10 ስለዙይ ንኽብሪ ስም ኢየሱስ፥ ኵሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ብርኪ፥ ምእንቲ ኽምብርከኽ፥
ኣብ ካልአይቲ ሰረገላኡ ድማ ኣቐመጦ፤ እቶም ኣዋጅ ነጋሮውን ዓው ኢሎም “ንዮሴፍ ስገዱ” እናበሉ ቐቅድሚኡ ይኸዱ ነበሩ።
ንዑ፥ ንስገድ፤ ንእኡውን ንገዛእ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈጣሪና ንምበርከኽ።
ዮናስ ኣብ ከርሲ ዓሳ ኣንበሪ፥ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝፀንሐ፥ ከምኡ ኸዓ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ከርሲ ምድሪ፥ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ክፀንሕ እዩ።
ናይ እሾዅ ኣኽሊል ተኒጎምውን ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፤ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትሒዞም ከዓ፥ ኣብ ቅድሚኡ እናተምበርከኹ “ሰላም፥ ኦ ንጉስ ኣይሁድ!” እናበሉ የላግፁሉ ነበሩ።
ኢየሱስ ከዓ ቐሪቡ ኸምዙይ በሎም፦ “ኩሉ ስልጣን ኣብ ሰማይን ምድርን ተውሂቡኒ ኣሎ፤
እግዚኣብሄር ግና “ነቲ በዓል ዝበሃል ጣዖት ዘይሰገዱ፥ ንባዕለይ ሸውዓተ ሽሕ ሰባት ኣትሪፈ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።
እዙይ ከዓ፥ እቲ ምልኣት ዘመናት ምስ በፅሐ፥ ኵሉ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ዘሎ፥ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ክርስቶስ፥ ምእንቲ ኽጥቕለል እዩ።
ምእንቲ እዙይውን፥ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘለዉ ዅሎም፥ ኣቦ ኢሎም ንዝፅውዕዎ ኣብ፥ እምብርከኽ ኣለኹ።
“ዓረገ” ማለት፥ ናብ ታሕተዋይ ምድሪ ወሪዱ ኸም ዝነበረ ማለት እንተ ዘይኮይኑ፥ እንታይ ክኸውን ይኽእል?
መሊሱ፥ ነቲ በዅሪ ወዱ ናብ ዓለም ክልእኾ እንተሎ፥ “ኵላቶም መላእኽቲ እግዚኣብሄር ይስገዱሉ” ይብል።
ባሕሪ ድማ፥ ነቶም ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ምዉታን ሃበት። ሞትን ሲኦልንውን፥ ኣብኣቶም ዘለዉ ምዉታን ሃቡ። ነፍሲ ወከፎም ከዓ፥ ከከም ግብሮም ተፈረዱ።
እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ፥ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኮይኑ ዝነብር፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። ኣኽሊላቶም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ኣንቢሮም ከዓ፦
ነቲ መፅሓፍ እቱይ፥ ክቐልዖን ወይ ከንብቦን ዝኽእል፥ ኣብ ሰማይ ኮነ ወይ ኣብ ምድሪ፥ ወይ ኣብ ትሕቲ ምድሪ፥ ሓደኳ ኣይነበረን።