9 ፍቕርኹም፥ ብዅሉ ፍልጠትን ምስትውዓልን፥ ብዝበለፀ እናበዝሐ ምእንቲ ክኸይድ እፅሊ ኣለኹ።
እቲ ፃድቕ ኣብ መንገዱ ኽፀንዕ፥ እቲ ኣእዳዉ ንፁህ ዝኾነ ድማ፥ ሓይሊ እናወሰኸ ክኸይድ እዩ።
ብትእዛዛትካ ተኣሚነ ኣለኹ እሞ፥ ሰናይ ምኽርን ፍልጠትን መሃረኒ።
መንገዲ ፃድቃን ግና ኸም ብርሃን ወጋሕታ እያ፤ ምሉእ መዓልቲ ኽሳዕ ዝኸውን ከዓ፥ እናወሰኸት ትበርህ።
ኣሕዋተይ፥ በተሓሳስባኹም ከም ህፃናት ኣይትኹኑ፤ ንኽፉእ ደኣ ህፃናት ኩኑ እምበር፥ በተሓሳስባኹምስ ብሱላት ኩኑ።
ከምቲ ብዅሉ ነገር፦ ብእምነት፥ ብቓል፥ ብፍልጠት፥ ብዅሉ ትግሃት፥ በታ ኣባና ዘላትኩም ፍቕሪ ብሉፃት ዝኾንኩም፥ በዝ ናይ ልግሲ ሰናይ ስራሕውን፥ ብሉፃት ኩኑ።
ስለዙይ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፥ ዓያሹ ኣይትኹኑ።
ስለዙይውን እዩ፥ ንሕና ኻብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና፥ በቲ ፍልጠት ፍቓዱ፥ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ምስትውዓልን ክመልአኩም፥ ብዛዕባኻትኩም ካብ ምፅላይ፥ ኣቋሪፅና ኣይንፈልጥን።
ከምቲ ንሕና ንኣኻትኩም እነፍቅረኩም፥ ጐይታ ኣብ ንስንሳትኩምን ምስ ኵሉ ሰብን፥ ፍቕሪ የብዝሐልኩምን ይወስኸልኩምን።
ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽተሐጕስዎ፥ ከመይ ጌርኩም ክትነብሩ ኸም ዝግብአኩም፥ ካባና ተምሂርኩም ኢኹም። ድሮ እኳ ትነብርዎ ኣለኹም። ሕዚ ኸዓ ነዙይ ብዝበለፀ ኽትነብርዎ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ንልምነኩምን ነተባብዐኩምን ኣለና።
ኣሕዋትና፥ እምነትኩም በሊፃ እናዓበየት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ እታ ኣብ ንስንሳትኩም ዘላ፥ ናይ ነፍሲ ወከፍኩም ፍቕሪውን እናበዝሐት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ ብኣኻትኩም ኵሉ ጊዜ ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ ኢና፤ እዙይ ከዓ ግቡእና እዩ።
ነቲ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሰናይ ነገር ኣፀቢቕካ ምእንቲ ኽትርዳእ፥ ነቲ ዘለካ እምነት ብትብዓት ክተካፍሎ እፅሊ ኣለኹ።
ዕፁም ምግቢ ግና፥ ነቶም ፅቡቕን ክፉእን ንምፍላይ፥ ንባዕላቶም ንዘላመዱ ንዓበይቲ እዩ።
ንሓቂ ብምእዛዝኩም፥ ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት፥ ነፍስኹም ስለ ዘፅረኹም፥ ብምሉእ ልብኹም ንስንሳትኩም ተፋቐሩ።
ግና ብናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ፀጋን ፍልጠትን ዕብዩ። ንእኡ፥ ሕዝን ንዘለኣለመ ኣለምን፥ ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።