17 እቶም ቀዳሞት ግና፥ ኣብ ርእሲ ምእሳረይ፥ ተወሳኺ መከራ ኸምፅኡለይ ደልዮም፥ ብቕንዕና ዘይኮነስ፥ ብሻራ ብዛዕባ ክርስቶስ ይሰብኩ ኣለዉ።
እንታይ ኢልኩም ከም እትምልሱ፥ ኣቐዲምኩም ክትሓስቡ ኸም ዘይብልኩም፥ ኣብ ልብኹም ኣሕድርዎ።
“ኣቱም ኣቦታተይን ኣሕዋተይን፥ እዝ ሕዚ ኣነ ዝከራኸረሉ ነገር ስምዑኒ።”
ኣግሪጳ ንጳውሎስ “ብዛዕባ ርእስኻ ኽትዛረብ ተፈቒዱልካ ኣሎ” በሎ። ሽዑ ጳውሎስ ኢዱ ዘርጊሑ ኸምዙይ እናበለ ኽዛረብ ጀመረ፦
ከምዙይ ኢሉ ብዛዕባ ርእሱ ምስ ተዛረበ ድማ፥ ፊስጦስ ዓው ኢሉ፥ “ጳውሎስ ዓቢድካ ኢኻ? እዝ ብዙሕ ትምህርትኻ፥ ናብ ዕብዳን ኣብፂሑካ ኣሎ” በሎ።
ነቶም ንዓመፃ እምበር፥ ንሓቂ ዘይእዘዙ ፈተውቲ ርእሶም ግና፥ ቍጥዓን መዓትን ክወርዶም እዩ።
ይኹን ደኣ እምበር፥ እንተስ ብተንኰል እንተስ ብቕንዕና፥ ብዝኾነ መንገዲ፥ ክርስቶስ ይስበኽ ኣሎ፤ በዙይ ድማ እሕጐስ ኣለኹ።
ኵልኻትኩም ኣብ ልበይ ስለ ዘለኹም፥ ብዛዕባ ዅልኻትኩም ክሓስብ ግቡእ እዩ። ተኣሲረ እንተለኹ ኾነ፥ ንወንጌል ክምስርታን ክማጐተላን እንተለኹ፥ ንስኻትኩም ኵልኻትኩም፥ ኣብዝ ፀጋ እዙይ መኻፍልተይ ኢኹምሞ።
ሓንቲ ነገር እኳ፥ ናይ ባዕልኻ ጥቕሚ ብምቕዳም ወይ ንኸንቱ ውዳሴ ኢልኩም ኣይትግበሩ። እኳ ደኣ ትሕትና ብምልባስ፥ እቶም ካልኦት ካባኻትኩም ከም ዝበልፁ ጌርኩም ቍፀሩ።
ኣነውን ነዙይ እየ፥ ንኣህዛብ ሓቅን እምነትን ምእንቲ ኽምህር፥ ሰባኽን ሃዋርያን ኮይነ ዝተሸምኩ፤ ሓቂ እየ ዝዛረብ እምበር፥ ኣይሕሱን እየ።
ብምኽንያት እዝ ወንጌል እዙይ ከዓ፥ ከም ገባሪ ክፉእ ተኣሲረ፥ መከራ እቕበል ኣለኹ። ቃል እግዚኣብሄር ግና ኣይእሰርን እዩ።
መጀመርታ ጊዜ ናይ እተኸሰስኩሉ መልሲ ኸቕርብ እንተለኹ፥ እግዚኣብሄር ደኣ ኸም በደል ኣይቝፀረሎም እምበር፤ ኵላቶም ጠለሙኒ፤ ሓደኳ ምሳይ ኣይነበረን።