22 ብህይወት እንተ ደኣ ኽነብር ኮይነ፥ ገና ፍረ ዘለዎ ስራሕ ኣለኒ ማለት እዩ። ነየናይ ከም ዝመርፅ ግና፥ ኣይፈልጥን እየ።
ኣቢሜሌክ ከዓ “ነዚ ነገር እዙይስ መን ከም ዝገበሮ ኣይፈለጥኩን፤ ንስኻ ድማ ኣይነገርካንን፤ ኣነውን እንትርፊ ሎሚ ኣይሰማዕኹን” በለ።
ንሱ ድማ፥ ንሰበይቲ ጐይታኡ “እንሆ፥ ጐይታይ ኣብ ገዛኡ ምሳይ እንታይ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን፥ ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ እዩ።
ነቲ ዝመፅእ ትውልዲ፥ ቅልፅምካን ሓይልኻን ፅድቅኻን፥ ክሳዕ ዝነግር፥ ክሳዕ ዝኣርግን ዝሽምግልን፥ ኦ ጐይታ ኣይትሕደገኒ።
እቶም ህዝቢ፥ ሙሴ ኻብ እምባ እንተይወረደ ኸም ዝደንጐየ ምስ ረአዩ፥ ተኣኪቦም ናብ ኣሮን ከዱ እሞ “ነዝ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአና ሙሴ፥ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ ተስእ፤ ቀቅድሜና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ኸዓ ግበረልና” በልዎ።
ሕዚ ድማ ኣሕዋተይ፥ ከምቶም መራሕትኹም፥ ነዙይ ብዘይ ምፍላጥ ከም ዝገበርኩምዎ እፈልጥ ኣለኹ።
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ከምቲ ኣብቶም ካልኦት ኣህዛብ ዝረኸብክዎ ፍረ፥ ኣባኻትኩምውን ምእንቲ ኽረክብ፥ ናባኻትኩም ንምምፃእ ብዙሕ ጊዜ ኸም ዝመደብኩ፥ እንተ ኾነ ኽሳዕ ሕዚ ኸም ዘይተኽኣለኒ፥ ክትፈልጡለይ እደሊ።
እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኣቐዲሙ ዝሓረዮ ህዝቡ ኣይገደፎን። ብዛዕባ ኤልያስ እተፅሓፈ፥ ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ንእስራኤላውያን እንታይ ኢሉ ኸም ዝኸሰሶምዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
ምንም እኳ ብልማድ ሰብ እንመላለስ እንተ ኾንና፥ ከም ልማድ ሰብ ኣይንዋጋእን።
ኣነ ምስ ክርስቶስ ተሰቒለ ኣለኹ፤ ደጊም ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዝነብር ዘሎ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘለኹ፤ እዝ ሕዚ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ድማ፥ በቲ ዘፍቀረኒ፥ ምእንታይ ከዓ ንባዕሉ ቤዛ ዝሃበ ወዲ እግዚኣብሄር ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ።
በዘን ክልተ ነገራት እዚኣተን እጭነቕ ኣለኹ፤ ብዝበለፀ ዝሕሸኒ ስለ ዝኾነ ግና፥ ካብዙይ ተፈልየ ምስ ክርስቶስ ክኸውን ሃረርታይ እዩ።
እንተ ኾነ ግና ብህይወት ምፅናሐይ፥ ንኣኻትኩም ኣድላዪ እዩ።
ምእንታኻትኩምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዶቅያ ዘለዉን፥ ምእንቲ እቶም ገፀይ ብስጋ ሪኦም ዘይፈልጡን፥ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ገድሊ ኸም ዘለኒ፥ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።