Biblia Todo Logo
Online Bible

- Advertisements -




ፊልጵስዩስ 1:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 እቲ ኣብ ህይወትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ እግዚኣብሄር፥ ክሳዕ እታ ክርስቶስ ኢየሱስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ፥ ከም ዝፍፅሞ ተረዲአ ኣለኹሞ።

See the chapter Copy




ፊልጵስዩስ 1:6
33 Cross References  

እግዚኣብሄር ክፈድየለይ እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ ምሕረትካውን ንዘለኣለም እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ ንተግባር ኣእዳውካውን ሸለል ኣይትበል።


ኢየሱስ ድማ “ግብሪ እግዚኣብሄርስ፥ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ” በሎም።


ነዙይ ምስ ሰምዑ ስቕ በሉሞ፥ “እምበኣርከስ እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ድማ፥ ንህይወት ዝኸውን ንስሃ ሂብዎም ኣሎ” እናበሉ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ።


ልድያ እትበሃል፥ ንእግዚኣብሄር እትፈርሕ ሰበይቲ፥ በዓልቲ ኸተማ ትያጥሮን፥ ሸያጢት ቀይሕ ሓሪ ድማ፥ ትሰምዕ ነበረት፤ ነቲ ጳውሎስ ዝብሎ ዝነበረ ኽተስተውዕል ድማ፥ ጐይታ ልባ ኸፈተላ።


ብመዓልቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዘይ ነውሪ ንኽትርከቡ፥ ንሱ ኽሳዕ መወዳእታ ኸፅንዐኩም እዩ።


በዙይ ርግፀኛ ስለ ዝነበርኩን፥ ድርብ ጥቕሚ ምእንቲ ኽትረኽቡን፥ ብመጀመርታ ናባኻትኩም ክመፅእ ደልየ ነይረ።


እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ክመፅእ እንተለኹ፥ ካብቶም ሓጐስ ክረኽበሎም ዝግበአኒ፥ ጓሂ ምእንቲ ኸይረክብ ኢለ እየ። ምኽንያቱ ሓጐሰይ፥ ሓጐስ ኵልኻትኩም ከም ዝኾነ፥ ከም እትፈልጡ ስለ ዝኣምን እየ።


ብዅሉ እተኣማመነልኩም እየሞ፥ ብኣኻትኩም ሕጉስ እየ።


እዙይ ከዓ፥ መቄዶናውያን ምሳይ እንተ መፁ እሞ፥ ከይተዳለኹም እንተ ፀኒሕኹም፥ ብኣኻትኩም ብምምካሕና፥ ንሕና ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንስኻትኩምውን ከይትሓፍሩ ኢለ እየ።


ካብዙይ ዝተፈለየ ኻልእ ከም ዘይትሓስቡ፥ ብጐይታ እተኣማመን እየ። እቲ ዘደናግረኩም ዘሎ ግና፥ ዝኾነ ይኹን ፍርዱ ኽቕበል እዩ።


እዙይ ከዓ፥ እታ ሰብነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኽትህነፅ፥ እቶም ቅዱሳንውን ኣብ ኣገልግሎቶም ፍፁማን ምእንቲ ክኾኑ፥


እዙይውን ነቲ ዝበለፀ መርሚርኩም ክትፈልጡ፥ በታ ክርስቶስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ፥ ንፁሃትን ነቐፋ ዘይብልኩምን ኴንኹም ምእንቲ ኽትርከቡ፥


እቲ ተውሂቡኩም ዘሎ ፀጋ ኸዓ፥ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ምእንታኡውን መከራ ኽትቅበሉ እዩ።


እምበኣርከስ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ ከምቲ ዅልሻዕ ተኣዘዝቲ ዝነበርኩም፥ ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድመይ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኣውራ እኳ ደኣ ብድሕረይ፥ ብፍርሓትን ብራዕድን፥ ናይ ርእስኹም ድሕነት ንምፍፃም፥ ተጊህኹም ስርሑ።


ምእንቲ ሰናይ ፍቓዱ ኢሉ፥ ክትደልዩን ክትገብሩን ኣባኻትኩም ዝሰርሕ፥ እግዚኣብሄር እዩሞ።


እዙይ ከዓ፥ ነቲ ቓል ህይወት ኣፅኒዕኹም እንተ ሒዝኩምዎ እዩ፤ በታ ክርስቶስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ ኸዓ፥ ብኸንቱ ስለ ዘይጐየኹን ስለ ዘይፀዓርኩን ክምካሕ እየ።


ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርኩም፤ ብሓይሊ እቲ ኻብ ሞት ዘተስኦ እግዚኣብሄር ብምእማንኩም ድማ፥ ምስኡ ተሳእኹም።


ነቲ ናይ እምነት ስራሕኹም፥ ነቲ ኣብ ፍቕሪ ዝተመስረተ ፃዕርኹም፥ ነቲ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘሎ ተስፋ ዝተመስረተ ፅንዓትኩም፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን፥ እንተየብኰርና ንዝክር ኣለና።


ነዙይ ብምሕሳብ፥ ኣምላኽና ንፃውዒቱ ብቑዓት ምእንቲ ኽገብረኩም፥ ብሓይሉ ኸዓ፥ ነቲ ሰናይ ንምግባር ዘለኩም ድልየትን፥ ኵሉ ናይ እምነትኩም ተግባርን፥ ምእንቲ ኽፍፅመልኩም፥ ኵልሻዕ ምእንታኻትኩም ንፅሊ ኣለና።


ነቲ እንእዝዘኩም ትፍፅምዎ ኸም ዘለኹም፥ ገናውን ከም እትፍፅምዎ፥ ኣባኻትኩም ብጐይታ እምነት ኣለና።


ካብዝ ዝብለካ ዘለኹ ኣብሊፅካ ኸም እትገብር ፈሊጠ፥ ከም እትእዘዘኒውን ኣሚነ እየ ዝፅሕፈልካ ዘለኹ።


እምበኣር ነቲ ብዙሕ ዓስቢ እትረኽቡሉ እምነትኩም ኣይትሕደጉ።


ንዅሉ ውርደት ንዒቑ፥ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ፥ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሰ፥ ኣብ የማን ዙፋን እግዚኣብሄር ዝተቐመጠ፥ ናይ እምነትና ጀማሪን ፈፃሚን ናብ ዝኾነ ኢየሱስ ንጠምት።


ናብ ዘለኣለም ክብሩ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝፀውዐኩም፥ ኣምላክ ናይ ኵሉ ፀጋ፥ ቁሩብ ጊዜ መከራ ምስ ተቐበልኩም፥ ንሱ ኽፍፅመልኩም፥ ከፅንዐኩም፥ ከበርትዐኩም፥ ክምስርተኩምውን እዩ።


መዓልቲ ጐይታ ግና፥ ከም ሰራቒ ኾይና ኽትመፅእ እያ፤ ሽዑ ሰማያት በዓብዪ ድምፂ፥ ጥዋዕዋዕ እናበሉ ኽሓልፉ እዮም፤ ፍጥረት ሰማይውን፥ ብሓዊ ነዲዱ ኽመክኽ እዩ፤ ምድርን፥ ኵሉ ኣብኣ ዘሎ ነገርን፥ ክነድድ እዩ።


Follow us:

Advertisements


Advertisements