Biblia Todo Logo
Online Bible

- Advertisements -




ፊልጵስዩስ 1:23 - መፅሓፍ ቅዱስ

23 በዘን ክልተ ነገራት እዚኣተን እጭነቕ ኣለኹ፤ ብዝበለፀ ዝሕሸኒ ስለ ዝኾነ ግና፥ ካብዙይ ተፈልየ ምስ ክርስቶስ ክኸውን ሃረርታይ እዩ።

See the chapter Copy




ፊልጵስዩስ 1:23
24 Cross References  

ዳዊት ከዓ ንጋድ “የመና ጨኒቑኒ ኣሎ፤ ግና ምሕረቱ ብዙሕ እዩ እሞ፥ ኣብ ኢድ ሰብ ካብ ምውዳቕስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ምውዳቕ ይሕሸኒ” በሎ።


ኣነ ግና ብፅድቂ፥ ገፅካ ኽርኢ እየ፤ ክብርኻ ብምርኣይ ከዓ ኽፀግብ እየ።


ንኣይ ግና እግዚኣብሄር ክቕበለኒ እዩሞ፤ ንነፍሰይ ካብ ኢድ ሲኦል ክቢዘዋ እዩ።


ግና ዝጥመቖ ጥምቀት ኣለኒ፤ ክሳዕ እትፍፀም ድማ ኸመይ ዘይጭነቕ?


ኢየሱስ ድማ “ሎሚ ኣብ ገነት፥ ምሳይ ከም እትኸውን፥ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በሎ።


እቲ ኣጋንንቲ ዝወፁሉ ሰብኣይ ድማ፥ ምስኡ ክኸውን ንኢየሱስ ለመኖ። ኢየሱስ ግና


እቲ ኸገልግለኒ ዝደሊ ይከተለኒ፤ እቲ ዘገልግለኒ ኸዓ፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ ኽነብር እዩ። ነቲ ዘገልግለኒውን፥ ኣብ ከኽብሮ እዩ።


ኢየሱስ ቅድሚ በዓል ፋሲካ፥ ካብዝ ዓለም እዙይ፥ ናብ ኣብ፥ ዝኸደላ ሰዓት ከም ዝበፅሐት ፈሊጡ፥ ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ፥ ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም።


ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ፥ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ተመሊሰ ኽመፅእ እየ፤ ናባይውን ክወስደኩም እየ።


ኦ ኣቦ! ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፥ ንኣይ ብምፍቃርካ፥ ዝሃብካኒ ኽብሪ ምእንቲ ኽሪኡ፥ እዞም ዝሃብካኒ፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኽዎ፥ ንሳቶምውን ኣብኡ ኽህልዉ እደሊ ኣለኹ።


ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትልዎ እንተለዉ ኸዓ እስጢፋኖስ “ኦ ጐይታ ኢየሱስ! ንነፍሰይ ተቐበላ” ኢሉ ፀለየ።


ካብዝ ሰብነት እዙይ ተፈሊና፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ይሕሸና ኢልና፥ ብትብዓት ንዛረብ።


ኣብ ልብኹም ደኣ እዩ ዝፀበበኩም እምበር፥ ኣባናስ ኣይፀበበኩምን።


እንተ ኾነ ግና ብህይወት ምፅናሐይ፥ ንኣኻትኩም ኣድላዪ እዩ።


ኣሕዋትና፥ እቲ ናባኻትኩም ምምፃእና፥ ንኸንቱ ኸም ዘይኮነ፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።


ነቲ ኻባና ዝሰማዕኹምዎ ቓል እግዚኣብሄር ምስ ተቐበልኩምዎ፥ ከምቲ ኣባኻትኩም ኣብ ኣመንቲ ዝሰርሖ ዘሎ፥ ከምቲ ሓቁ፥ ከም ቃል እግዚኣብሄር እምበር፥ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፥ ንሕና እንተየቋረፅና ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ ኣለና።


ብድሕሪዙይ ንሕና ብህይወት እንፀንሕ፥ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፥ ምስኣቶም ሓቢርና፥ ብደመና ክንዓርግ ኢና። ንሓዋሩ ድማ፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና።


ኣነስ ድሮ ሰማዕት ክኸውን ቐሪበ ኣለኹ፤ መዓልቲ ሕልፈተይ በፂሓ እያ።


ካብ ሰማይ ከዓ፥ “እቶም ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ብጐይታ ኢየሱስ ኣሚኖም ዝሞቱ፥ ብፁኣን እዮም፤ ኢልካ ፀሓፍ” ዝብለኒ ድምፂ ሰማዕኹ። መንፈስ ቅዱስ ከዓ “እወ፥ ግብሮም ክስዕቦም እዩ እሞ፥ ካብ ፃዕሮም ክዓርፉ እዮም” በለ።


Follow us:

Advertisements


Advertisements