንን፥ ነታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሑ ኽድይቡ እግዚኣብሄር ንመንፈሶም ዘለዓዓሎ ዅሎም ተስኡ።


“ነታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ከኽብር ኢሉ ኸምዙይ ዝበለ ነገር ኣብ ልቢ ንጉስ ዝገበረ፥ ንኣይ ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን መማኽርቱን ኣብ ኵላቶም ሓያላት ኣሕሉቕ ንጉስን ምሕረት ዝገበረለይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና ይመስገን። ኣነ ኸዓ በታ ኣብ ልዕለይ ዘላ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ በርታዕኹ፤ ካብ እስራኤል ድማ ምሳይ ክድይቡ ኣሕሉቕ ኣከብኩ።”


እቲ ንጉስ ድማ “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ?” ኢሉ ጠየቐኒ። ሽዑ ኣነ ናብ ኣምላኽ ሰማይ ፀለኹ።


“እግዚኣብሄር ነዝ ዅሉ፥ ክልተ ጊዜ ሰለስተ ጊዜ ምስ ሰብ ይገብሮ።


ብቐደሙውን፥ ብመዓልቲ ሓይሊ ብቅዱሳን ብርሃን፥ ቅድሚ ኮኸብ ፅባሕ ካብ ከርሲ ወለድኩኻ።


ልበይ ናብ ስስዐ ዘይኮነስ፥ ናብ ምስክርነትካ ኣዘምብሎ።


ዓመፅ ምስ ዝገብሩ ሰባት ንሓጢኣት ምኽንያት ከይህብ፥ ምስቶም ሕሩያቶምውን ከይተሓባበር፥ ንልበይ ናብ ክፉእ ነገር ኣይትመልሶ።


ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር እዩ፤ ከም ወሓዚ ማይውን፥ ናብ ዝደለዮ ይመርሖ።


ንዅሉ ተግባርና እትፍፅመልና ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ ሰላም እትህበና ንስኻ ኢኻ።


ድሕሪ እዘን መዓልቲታት እዚኣተን፥ ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኪዳን እዙይ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር፥ ኣብ ልቦም ከዓ ኽፅሕፎ እየ፤ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ክኾኑ እዮም።


ሽዑ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።


“ኣቱም ንኡስ መጓሰ፥ ኣቦኻትኩም መንግስቲ ኽህበኩም ፈትዩ ኣሎ እሞ፥ ኣይትፍርሑ።


“ክብሪ ንእግዚኣብሄር፥ ኣብ ኣርያም! ሰላምውን ኣብ ምድሪ፥ ንሰብውን ፅቡቕ ፍቓድ ይኹን!” ይብሉ ነበሩ።


ዮሃንስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ሰብ ካብ ሰማይ እንተ ዘይተውሂብዎስ፥ ሓንቲ እኳ ኽቕበል ኣይኽእልን እዩ።


ኣብ መፃሕፍቲ ነቢያትውን ‘ኵሎም ካብ እግዚኣብሄር ዝተምሃሩ ክኾኑ እዮም’ ዝብል ፅሑፍ ኣሎ፤ እምበኣር ኵሉ እቲ ኻብ ኣብ፥ ዝሰምዐን ዝተምሃረን ናባይ ይመፅእ።


ኣስዒቡ ኸዓ “ስለዙይ ድማ እየ፥ እቲ ኻብ ኣቦይ ዝተውሃቦ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ናባይ ክመፅእ ዝኽእል ሓደኳ የለን ዝበልኩኹም” በሎም።


ኢድ ጐይታውን ምስኣቶም ነበረ፤ ብዙሕ ዝቝፅሮም ሰባት ድማ፥ ኣሚኖም ናብ ጐይታ ተመለሱ።


ከምቲ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መጠን እምነት ገይሩ ደኣ፥ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፥ ካብቲ ዝግብኦ ኣብሊፁ ኸይሓስብስ፥ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእኸልኩም ንዘሎ፥ ብዝተውሃበኒ ፀጋ እምዕዶ ኣለኹ።


ካብ ሕርየት እምበር፥ ካብ ግብሪ ኸም ዘይኮነ፥ እቲ ፈቓድ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብ ምሕራይ ከም ዝተመስረተ ምእንቲ ኽገሃድ፥ እቶም ህፃናት ገና እንተይተወለዱ፥ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ እንተይገበሩ፥


ስለዙይ ምሕረት፥ ካብቲ ዝምሕር እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ንዝደለየን ንዝጐየየን ኣይኮነን።


ዝተፈላለየ ተግባር ኣሎ፤ እቲ ኣብ ኵላቶም ኵሉ ዝገብር እግዚኣብሄር ግና፥ ሓደ ንሱ እዩ።


እቲ ኾይነዮ ዘለኹ ግና፥ ብፀጋ እግዚኣብሄር እየ ኾይነዮ ዘለኹ፤ እቲ ንኣይ ዝሃበኒ ፀጋ ኸዓ፥ ከንቱ ኣይኮነን፤ እኳ ደኣ ሕልፊ ዅላቶም ፀዓርኩ። እንተ ኾነ፥ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ፀጋ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን።


ዝኾነ ነገር ንምግባር፥ ብቕዓት ዝሃበና እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካብ ባዕልና ዝኾነ ብቕዓት የብልናን።


ንሕና ኣቐዲምና ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና፥ ንናይ ክብሩ ምስጋና ምእንቲ ኽንከውን፥ እቲ ብፍቓዱ ንዅሉ ነገራት፥ ከም ምኽሩ ዝገብር እግዚኣብሄር፥ ወረስቲ ኽንከውን ብወዱ ሓረየና።


ስለ ዘፍቀረና፥ ብፅቡቕ ፍቓዱ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ናቱ ውሉድ ክንከውን፥ ኣቐዲሙ መረፀና።


ሰናይ ፍቓዱ ኾይኑ ኸዓ፥ ነቲ ብክርስቶስ ገይሩ ኣቐዲሙ ዝወሰኖ፥ ናይ ፍቓዱ ምስጢር ኣፍለጠና።


ንክርስቶስ ብምእማን፥ ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩም። እዙይ ከዓ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካባኻትኩም ኣይኮነን።


ነዙይ ብምሕሳብ፥ ኣምላኽና ንፃውዒቱ ብቑዓት ምእንቲ ኽገብረኩም፥ ብሓይሉ ኸዓ፥ ነቲ ሰናይ ንምግባር ዘለኩም ድልየትን፥ ኵሉ ናይ እምነትኩም ተግባርን፥ ምእንቲ ኽፍፅመልኩም፥ ኵልሻዕ ምእንታኻትኩም ንፅሊ ኣለና።


ንሱ ብግብርና ዘይኮነስ፥ ብፍቓዱን፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ዘመናት ዝተውሃበና ፀጋን፥ ኣድሓነና፤ ብቕዱስ ፅውዓውን ፀውዐና።


ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ ቅድሚኡ ደስ ዘብሎ ኣባኻትኩም እናገበረ፥ ፍቓዱ ምእንቲ ኽትፍፅሙ፥ ብዅሉ ሰናይ ግብሪ ፍፁማን ይግበርኩም። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።


ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ብምትሳኡ ህያው ተስፋ ዝሃበና፥ ብብዝሒ ምሕረቱ ብሓድሽ ልደት ውሉዱ ዝገበረና፥ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይባረኽ።


Follow us:

Advertisements


Advertisements