5 ካብ መጀመርታ ኽሳዕ ሕዚ፥ ኣብ ስብከት ወንጌል ተሓባበርቲ ስለ ዝኾንኩም፥ ንእግዚኣብሄር አመስግኖ ኣለኹ።
ንሳቶም ከዓ ትምህርቲ ሃዋርያት ብምክትታልን፥ ሓቢሮም ብምንባርን፥ ብምቝራስ እንጀራን፥ ብፀሎትን ፀኒዖም ነበሩ።
ካብቶም ጨናፍር ገሊኣቶም እንተ ተሰብሩ እሞ፥ ንስኻ ኣውሊዕ በረኻ እንተለኻ፥ ኣብ ስፍራኦም እንተ ተተኸልካ፥ ካብቲ ሱር ኣውሊዕ ዝወፅእ ማራ፥ ተኻፋሊውን እንተ ዄንካ፥
ብዘድልዮም ንቅዱሳን ሓግዙ፤ ተቐበልቲ ጋሻ ኹኑ።
እቶም ናይ መቄዶንያን ኣካይያን ቅዱሳን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ካብ ዘለዉ ቅዱሳን፥ ነቶም ድኻታት ገንዘብ ከዋፅኡሎም ፈትዮም ኣለዉሞ።
እቲ ምስ ወዱ፥ ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ሕብረት ምእንቲ ኽህልወኩም፥ ዝፀውዐኩም እግዚኣብሄር እሙን እዩ።
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ብዛዕባ እቲ ንኣብያተ ክርስቲያን መቄዶንያ ዝተውሃበ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ ነፍልጠኩም ኣለና።
እዝ ምስጢር እዙይ ከዓ፥ ኣህዛብ ብወንጌል ምስ እስራኤል ሓቢሮም ወረስቲ፥ ናይ ሓደ ሰብነት ኣካል፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ከዓ፥ መኻፍልቲ ተስፋ ኸም ዝኾኑ እዩ።
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ እቲ ኵሉ ዝበፅሐኒ ነገር፥ ንምስፍሕፋሕ ወንጌል የመና ኸም ዝጠቅም፥ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።
እዞም ዳሕረዎት፥ ንወንጌል ስለ ዝተማጐትኩላ ኸም ዝተኣሰርኩ ፈሊጦም፥ ብፍቕሪ ይሰብኩ ኣለዉ።
ክሪአኩም እንተ መፃእኹ ወይ ኣብ ርሑቕ እንተለኹ፥ ብሓደ መንፈስ ፀኒዕኹም፥ ምእንቲ እምነት ወንጌል፥ ብሓደ ልቢ ትጋደሉ ምህላውኩም ምእንቲ ኽሰምዕ፥ ኣካይዳኹም ንወንጌል ክርስቶስ ዝበቅዕ ይኹን።
ኵልኻትኩም ኣብ ልበይ ስለ ዘለኹም፥ ብዛዕባ ዅልኻትኩም ክሓስብ ግቡእ እዩ። ተኣሲረ እንተለኹ ኾነ፥ ንወንጌል ክምስርታን ክማጐተላን እንተለኹ፥ ንስኻትኩም ኵልኻትኩም፥ ኣብዝ ፀጋ እዙይ መኻፍልተይ ኢኹምሞ።
እምበኣርከስ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ ከምቲ ዅልሻዕ ተኣዘዝቲ ዝነበርኩም፥ ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድመይ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኣውራ እኳ ደኣ ብድሕረይ፥ ብፍርሓትን ብራዕድን፥ ናይ ርእስኹም ድሕነት ንምፍፃም፥ ተጊህኹም ስርሑ።
ጢሞቴዎስ ግና ውሉድ ነቦኡ ኸም ዝእዘዝ፥ ምሳይ ኮይኑ ንወንጌል ብምግልጋል፥ ብቕዓቱ ኸም ዘርኣየ ትፈልጡ ኢኹም።
ንስኻውን ኣታ እሙን መሳርሕተይ፥ ክትድግፈን፥ እልምነካ ኣለኹ። ንሳተን ምስ ቀሌምንጦስን ምስቶም ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዝተፅሓፈ ኻልኦት መሳርሕተይን፥ ምሳይ ብኣገልግሎት ወንጌል ዝፀዓራ እየንሞ።
እምበኣር ከም ሓው ትሪአኒ እንተ ዄንካስ፥ ንኣይ ከም እትቕበለኒ ጌርካ ተቐበሎ።
ነታ መጀመርታ እምነትና ኽሳዕ መወዳእታ ኣፅኒዕና እንተ ሒዝናያ፥ መዋርስቲ ክርስቶስ ንኸውን።
ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልጋልን ሃዋርያን ካብ ዝኾነ ስምኦን ጴጥሮስ፥ ናብቶም ብናይ እግዚኣብሄርን፥ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ፅድቂ፥ ከማና ኽብርቲ እምነት ዝተቐበሉ፥
ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኽህልወኩም፥ ነቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን፥ ንኣኻትኩም ንነግረኩም ኣለና። ሕብረትናውን፥ ምስ ኣብን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን እዩ።
ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፥ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና፥ ንስንሳትና ሕብረት ኣለና፤ ደም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንፅሀና እዩ።