Biblia Todo Logo
Online Bible

- Advertisements -




ፊልጵስዩስ 1:30 - መፅሓፍ ቅዱስ

30 ስለዙይ ናይቲ ኣባይ ዝረአኹምዎ፥ ሕዚ እውን ኣባይ ከም ዘሎ እትሰምዕዎ ዘለኹም፥ ገድሊ ይበፅሐኩም ኣሎ።

See the chapter Copy




ፊልጵስዩስ 1:30
21 Cross References  

በኣይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ እዙይ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም እንተለኹም፥ መከራ ኣለኩም፤ እንተ ኾነ ኣይዞኹም፥ ኣነ ንዓለም ስዒረዮ እየ።”


ስለዙይውን፥ ምእንቲ ክርስቶስ ተኣሲረ ኸም ዘለኹ፥ በቶም ቤተ መንግስቲ ዝሕልዉ ወታደራትን፥ በቶም ኵሎም ካልኦትን ተፈሊጡ ኣሎ።


ነዙይ ድማ፥ በቲ ንሱ ኣብ ውሽጠይ ብሓይሊ ዝገብሮ ዘሎ ዅሉ ተግባራት፥ እናተጋደልኩ እፅዕር ኣለኹ።


ምእንታኻትኩምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዶቅያ ዘለዉን፥ ምእንቲ እቶም ገፀይ ብስጋ ሪኦም ዘይፈልጡን፥ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ገድሊ ኸም ዘለኒ፥ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።


ከም እትፈልጥዎ፥ ቅድም ኣብ ፊልጵስዩስ መከራ ተቐበልናን ተዋረድናን። ይኹን እምበር እንተ ተቓወሙናኳ፥ ብረድኤት እግዚኣብሄር ብትብዓት፥ ወንጌል ሰቢኽናልኩም ኢና።


ሰናይ ናይ እምነት ገድሊ ተጋደል፤ ነታ ዝተፀዋዕኻላ፥ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት መሰኻኽርውን ፅቡቕ ምእማን ዝተኣመንካላ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ሓዝ።


ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፤ ነቲ ጕያ ፈፂመ፤ ነታ እምነትውን ሓልየ እየ።


ምእንቲ እዙይ ንሕናውን ክንድዙይ ዝኣኽሉ መሰኻኽር፥ ከም ደመና ኸቢቦምና ስለ ዘለዉ፥ ንዅሉ እቲ ዝኸብደናን ዝጠብቀናን ሓጢኣት ኣርሒቕና፥ በቲ ኣብ ቅድሜና ተዳልዩልና ዘሎ መቀዳደሚ፥ ብትዕግስቲ ፀኒዕና ንጕየ።


ምስ ሓጢኣት ክትቃለሱ እንተለኹም፥ ገና ኽሳዕ ምፍሳስ ደምኩም እትበፅሑ ኣይተቓወምኩምን።


ሳላ ደም እቲ በጊዕን፥ ሳላ ቓል ምስክርነቶምን ድማ ሰዓርዎ፤ ንህይወቶም ክሳዕ ሞት ኣየናሕሰዩላን።


Follow us:

Advertisements


Advertisements