Biblia Todo Logo
Online Bible

- Advertisements -




ፊልጵስዩስ 1:25 - መፅሓፍ ቅዱስ

25 በዙይ ብምትእምማን፥ ብእምነት ክትዓብዩን ክትሕጐሱን፥ ብህይወት ፀኒሐ ምሳኻትኩም ከም ዝኸውን፥ ተረዲአ ኣለኹ።

See the chapter Copy




ፊልጵስዩስ 1:25
17 Cross References  

እግዚኣብሄር ብቕድስናኡ ተናገረ፤ “ደስ እናበለኒ፥ ንሴኬም ክማቐል እየ፤ ንለሰ ሱኮትውን ብመለክዒ ኽልክዖ እየ።


ኣነ ግና፥ እምነትካ ኸይትጠፍእ ምእንታኻ ፀለኹ፤ ንስኻውን ምስ ተመለስካ ነሕዋትካ ኣፀናንዓዮም” በሎ።


ንሱ ኣብኡ ምስ በፅሐ፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ሪኡ ተሓጐሰ፤ ብምሉእ ልቦም ብእግዚኣብሄር ፀኒዖም ክነብሩ ድማ መዓዶም።


“ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክንኣቱ ዝግብአና፥ ብብዙሕ መከራ እዩ” እናበሉ ነቶም ደቀ መዛሙርት ኣፀናንዕዎም፤ ኣብ እምነቶም ፀኒዖም ክነብሩውን ኣተባብዕዎም።


“ሕዚ ድማ፥ እንሆ ንስኻትኩም መንግስቲ እግዚኣብሄር እናዞርኩ ዝሰበኽኩልኩም ኵልኻትኩም፥ ደጊም ገፀይ ከም ዘይትሪኡ ፈሊጠ ኣለኹ።


ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፥ ተስፋኹም ኣፀቢቑ ምእንቲ ኽዓቢ፥ እቲ ዝኣመንኩምዎ ናይ ተስፋ ኣምላኽ፥ ኵሉ ሓጐስን ሰላምን ይምላእኹም።


እንተ ኾነ፤ ኣህዛብ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽእዘዙ ኢሉ፥ ክርስቶስ ብቓልን ብግብርን ዝሰርሖ ዘሎ እንተ ዘይኮይኑ፥ ብኻልእ ኽዛረብ ኣይደፍርን።


ናባኻትኩም ክመፅእ እንተለኹ ኸዓ፥ ብበረኸት ክርስቶስ መሊአ ኸም ዝመፅእ፥ እፈልጥ ኣለኹ።


ብእኡ ኸዓ፥ ናብዝ ሕዚ ዘለናዮ ፀጋ ብእምነት ኣተና፤ ብተስፋ ተኻፈልቲ ኽብሪ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾንናውን፥ ንምካሕ ኣለና።


ብእምነት ፀኒዕኹም ስለ ዘለኹም፥ ምእንቲ ኽትሕጐሱ ሓቢርና እንሰርሕ ደኣ ኢና እምበር፥ ኣብ እምነትኩም ክንጕይተት ኣይኮንናን።


እንተ ኾነ ግና ብህይወት ምፅናሐይ፥ ንኣኻትኩም ኣድላዪ እዩ።


ኣነ ባዕለይውን፥ ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኽመፅእ፥ ብጐይታ ተስፋ እገብር ኣለኹ።


ከምኡውን እግዚኣብሄር ፀሎትኩም ሰሚዑ፥ ናባኻትኩም ክመፅእ ከም ዝገብረኒ፥ ተስፋ ኣለኒ እሞ ስፍራ ኣዳልወለይ።


ንኢየሱስ ክርስቶስ እንተይረአኹምዎ፥ ተፍቅርዎ ኣለኹም፤ ሕዚ እውን ኣይትሪእዎን ዘለኹም፤ ብእኡ ግና ትኣምኑ ኣለኹም፤ ክንገር ብዘይከኣል ምሉእ ሓጐስውን፥ ትሕጐሱ ኣለኹም። ናይ እምነትኩም ፍረ ኸዓ፥ ድሕነት ነፍስኹም ተቐበልኩም።


Follow us:

Advertisements


Advertisements